MAP

2025.06.02 Eparchia di Asmara conferenza pastorale 2025.06.02 Eparchia di Asmara conferenza pastorale 

ጉስነታዊ ውጥን ንምድላው ዝዓለመ ዓውደ መጽናዕትን ሓባራዊ ዘተን

ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ብመሠረት ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ዘበገሶ፣ ሓዋርያዊ ጉስነት ንሰበ ቃልኪዳንን ስድራቤታዊ ሕይወትን፡ መንእሰያትን መንፈሳውያን ማኅበራትን ብዝምልከት ውጥን ናይ ምውጻእ መደብ ንምትግባር፣ ብዛዕባኡ ብቀዳምነት ሓደ ሓባራዊ ርድኢት ንምሓዝ ብዕለት 7 ግንቦት 2025 ምስ ካብ መላእ ርእሰ ኤጳርቅና ዝመጹ ካላት ዓውደ መጽናዕቲ ኣካይዶም።

ግርማይ ኣስፍሃ - ኤጳርቅና ኣስመራ

ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ብመሠረት ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾ ዘበገሶ፣ ሓዋርያዊ ጉስነት ንሰበ ቃልኪዳንን ስድራቤታዊ ሕይወትን፡ መንእሰያትን መንፈሳውያን ማኅበራትን ብዝምልከት ውጥን ናይ ምውጻእ መደብ ንምትግባር፣ ብዛዕባኡ ብቀዳምነት ሓደ ሓባራዊ ርድኢት ንምሓዝ ብዕለት 7 ግንቦት 2025 ምስ ካብ መላእ ርእሰ ኤጳርቅና ዝመጹ፦ ኩሎም ቆሞሳት፡ ወከልቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ቁምስና፡ መንፈሳውያን ማሕበራት፡ ስብከተወንጌልን እምነትን ስነመዕበያን፡ ወከልቲ ጉስነት ቃልኪዳንን ስድራቤታዊ ስነ- መዕበያን፡ ወከልቲ ቁምስናዊ ቤት ምኽሪ መንእሰያት፡ ወከልቲ መንፈሳውያን ማሕበራት፡ ኣባላት ርእሰ ኤጳርቅናዊ ቤት ምኽሪ ምእመናን፡ ኣባላት ርእሰ ኤጳርቅናዊ ቤት ምኽሪ መንእሰያት ሓባራዊ ዘተ ምክያዱ ዝፍለጥ ኢዩ። በዚ ዕለት ኩሎም ተሳተፍቲ ብዝተሰማምዑሉ መሰረት ከኣ፣ ነቲ ሽዑ ዝቐረበ መሕትት ዝርዝራዊ ሓሳቦም ብጽሑፍ ናብ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ኣቕሪቦም፣ ቤት ጽሕፈት ከኣ ንኹሉ ጠርኒፉን ጸሚቊን ብምስንዳው፣ ናብ ዚቕጽል ስጉምቲ ንምሕላፍ ብ27ን 28ን ሰነ 2025 ነዚ ጉስነታዊ ውጥን ንምድላው ዝዓለመ ዓውደ መጽናዕትን ሓባራዊ ዘተን ኣካይዱ።

ጉስነታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኤጳርቅና ኣስመራ
ጉስነታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኤጳርቅና ኣስመራ

ነቲ መደብ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፣ ብጸሎት ድሕሪ ከፊቶሞ፣ ዋና ጸሓፊ ካ.ቤ.ር.ኤ.ኣ ክቡር ኣባ ቶማስ ነጋሽ ብዛዕባ ዕላማን ሓፈሻዊ መግለጽን ሓበሬታን እቲ መደብ መብርሂ ሂቦም። ኣባ ቶማስ ኣብ መግለጺኦም ኣገዳስነት ናይ ሓጺርን ናይ ነዊሕ እዋንን ውጥን ንኲላትና ንጹር ኢዩ። ብዘይ ውጥን ዚኸይድ ስራሕ ኣይዕወትን ኢዩ። ኣብ ቤተክርስትያን ውጥን ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን፣ በብእዋኑ ኣብ ኩሉ ቦታ ትሰርሓሉ ነይራን ኣላን። እዚ ሕጂ ተደሊዩ ዘሎ ንነዊሕ ግዜ ዚኸይድ ሓባራዊ (ሃገራዊ ውጥን) ከኣ ኣካሉ እዩ፣ ብምባል ንተሳተፍቲ ምስቲ ናይቲ ዕለት መደባት ኣላልዮም።

ኣስዒቦም ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ ቃል፣ ንተሳተፍቲ እንቓዕ ብደሓን መጻእኩም፣ ከምዚ ቢልና ብዛዕባ ሓዋርያዊ ስራሕና ክንዝቲ ብሓቂ ዘሓጉስ ኢዩ። ንኣዳለውቲ እዚ መደብ ኣመስግኖም፣ ተሳተፍቲ ከኣ ነቲ ኣብዚ ዝፈለጥኩሞ ኣብ ቦቦታኩም ምስ ተመለስኩም ንካልኦት ከተካፍሉ፣ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ባዕሉ ኣኻዕቢቱ ቡራኬኡ የብዝሓልኩም ኢሎም። ቀጺሎም ዕዉት ስራሕ ንክትገብር መጀመርያ ንኢየሱስ መን ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ኢየሱስ መግለጺ ፍቕሪ እግዚኣብሔር፡ ክምስታ እግዚኣብሔር ኢዩ። ኩሉ ስራሕና ከኣ ኣብቲ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ ኢዩ” ዝብል እምነትን ርድኢትን ክምሥረት ኣለዎ። እዚ ንልቢ ዝትንክፍ ፍቕሩ፣ ኢየሱስ ብልደቱ፡ ብስቕለቱ፡ ብትንሣኤኡን ብዕርገቱን ኣረጋጊጹልና ኢዩ። ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝዝከር በዓል ቅዱስ ልቢ ዝበዓለሉ ዕለት ኢዩ። ቅዱስ ልቢ መግለጺ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኢዩ። እዚ መንፈሳውነት ቅዱስ ልበ ኢየሱስ፣ ኣብቲ ዓለም ካብ ንልቢ ንሓንጎል ዝያዳ ዘትኩረሉ ዝነበረ፣ ኣብ ታሪኽ ናይ ምሕዳስ ዘመን ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዜ፣ቅድስቲ ማርጌሪታ ኣላኮክ ‘ልቢ ኢዩ ንልቢ ዝፈልጦ’ ብምባል ዝተጀመረ ኢዩ፣ ቢሎም ንትርጉም እተን ኣብቲ ስእሊ ዘሎዋ ምልክታት በብሓደ ብምግላጽ፣ ኩሉ ግዜ ካብዚ ፍቕሪ እዚ ኢና ክንብገስ ዘሎና፣ እዚ ከኣ ወዱ ስለዝገለጸልና ኢና ንፈልጦ፣ እዚ ምፍልጥ እዚ ከኣ ናይ ኣእምሮ ምፍላጥ (Intellectual) ዘይኮነስ፣ ናይ ልቢ ምፍላጥ ኢዩ ኢሎም። ቤተክርስቲያን ከኣ ኣብዚ ፍቕሪ እዚ ተመስሪታ ነቲ ክርስቶስ ዝሃባ ስራሕ ክትቅጽል ኢያ ኣብዚ ምድሪ ዘላ። ስራሕን ሕይወትን ቤተክርስቲያን ከኣ ኣርባዕተ ገጻት ኣለዎ። እዚ ከኣ እቲ ንሰማዒ ምስ ክርስቶስ ዘራኽብ ብሥራት ስብከተ ወንጌል (Evangelization)፡ እቲ ብሥራት ወንጌል ዝሰምዐ ሓቢሩ ንኣምላኽ ዝጽልየሉን ዘምልኽሉን ሊጡርግያ (Liturgy)፡ ከምኡ ከኣ እቲ ኣብ ኅብረት ቅድስቲ ሥልሴ ዝተመሥረተ ኅብረትን (Communion) ኣገልግሎትን (Diaconia) ኢዩ ድሕሪ ቢሎም፣ እቲ ዝዳሎ ሃገራዊ ይኹን ሰበኻዊ ውጥናት’ውን ነዚ ናይ ቤተክርስቲያን ሕይወትን ተልእኮን ኣብ ግምት ኣእትዩ ተወሃሂዱ ክስራዕ ይግባእ ኢሎም።

ጉስነታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኤጳርቅና ኣስመራ
ጉስነታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኤጳርቅና ኣስመራ

ብድሕሪ እዚ “እንታይነትን ረብሓን ጉስነታዊ ውጥን” ብዚብል ኣርእስቲ ዘቕረቡ፣ ኣብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኣወሃሃዲ ክፍሊ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ክቡር ኣባ ማስያስ ኣርኣያ፣ ብወገኖም ዝዳሎ ውጥን ነቲ ክርስቶስ ንቤተክርስቲያን ዝሃባ ስራሕ ንምቕጻል ዚግበር ስራሕ እምበር ሓዲስ ነገር ኣይኮነን። ነዚ ንምግባር ከኣ ራእይካን ዕላማኻን ኣቐዲምካ ብምንጻር፣ ነቶም ቀንዲ ክብርታት (Core values) ብምዕቃብ፣ ንብልጫታትካን ድኽመታትካን፡ ዕድላትካን ስግኣታትካን (SWOT analysis) ብምጽናዕ፣ ንኲነታትካ ብምግምጋም፣ ንጹር/ፍሉጥ(Specific)፡ ክልኻዕ ዚኽእል (Measurable)፡ ክብጻሕ ዚኽእል (Achievable) ሓቀይናን (Reliable) ብግዜ ዝተሰርዐን (Time bounded)፣ ካብ ምዕቓብ (Maintenance) ናብ ተልእኮ (Mission) ዘሰጋግር ውጥን ምድላው ኣድላይን ኣድማዕን ኢዩ ኢሎም።

ብመሠረት መርሐ-ግብር ናይቲ ዕለት ሲዒቡ “ሰነዳት ቀዳማይን ካልኣይን ሰበኻዊ ሲኖዶስ መሠረት ጉስነታዊ ውጥናትና” ብዚብል ኣርእስቲ፣ ንትሕዝቶ ቀዳማይን ካልኣይን ሰበኻዊ ሲኖዶስ ሰበኻ ኣሥመራ ዘላሊ፣ ነቲ ኣብኡ ዝተዋህበ ውሳኔታትን መምርሒታን፣ ብኣተግባሪት ኮሚቴ በብእዋኑ ንትግባረኡ ውጥናት ወጺኡሉ፣ ዝተኻየደ ፍርያም ስራሕ ዝትንትን፣ ብስእላዊ መግለጺ ዝተሰነየ ዝርዝራዊ መግለጺ ብኣቶ ግርማይ ኣስፍሃ ቀሪቡ። ኣቕራቢ ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ውጥን 1ይን 2ይን ሲኖዶስ፣ ኣብ ጽሑፍ ጥራሕ ዝሰፈረ፡ ድሕሪኡ ከኣ ዘይሰጎመ ሰነድ ኣይኮነን። ብምልኡ ተተግቢሩ ኢዩ እኳ እንተዘይተባህለ ብፍላይ 2ይን ሲኖዶስ ብዙሕ ተሰሪሑሉን ተተግቢሩን ኢዩ። ብዙሕ ተንቀሳቒሱን ኣንቀሳቂሱን ኢዩ። ጽልዋኡን ኣበርክቶኡ ከኣ ቀሊል ኣይነበረን። ሎሚ እዚ ሰነድ እዚ ‘መሠረት ንድፊ ጉስነታዊ ውጥናት’ እንተተባህለ ግቡእ ኢዩ፡፡ ብሓፈሻ ከኣ ነቲ “ንስራሕካ ወጥኖ፡ ንውጥንካ ከኣ ተግብሮ” ( plan your work, work your plan) ዝብል ኣበሃህላ ምሕደራ፣ ብግብሪ ዘርኣየ ሰነዳት ኢዩ ክበሃል ይከኣል ብምባል ኣበርክቶኡ ዛዚሙ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዕለት መደብ ከኣ ንድፊ ስራሕ ሓዋርያዊ ጉስነት መንእሰያት፡ ንሰበ ኪዳንን ኪዳናዊ ሕይወትን ማሕበራትን ንምድላው፣ ካብ ቊምስናታት ንዝተኣከበ ጽማቚ ሓሳባት ብእናቴ ዘውዲ ኪዳነ ንተሳተፍቲ ቀሪቡ። በዚ ከኣ ናይቲ ዕለት መደባት ተፈጺሙ።

ጉስነታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኤጳርቅና ኣስመራ
ጉስነታዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኤጳርቅና ኣስመራ

እቲ ናይ ቀዳም መደብ ከኣ ብጸሎት ድሕሪ ተኸፊቱ፡ ክቡር ኣባ ቶማስ ብዛዕባ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝውቱር ዝኾነ፡ ኣወዳድባ ንኡሳን ማኅበራት ክርስቲያን ብዝምልከት፣ ብከመይ ንዕዉት ስብከተ ወንጌል ንጥቐመሉ ዝብል ሓጺር መብርሂ፡ ከምኡ’ውን ንትሕዝቶ መዛትዪ ሕቶታትን ኣገባብ ኣመልላሳኡን ኣመልኪቶም፣ ከምቲ ኣብ ሲኖዶስ ዝተማሃርናዮ፣ ብጸሎት፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝዓዘዝዞ ኣገባብ ብዝተመርሐ ዘተን፣ ብኣድህቦ ጽን ቢልካ ብዝግበር ምስማዕን፣ ካብ ልቢ ብምዝራብን ኪግበር መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። ተሳተፍቲ ከኣ ነዚ ሓሳባት ሰኒቆም፣ በቲ ዝተዋህቦም መምርሒ መሠረት ኣብ ሰውዓተ ጉጅለታት ተመቓቒሎም፡ ንዝተዋህቦም ሽዱሽተ መዛተዪ ሕቶታት፣ ኣብ ክልተ እብረ ብዕምቆት ድሕሪ ዘትዮም፣ ጸብጻቦም ናብ ጉባኤ ኣቅሪቦም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ንተሳተፍትን ኣካየድትን ደጊሞም ኣመስጊኖም፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት፣ በቲ ዝተኻየደ ክልተ ሰበኻዊ ሲኖዶሳት ብዙሕ ስራሕ ከም ዝተሳለጠ፡ ዝተረፈ’ውን ከምዘሎ ኣመልኪሮቶም፡ ሕጂ’ውን ተዛረብቲ ጥራሕ ኣይንኹን ተግበርቲ ንኹን፣ ጳጳስ፡ቆሞሳት፡ ኣብያተ ምኽሪ ምእመናን ናተይ ቢልና ንሓዞ፣ሰሚርና ንስራሕ ክብሉ ሚዒዶም ብጸሎት ነቲ ናይ ክልቲኡ መዓልቲ መደባት ዛዘምዎ።

 

02 Jul 2025, 16:09