MAP

2025.07.04 Archbishop Ryan Jimenez 2025.07.04 Archbishop Ryan Jimenez 

ሊቀ-ጳጳሳት ሰላማዊ ውቕያኖስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ተራኺቦም፦ ‘ቅዱስ ኣቦና ንጥሕል ኣሎና’

ናይ ሰበኻ ኣጋንያ ጓም ሊቀ-ጳጳሳት ራያን ጂመኔዝ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዘካየድዎ ትርክብን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ቓልስን ሓጐስን ምስ ዜና ቫቲካን ተዘራሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ብዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ራያን ጂመኔዝ ብዓል ኣጋንያ ጓም ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካየድዎ ርክብ ዘጕልሕ ጥንታዊ ናይ ሥርዓተ ተቕባል ሞጣህት ሊቃነ ጳጳሳት ንምስታፍ ምስ ሓደስቲ 54 ሜጥሮጵሊሳውያን ሊቃነ-ጳጳሳት ካብ መላዕ ዓለም ዝመጹ ኣብ ከተማ ሮማ ተረኺቦም ነይሮም።

እቶም ትውልደ ፊሊፒናዊ ዝዀኒ ወዲ 53 ዓመት ሊቀ-ጳጳሳት እውን ከም ጳጳስ ናይቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኢዮም።

እዚ ቦታ እዚ 17  ሰበኻታትን ምምሕዳራዊ ኣካላትን ሚስዮናውያን ዞታታትን ከምኡውን ካልኦት ኣቅላሲያውያን ምምሕዳራት ዝሓቘፈ ዀይኑ ካብቲ ብሸነኽ ምዕራብ ዝርከብ ግዝኣት ጓም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ ቋንቋ ፈንረንሳይ እትዛረብ ደሴት ታሂቲ ዝርከብ ሰፊሕ ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝሓቘፈ ክፍሊ ምሕደራ ቤተክርስቲያን ኢዩ።

ጸገማት ቀረብ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂሚነዝ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት "ኣዝዩ እተፈላለየ ዞባ ኢዩ" ክብሉ ነቲ ዘገልግልዎ ዞባ ገለጽዎ።

ነዚ ሰፊሕ ዞባ እዚ ምጕሳይ ከቢድ ምምሕዳራዊ ጸገማት ኣለዎ። ኣብ መንጎ ደሴታት እንተላይ ኣብ መንጎ እተን ንሓድሕደን ዚቀራረባ ደሴታት ዚግበር ዝምድናታት ክቡር ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ጳጳሳት እዚ ኸባቢታት ኸኣ ኣብ ክልተ ዓመት ሓንሳእ ጥራይ ኢዮም ጉባኤ ዘካየዱ።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂሚነዝ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቶም ሓደ ጳጳስ ኣብሪ ጉባኤ ከም ዘይተሳተፈን ንበረራታት ዚኸውን ዓቕሚ ኸም ዘይብሉን ከም ምዃኑ ድማ ተነግሮም።

ብመስመር ኢንተርነት ኣቢልካ ዚግበር ርክባት እውን እንተ ዀነ ብሰንኪ እቲ ምስ ኢንተርነት ዚተሓሓዝ ጸገማት ካብ ኣኼባታት ዞም ብሃንደበት መስመር ከም ዘቋርጾምን ብምግላጽ ጳጳሳት እዚ ዞባ እዚ ካብ ጸገም ናጻ ኣይኰኑን ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ነበርቲ ፉናፉቱ ኣቶሊ
ነበርቲ ፉናፉቱ ኣቶሊ   (AFP or licensors)

ለውጢ ዅነታት ኣየርን ስደተኛታትን

ምናልባት እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዝዓበየ ጸገም ለውጢ ዅነታት ኣየር እዩ፣ እዚ ኸኣ ናብ ምውሳኽ ጽፍሒ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ናብተን ትሑት ዝመነባብሮአን ደሴታት ሰላማዊ ውቅያኖስ ከም ዚበጽሕ ገይርዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንሙቐት ውቅያኖሳት ንምውሳኽ ከምኡውን ሕማቕ ኵነታት ኣየር ከም ዚውስኽ ገይሩ እዩ።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂሚነዝ ነቲ ሞጣሕት ሊቃነ ጳፓሳት ካብ ዚቕበሉ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ጸኒሖም፣ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ብግሊ ተራኺቦም ኢዮም። ቀቅድሚኡ ካብ ሓደ ኣብ ቱቫሉ ዚነብር መሳርሕቶም "በጃኹም ንቅዱስ ኣቦና ንገርዎም" ዚብል መልእኽቲ ኸም እተቐበሉ ውን ገለጹሎም።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ለውጢ ዅነታት ኣየር፣ ኣብቲ ሊቀ-ጳጳሳት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ኣኼባ ብዛዕባ ስደተይናታት እውን ዘትዮም ኢዮም።

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ተርእዮታት ዘሎ ጥብቕ ርክብ ውን ኣጕልሑ፣ ብዙሓት ተቐማጦ ደሴታት ሰላማዊ ውቅያኖስ ናብ ኣውስትራልያ ኽስደዱ ይግደዱ ኸም ዘለዉ ድማ ገለጹ።

ወሲኾም ድማ  "ውጥረት ኣሎና፣ ከመይሲ እዚ ቤትና እንዲ ዝዀነ ሰራውርና ጠቢቕና ኽትሕዝ ንደሊ ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣባይትና በብቝሩብ ብማይ ይወሓት ስለ ዘሎ ካብ ኣባይትና ኻብ ምውጻእ ሓሊፍና ኻልእ ኣማራጺ የብልኩምን" በሉ።

ርክብ ሕዝቢ ወደብ ሞረስቢ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ
ርክብ ሕዝቢ ወደብ ሞረስቢ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ   (AFP or licensors)

ሕብርን ጽባቐን

ኣብ ምዝዛም እቲ ቃለ መሕትት ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂሚነዝ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምንባር ዘምጽኦ ብድሆታት ብዙሕ ከስተንትኑ ከም ዘይደልዉ ውን ኣጕልሑ - "ብዛዕባ ሓጐስ ምምይያጥ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ" በሉ።
ገለ ኻብዚኣቶም ካብቲ ኣብ ጓም ዚርከብ ቻሞሮ ኽሳዕ ካሮሊናውያን ዚበሃሉ እተፈላለዩ ደቀባት ኣብቲ ኣቐዲሙ ቻላን ካኖኣ ዝስመ ኣብ ዝነበረ ሰበኻ ኸም ዝነበሩ ዝነበሩ ገሊጾም።

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂሚነዝ ከምዚ ብምባል ውን ኣመልከቱ - "ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ፍሉይ ባህሊ ደቀባት ስለ እትገልጽ፣ ፍሉይ ምዃን ከኣ ኣብ ኣድማሳዊነት ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ቐንዲ ኣስተዋጽኦ ክኸውን ስለ ዝኽእል እዚ ህያብ ኢዩ።"

እዞም ሊቀ-ጳጳሳት ወሲኾም እታ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብዝሒ ሕዝቢ ኸም ዘይብላ፣ ማለት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል እቲ ኸባቢ ሒደት ምእመናን ጥራይ ከም ዘለዋ ውን ገለጹ። እዚ ኸኣ ካብቲ "ነዊሕን ኣዝዩ ምልኩዕን ኣዝዩ ሕብረ ድምቀታዊ ዝኾነ" ሥርዓተ ኣምልኾ ዘለዎ ብሉጽ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንላዕሊ ምዃኑ ገለጹ።

ዝሓለፈ ሰንበት ነቲ ሞጣህት ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተቐበሉ፣ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጂሚነዝ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓጺር ርክብ ንምክያድ ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸቡ ድማ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ "ኣብ ቤተ ክርስትያንካ ብዙሕ ብድሆታት ኣሎኩም፣ ኣምላኽ ግና ምሳኻ ኸም ዘሎ ፍሉጥ ኢዩ" ክብሉ ውን ኣጸናንዕዎም።

09 Jul 2025, 16:25