ጳጳሳት ሃይቲ ብዛዕባ ኣብ ሃገሮም ዝቕጽል ዘሎ 'ባርባራዊ ተግባራት' ስክፍታኦም ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኩነታት ሃይቲ ገና ኣዝዩ ኣሰካፊ ኮይኑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰባት ካብታ ሃገር ከም እተሰዱን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ዕጥቃዊ ግጭታት ድማ ካልኦት 15 ሽሕ ሰባት ከም እተመዛበሉን፣ UNICEF - ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ትካል ህጹጽ ረድኤት ንህጻናት ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ 2025፡ 21,500 ህጻናት ንሕክምና ሕዱር ሕጽረት መግቢ ተዓቚቦም ከም ዘለዉን - ብድምር ድማ 129,000 ህጻናት ኣብዚ ዓመት እዚ ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ከድልዮም ምዃኑ ዘለዎ ግምት የቕርብ። ኣብታ ካሪብያን ሃገር ኩነታት እናተበላሸወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (CEH) ዕለት 23 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ስክፍታኦም ይገልጹ።
ክብሪ ደቂ ሰባት ዝዋርድ ተግባር ኩኑን እዩ
CEH - ናይ ሃይቲ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ “ብመጠን እቲ ዘጋጥም ዘሎ ኵለ መዳያዊ ምንቁልቋል ንምስማዕን፡ ንኹሉ ክብሪ ደቂ ሰባት ዘዋርድ ተግባር ንምኹናን፡ ከምኡ’ውን - ብብርሃን ወንጌል ተመሪሑ - መንገድታት ምልዋጥን ፍትሕን ተስፋን ንምቕራብ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ግብረ ገባዊ፡ ስነ - ምግባራውን ማሕበራውን መትከላት ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ምዝኽካር ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ግዴታ ኣጉሊሖም፣ ነቲ “ባርባራዊ ተግባራት፣ ሓደ ሕዝቢ ናይ እግዚኣብሔር ትርጉም የጥፍ ምህላዉ ዝግለጽ ምልክታ እዩ እንክብሉ ከም ዝኾነንዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ምብትታን ሕብረተሰብን ሞት ናይተን ዝድግፋ ትካላትን ንዕዘብ ኣሎና . . . መንግስቲ ጸጥታ፡ ፍትሒ፡ ዋላ’ውን መሰረታዊ ድሌታት ህይወት ህዝቡ ውሑስ ንምግባር ዘይከኣሎ ኮይኑ ኣሎ፣ ንህዝቢ ሃይቲ “ዝተመዛበለ፣ ዝተዋረደ፣ ስኡን፣ ብስጋን ብነፍስን ዝተጎድአ” እንክብሉ ገሊጾም፣ “በቲ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ዘይተተንከፈ ዜጋ የሎን፣” ዝኾነ ይኹን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቦታ እውን ውሑስ ከም ዘይኮነ ኣጉሊሖም፣ እቶም ጳጳሳት ብዛዕባ ሕጽረት ቀረብ፡ ምዕጻው ትካላት ጥዕናን ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣብ ኣባይቲ ስድራን ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ድሕሪ ከምዚ ዝበለ ሰብኣውነት ምጉዳል እንታይ ኣሎ፡ ስለምንታይ ሰበስልጣን ንህይወት፡ ሓርነት፡ ባህልን ተዘከሮን ንምክልኻል ዝያዳ ጻዕሪ ዘይገብር? ዝብል ክልተ ሕቶታት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ምዕባለ ድዩ?
እቶም ጳጳሳት ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝቐረበ ዳሕረዋይ ረቂቕ ቅዋም እታ ሃገር ተንኪፎም፣ “እቲ ቅዋም ኣብ ሃገራዊ ህይወትና ትርጉም ዘለዎ ህሞት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ይኹን እምበር ዘለዎም ስክፍታታት እውን የልዕሉ፣ ረቂቕ ቅዋም 2025 ዓ.ም. ገለ ምህዞታት ዘተኣታቱ ኮይኑ፡ “ንዝተሓደሰ ሃገራዊ ውጥን - ዝያዳ ሓቛፍን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ” መሰረት ከንብር ይኽእል’ዩ፣ እዚ ድማ ግልጽነት ምድንፋዕ፣ ምቅላስ ብልሽውና፣ መሰረታዊ ማሕበራዊ መሰላትን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ሃይቲውያን ኣፍልጦ ንምሃብ መብጽዓ ንምግባር ዝሕግዝ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እወታዊ ነገራት ናይቲ ቅዋም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ እቲ ጽሑፍ ዝርከብ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣን ናብ መላኺ ስርዓት ዘብጽሕ፣ ማሕበራዊ መሰላት ዘይምኽባርን ብዓቢኡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ህዝቢ ዝካየድ መስርሕን ዘተባብዕ ገለ ገለ ምልክታት ብምልላይ ከም ዘጠንቀቑ የመላኽት።
ናይ ጳጳሳት ለበዋታት
ኣብዚ መንጽር እዚ ጳጳሳት ሃይቲ ረቒቕ ቅዋም እታ ሃገር ሕጋዊ ጽሑፍ ጥራይ ዘይኮነስ “ማሕበራዊ ቃል ኪዳን” ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ እዚ ድማ ኣብ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ማሕበራውን ክውንነት ህዝቢ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ። ግን ነዚ ብጽቡቕ ንምግባር፡ እቲ ዘሎ ኩነታት ዘይሕግዝ ብምዃኑ፣ ነቲ ግቡእ ግዜ ምጽባይ ኣድላዪ እዩ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ “ናይ ሎሚ ህጹጽ ቀዳምነታት፡ ድሕነት፡ ሰላምን ምሕደራን ንጽቡቕ ሂወት ህዝቢ እዩ - ቢሎም - እቲ ሓድሽ ቅዋም፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ንዝርከብ ኩሉ ንሓባራውን ኣብ ሓባራውን መጻኢ ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ” ምስ በሉ፣ “ካብ ኩነታት ዓዘቕቲ ንምርሓቕ ገና ግዜ ኣሎና” ዝብል መተባብዒ ቃል ኣቕሪቦም፣ ይኹን እምበር፡ ሰባት ስቕ ኢሎም ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ኮይኖም ዘሕልፍዎ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ስጉምቲ ምዃኑ ኣጕሊሖም። "ብዙሕ ደም ፈሲሱ፣ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ተበታቲኖም፣ ብዙሓት መንእሰያት ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ እንክብሉ ድማ ጓሂሆም ገሊጾም፣ ንኹሎም ግዳያት ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፡ “እግዚብሔር ንህዝብና ጸጋ ምልዋጥን ሰላምን ምሕዳስን ክጽግዎ” ኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተማሕጺኖም ዘውጽዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።