ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኮርያ መበል 100 ዓመት ኣዋጅ ብፅዕና ሰማእታታ ትዝክር
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቶዳም&Բ; 5 ሓምለ ኣብ ሶል ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ርእሰ ሰበኻታት መበል 100 ዓመት ዓዋጅ ብፅዕና ናይቶም 79 ኮርያውያን ሰማእታት ጊሃ (1839) ከምኡውን ቢዮንግ-ኦ (1846) ብምዝካር ብዛዕባ ሰማእትነቶም ሓድሽ ጸብጻብ ኣውጽኡ ከምኡውን ብዛዕባ ብዛዕባ ገድሊ ሰማዕትነቶም ዝገልጽ ፍሉይ ታሪኻዊ ምርኢት ብምክያድ ዘኪሮም።
"እዞም ሰማእታት እዚኣቶም ስደትን ዓመጻን እናወረዶም ክነሶም ነቲ ኣብ ጐይታ ዝነበሮም እምነት ፈጺሞም ኣይሓደግዎን። እቶም ናይ ሰበኻ ሶል ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ፒተር ሱን-ታይክ ቹንግ ኣብ ዝለገሥዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ፣ እቲ እዞም ሰማዕታት ዘርኣይዎ ትዕግስቲ ንእምነቶም ዝዕሙቕ ኢዩ ዝነበረ፣ ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሞት እውን ከይተረፈ ከም ዝሳገሩ ሓቐይና ተስፋ ከም ዝነበሮም ገለጹ።
ናይዞም 79 ኮርያውያን ሰማእታት ናይ ጊሃን ቢዮንግ-ኦን ኣዋጅ ብፅዕና ብ5 ሓምለ 1925 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒየስ መበል ዓሰርተው ሓደ ተፈጺሙ። ድሕርዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1968 ንኻልኣይ ጕጅለ 24 ሰማእታት ብፅዕናኦም ኣወጁ፣ ብ1984 ከኣ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብጠቕላላ 103 ሰባት ዝርከብዎም ክልተ ጕጅለታት ብሓባር ቅድስናኦም ኣዊጆም።
ልዕሊ 1000 ዝዀኑ ምእመናን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብቲ ኣብ ከተማ ሶል ዚርከብ ቤተ - መዘክር ታሪኽ ቤተ - መቕደሳት ሶሶሙን ተኣከቡ ፣ ኣብኡ ድማ 41 ካብቶም 79 ሰማእታት ዝሞቱሉ ቦታ ኢዩ ዝነበረ። ብመሰረት ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ቤተ-ክርስትያን ኮርያ ብገምጋም 16,000 ካቶሊካውያን ከም እተቐትልዋ ግምታት ከም ዘሎ ይግለስ። ክሳዕ 1895 ኣብ ኮርያ ንዝነበሩ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊካውያን ናጽነት ኣይተዋህቦምን ዝንበሩ።
ታሪኻዊ ሰነዳት ዝሓዘ ሓድሽ ጸብጻብ
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኸም ዘመልክቶ ኣብቲ ጃምላዊ ቕትለት "ሰነድ ገድሊ ሰማዕታት ጊሃን ቢዮንግ-ኦን" ዘርእስቱ ሓድሽ ጸብጻብ ብኮሚተ ርእሰ ሰበኻታት እውን ተሓቲሙ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ኣብቲ ስደት ክርስቲና ዝወረደሉ እዋን ዝገዝእ ዝንበረ ስርወ-መንግስቲ ሆሴን እተረኽበ ጸብጻብ ነገስታትን ፍርዳዊ መዛግብትን መዛግብቲ መንግስትን እተወስደ ድማ እዩ። ከምቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ዘሎ ወግዓዊ ሰነዳትን ሓበሬታ ምሁራትን ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ብቐሊሉ ምእንቲ ኺረኽብዎ ናብ ቋንቋ ኮርያ ተተርጒሙ ውን ይርከብ።
ሊቀ-ጳጳሳት ቹንግ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከምዚ በሉ - "ካብ ወግዓዊ መዛግብቲ እተረኽበ ታሪኻዊ ሓቅታት ማለት ካብ ከም ንጉሳዊ ጸሓፍትን ሃገራዊ ባይቶን ዝኣመሰላ ትካላት እተረኽበ ምርምራትን ጸብጻባትን መምርሒታትን ኣብ ምስክርነት ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝውከል ብጥንቃቐ እተረኽበን እተተርጐመን እተጠርነፉ ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ። እዚ በቶም ጨቆንቶም እተጻሕፈ መዝገብ እኳ እንተ ዀነ፣ ትብዓት ዝመልኦ እምነትን ዓሚቝ ሕልናን እቶም ሰማእታት ግና ኣብ ውሽጦም ብዝያዳ ንጹር እዩ ዝነብረ።"
ታሪኻዊ ምርኢት
ብተወሳኺውን "ኣኒማ ሙንዲ - ነፍሳት ዓለም " ዘርእስቱ ፍሉይ ምርኢት ድሕሪ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅዱስ ኣብቲ ቦታ ብዕሊ ተኸፍተ፣ ክሳዕ ዕለት 14 መስከረም ድማ ኪቕጽል እዩ። እዚ ምርኢት እዚ ንመበል 100 ዓመት ናይቲ ብ1925 ኣብ ኣብያተ-መዘክር ቫቲካን እተገብረ ናይ ሚስዮናውያን ዓለም ምርኢት ዜዘኻኽር ውን እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ሴኦል ዝረኸፍተ ምርኢት ኣብቲ ብ1925 ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ቫቲካን እተኻየደ ምርኢት "ጆሰዮን ፓቪልዮን" እተቐድሐ ዀይኑ፣ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተፈጸመ ዅነታት ቤተ-ክርስትያን ኮርያ ዚሕብር እዩ። ካብ 16 ኣብያተ-መዘክር ኮርያ እተኣከበ 270 ኢደ-ስርሓት ከምኡውን ኣብ ጐድኒ እቲ ብቤተ-መዘክር ሥነ-ዓሌታት ቫቲካን እተወስደ ታሪኻዊ ንብረታት ከም ዘሎ እቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን ጋዜጣዊ መግለጺ የመላኽት፣ እቲ ምርኢት ብዛዕባ ኣገዳስነት ዘተን ኣኽብሮት ከምኡውን ሰላማዊ ህላወ ሃገራት ንምስትንታትን ዘተባብዕ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።