MAP

ካሪታስ ጨንፈር ኢየሩሳሌም፡ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ህይወትን ክኽበር ጻውዒት የቕርብ ካሪታስ ጨንፈር ኢየሩሳሌም፡ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ህይወትን ክኽበር ጻውዒት የቕርብ  ( (Caritas Polska))

ካሪታስ ጨንፈር ኢየሩሳሌም፡ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ህይወትን ክኽበር ጻውዒት የቕርብ

ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስና ቅድስቲ ስድራቤት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ኪዳናዊ ማሕበር ካሪታስ ኣብ ዘውጸኦ ናይ ቅርበትን ደገፍን መግለጺ፣ “ንቅድስና ህይወትን ንዕኡ ዝሕልዉ ቦታታትን ክኽበር” ይጽውዕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ’ቲ እስራኤል ዕለት 17 ሓምለ ንግሆ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስድራቤት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት፣ ጨንፈር ካሪታስ ኢየሩሳሌምን ኩለን ማሕበራት ሰብኣዊ ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስን ናይ ዓሚቝ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘውጽኡን፣ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱን፡ ካልኦት እውን ከም ዝቖሰሉን ብምዝካር፣ እታ ቁምስና እቲ ኩናት ካብ ዝጅመር ቤቶምን ንብረቶም ዝሰኣኑ ዘዕቆበት ምዃና እውን ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድስናን ክብርን ሕይወት ምኽባር

ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ኣሊስተር ዱተን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ “ሞቶም፥ ነቲ ሰላማውያን ሰባትን ኣባላት ሕክምናን ኣብ ትሕቲ ከበባ ዝነብሩሉ ዘለዉ ዘስካሕክሕ ዘሕምም ኩነታት መግለጺ እዩ። ብተወሳኺ ኩሉ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፈ “ቅድስና ህይወትን ንዕኡ ዝከላኸል ቦታታትን ከኽብር” ሓቲቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጥረ ከቢድ ደብዳብን ወተሃደራዊ ስርሒታትን ዝመጽእ ሓደጋ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ፣ ኩሉ ካብ ዝተዓቖበሉ ንኸይወጽ ከም ዝግደድን ኣመላኺቱ፣ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰራሕተይናታት ካሪታስ ኢየሩሳሌም፣ ኣባ ሮማነሊ ዝሃብዎ መጠንቀቕታታት ህይወት ሰባት ንምድሓን ሓጊዙ እዩ። ካብ ገዛ ኣይትውጽኡ ዝብል ዝሃብዎ መጠንቀቕታ እንተዘይነኽብር ኔርና፣ ብሓቂ በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቁስምና ዝወረደ መጥቃዕቲ ካብ 50 ክሳብ 60 ሰባት ምሰኣንና ነርና፣ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ካሪታስ ኢየሩሳሌም ኣብ ወርሒ ጥቅምትን ሕዳርን 2023 ክልተ ኣባላት ሰራሕተይናታት ማእከል ጥዕና ቓዛ ምስ ደቆም ብደብዳብ ቦምባ ምስ ተቐትሉ እዩ።

ጽንኩር ኩነታት

ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ቁምስና ዝተፍጸም መጥቃዕቲ ሒደት መዓልታት ጥራይ፡ ጨንፈር ካሪታስ ኢየሩሳሌም፡ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ቓዛ “ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ደረጃ መዓት” በጺሑ ከም ዘሎ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረን፣ እቲ ትካል ኣብቲ ዕለት 14 ሓምለ ዝወጸኦ መግለጺ፣ ነፍሲ ወከፍ ክፋል መዓልታዊ  ህይወት ሰላማዊ ህዝቢ፣ ይበታተን ከምዘሎ ኣስሚሩ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ምብራኽ፡ ምብጻሕ መግቢ ደው ኢሉ ኣሎ - ካብ ዕለት 27 ግንቦት ጀሚሩ 758 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 5000 ድማ ቆሲሎም እዮም፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ምሉእ ህዝቢ ማለት 2.1 ሚልዮን ብርቱዕ ጥሜት የጋጥሞ ኣሎ።

ዳርጋ 80% ማይ፣ ጽሬትን ክንክንን ኣብ ንጡፍ ዞባታት ግጭት ይርከቡ። ኣስታት 40% ካብ ኩሎም ዝተገልጹ ሕማማት ሕዱር ተምላስ ክኸውን እንከሎ፣ ኣባይቲ ሕክምና ልዕሊ ዓቐን ብብዝሒ ሕሙማት ዘዕለቕለቓን ትሑት ጸጋታት ስለዘለወን እውን ኣብ ጽንኩር ኩነታት እየን ዝርከባ ዘለዋ፡ ኣባይቲ ትምህርቲ እውን ተዓጽዩ እዩ። ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ መጽለሊ የድልዮም፡ ኣባይቲ ስድራ ድማ ንጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ምዝመዛ ህጻናትን ዝያዳ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ጸብጻብ ካሪታስ ይሕብር።

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ

ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ምስ ካሪታስ ኢየሩሳሌምን ምስ ኩሎም ኣብ ትሕቲ ተኸቢቡ ዘሎ ቦታታት ዝሰርሑን ንዝተጸገሙን ኣሰቃቒ ኩነታት ዘጋጥሞምን ኣብ ምግልጋል ዘተኮረ ምትሕብባር ከም ዘካይዱን። እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥

- ብመሰረት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዝተዘርዘረ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ሰብኣዊ መጽለልን ምኽባርን ምሕላውን፤

- ንሰላማውያን ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ውሑስ መተሓላልፎን፣ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ክንክን ብዘይ ገደብ ተበጻሕነት ክህልዎ

- ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት፣ ካልኦት ሃይማኖታዊ ቦታታትን ብንጹር ዝተመደበ ሰብኣዊ ዞባታትን ዝዕቆቡ ሰባት ዝፍጸም ኩሉ መጥቃዕቲ ደው ምባል፤

- ኣብ ግዜ ኲናት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ ወይ ክጠፍእ ዘይብሉ ክብሪ ደቂ ሰባት ምሕላው።

ኪዳን ማሕበራት ካሪታስ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቅጽበታዊ ተኹሲ ደው ምባል ክህሉን፣ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ሰብኣዊ ሕግን ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ምሉእ ብምሉእ ክኽበር ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሙ የቃልሕ።

19 Jul 2025, 17:55