MAP

ጳጳስ ዱንያ፥ ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም ጳጳስ ዱንያ፥ ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም 

ጳጳስ ዱንያ፥ ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ዓመጽ ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ናይጀርያዊ ጳጳስ ዱንያ ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዘይሕለል ዓመጽን ምዝንባልን ኣብ ዘጋጥሞም ዘሎ እዋን ሰላም ክረጋገጽን ኣህጉራዊ ደገፍ ክህሉን ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀርያ ዝረአ ዘሎ ሰፊሕ ዓመጽ ንነዊሕ ዓመታት ስክፍታ ዝፈጥር ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ዓድታትን ኣባይትን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ሰባት ይጨውዩን መብዛሕትኡ ግዜ ይቐትሉን፣ ኣብ ገለ እዋን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ወይ ዓሌታዊ ፍልልያት መሰረት ዝገበረ ከም ዝመስልን ኣብ ካልእ እዋን ድማ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ብፍጹም ድራኸ ዘይብሉ ይመስል።

ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕለት 15 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስ ደግሙ፣ ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ቤኑዌ ብዝተፈጸመ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ 200 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ምስ ተሰምዐ፣ ኣብ ናይጀርያ "ጸጥታን ፍትሕን ሰላምን" ክህሉ ጻውዒትን ጸሎትን ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም “ግዳያት ዓመጽ ዝኾኑ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ግዝኣት ቤኑዌ" ብፍልዩ እሓስብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ናይ ሃገረ ስብከት ኣውቺ ጳጳስ ጋብሪኤል ዱንያ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ብሓጎስ ተቐቢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና "ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ህዝቢ ዝግደሱ ምዃኖም ዘረጋግጽ ምልክት እዩ - ቢሎም - ናይጀርያውያን ኣብ ስቓዮም በይኖም ከምዘይኮኑ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ቅርበት ከም ዘለዎም ዘረጋግጽ እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፣ እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ "ገሊኦም ዓሌት ግሊኦም ድማ ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ እዩ ቢሎም ከም ዝኣምኑን መሬት ዘማእከለ ጉዳይ እውን እዩ ዝብሉ ከም ዘለዉ ይሕብሩ።

ቀጻሊ መጥቃዕቲ

ጳጳስ ዱንያ  ብዛዕባ ኩነታት ሃገረ ስብከቶም ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ ሰበኻኦም ብተደጋጋምን ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝተለለየ ምዃኑ ሓቢሮም፣ "እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ጓሶት ፉላኒ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣለዉ፣ ሰባት ይጨውዩ ንገሊኦም ይቐትልዎም ንገሊኦም ድማ ገንዘብ ምስ ተከፈሎም ናጻ ይለቅዎም፣ እቲ መጥቃዕቲ ንባዕሉ መብዛሕትኡ ግዜ ብዝለዓለ ጭካነ ዝልለ እዩ። ዓድታት ይፈርስ፣ ህዝቢ ይቕተል፣ እኽልን ኣባይትን ይቃጸል፣ ጥሪት ይስረቕ፣ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ብዘይ ቤትን ንብረትን እዮም ዝተርፉ፣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት "ብሃንደበት ዝፍጸምዎ ኣይኮነን፣ ማሕበረሰባት ንምጥፋእን ፍርሒ ንምዝራእን ኮነ ኢልካ ዝፍጸም እዩ . . . ፍርሒ፡ ኣካል መዓልታዊ ህይወት ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ብዙሕ መጥቃዕቲ ዝፍጸም እውን እንተኾነ፣ ጸዋዕታ ይቕጽል ኣሎ።  ኣብ ወርሒ ለካቲት ሓደ ናይ ዓብይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ተማሃራይን ሓደ ካህንን ከምዝተጨውዩ ዘኪሮም። "እቲ ካህን ካብ ኢድ ጨወይቱ ከምልጥ ከም ዝኸኣለን፡ እቲ ተማሃራይ ዘርኣ ክህነት ግን ከም እተቐትለን፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እውን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ተመሃራይ ንኡስ ቤት ትምህርተ ዘርኣ ክህነት እውን፡ ካብ ገዝኡ ከም እተጨውየን፡ ንእሽቶ ሓዉ ድማ ብጥይት ተሃሪሙ ከም ዝቖሰለን ገሊጾም፡ "ክሳብ ሕጂ ድማ ደሃዩ ንጽበ ኣሎና” ኢሎም።

Ljljል

ምሉእ ማሕበረሰባት ተመዛቢሎም፡ ገዝኦምን ግራውቶምን ኣቢያተ ክርስትያናቶምን ገዲፎም ክስደዱ ከም ኣተገዱን፣ ብዙሓት ኣብ መዓስከራት ንናይ ውሽጣዊ ሃገር ተመዛበልቲ ይነብሩ ከም ዘለዉን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እቲ መዓስከራት ብተመዛበልቲ ዘዕለቕለቐ ካብ ምዃን ሓሉፉ ትሑት መመሓደሪ ጸጋታት እውን ከም ዘጋጥም ሓቢሮም፣ ስድራቤታት ብተደጋጋሚ ክሃድሙ ክመዛበሉን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከተማታት ወይ ዞባታት ከም ዝኣትዉን ንነብሶም ዝመርሕሉ መንገዲ ዘይብሎም ኮይኖም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝርከቡ ይሕብሩ።

መልሲ ሃገረ ስብከት

እቲ ንሶም ዝመርሕዎ ሃገረ ስብከት ዋላ እኳ ድሩት ጸጋታት እንተሃለዎ፡ ነቶም ንዝተፈላለየ ጸገም ዝተቓልዑ  ምላሽ ምሃብ ኣየቋረጸን። "ኣኼባታት ንገብር። ሰባት ነቲ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንቑሓት ክኾኑ ንሓትት። ኣብ እዋን መዓልታዊ ዕማማት ነንሕድሕዶም ክደጋገፉ ነተባብዕ” ቢሎም፣ ካብ መንግስቲ ዝሓሸ ደገፍ ከምዘድሊ እውን ኣስሚሮም፣ ናይቲ ዞባ ኣመሓዳሪ ደገፍ ከምዘርኣዮም ገሊጾም፣ ይኹን እምበር እቲ ሰፊሕ ተነቃፊ ኩነታት ዘይንጹር ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ "ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ወይ ነጋዶ ብሓቂ ክሳብ ክንደይ ቅኑዓት ምዃኖም ኣይንፈልጥን” ይብሉ።

ንመንእሰያትን ንዓለምን

ጳጳስ ዱንያ ኣብ ፍርሒ ንዝነብሩ መንእሰያት ጥንቃቐ ክገብሩ ግን ከኣ ጽንዓት ክህልዎም ተማሕጺኖም፡ “ተባዓት ግን ከኣ ንቕሓት ክኾኑ ንድግፎም፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ቅልውላው ንምውጋድ መንግስትን ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ዓለም "ብቃላት ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር" ቅርበትን ደገፍን ከረጋግጽ ተማሕጺኖም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

04 Jul 2025, 15:32