MAP

2025.07.23 ካርዲናል ጹፒን ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኣይሁድን ደ ፓዝ፣ ኣንጻር ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ሓባራዊ ኣዋጅ ከቲሞም 2025.07.23 ካርዲናል ጹፒን ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኣይሁድን ደ ፓዝ፣ ኣንጻር ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ሓባራዊ ኣዋጅ ከቲሞም 

ካርዲናል ጹፒን ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኣይሁድን ደ ፓዝ፣ ኣንጻር ኣብ ቓዛ ዘሎ ኲናት ሓባራዊ ኣዋጅ ከቲሞም

ኣብ ኢጣሊያ ናይ ርእሰ ሰበኻ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማትዮ ማርያ ዙፒን ኣብ ቦሎይና ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዳኒኤል ደ ፓዝን፡ ንጭፍጨፋ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝኹንን፡ ንጸረ - ሴማውነት፡ ጽልኢ እስልምናን ጽልኢ ክርስትያንን ብምንጻግ፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘማእከለ ሓባራዊ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከቲሞም ወግዓዊ ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን ሲር ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ንጭፍጨፋ ንጹሃት ምኽንያታዊ ዝገብር ምኽንያት የለሎን!” . . . ናይ ርእሰ ሰበኻ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማተዮ ጹፒን ኣብ ቦሎይና ናይ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣቦ  መንበር ዳኒኤል ደ ፓዝን፣ ነዚ ሓያል ዝኾነ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ነቲ ናይ ሓባር ኣዋጅ ሰነድ ኣማእኪሎም ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሃቡ ሲር ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወተሃደራዊ ስርሒታት ይቋረጽ!

"ኩሉ ሰብ ደው ይበል፡ ኣጽዋር ኵሉ ስቕ ይበል፡ ኣብ ቓዛ ዝግበር ወተሃደራዊ ስርሒታትን ናብ እስራኤል ገጹ ዝፍነው ተወንጫፊ ሚሳይላትን ደው ይበል!" ዝብል ሓሳብ ናይ ቦሎይና ካርዲናል ጹፒን ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣብ ቦሎይና ደ ፓዝን ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከም ዘስመሩሉን፣ በዚ ስምዒት እዚ ድማ "እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናጻ ክልቀቑን ናይቶም ዝሞቱ ዓስከሬን ንኣባይቲ ስድራ ምውታት ክርከብን ዝጠመዩ ክዕንገሉን ንዝቖሰሉ ሕክምናዊ ክንክን ውሑስ ምግባርን ሰብኣዊ መተሓላልፎ ፍቑድ ክኸውንን ናይ ካልኦት መሬት ጎበጣ ደው ክብልን ሓቲቶም፣ ናብቲ እንኮ ኣማራጺ ዝኾነ መንገዲ ዘተ ንመለስ" እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሲር ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓት ዘይብሉም ሰባት ዒላማ ዝገብር ተግባራት ምኹናን

ካርዲናል ጹፒን ደ ፓዝን ቀጺሎም "ነፍሲ ወከፍ ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎም ንጹሓን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ግብረ ሽበራ” ኮኒኖም፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሞት ብዙሓት ህጻናት ዘኪሮም፣ ንቕትለት ንጹሃት ምኽንያታዊ ዝገብሮ ምኽንያት የሎን” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፣

ኣብ ሎዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጭፍጨፋ ምኽንያታዊ ዝገብሮ ምኽንያት የልቦን ብዙሓት ህጻናት ተቐቲሎም እዮም። ኣብ ጽልኢ ዝህነጽ ውሕስነት የሎን!

"ፍትሒ ንህዝቢ ፍልስጤም፡ ድሕነት ንህዝቢ እስራኤል ክመጽእ ዝኽእል ካብ ሓድሕዳዊ ኣፍልጦ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላትን ካብ ሓድሕዳዊ ድልውነት ንዘተ ጥራይ እዩ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሲር ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ጸረ - ሴማውነት፡ ጽልኢ እስልምናን ጽልኢ ክርስትያንን ምንጻግ

ኣብቲ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ "ንሕና ምስቲ ራዕዲ ዓመጽ ዘይደልን ክለማመዶ ዘይደልን ብውግእ ኣብ ናይ ዝቖሰለ ሰብኣውነት ኣውያት ንጽምባር” ቢሎም፣ “ደጊም ውግእ ኣይሃሉ! ከም ዝበሉ ሲር ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ኣውያት "ናይ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን" ከምኡ'ውን ናይ "ኣብ ዝኾነ ኩነትን ቦታን ውሕስነት ሕግን ሰላምን ብርክብን ምትእምማንን ጥራይ ክመጽእ ከምዝኽእል ፈሊጦም፣ ኣብ ሰላም ምእማን ናይ ዝቕጽሉ እዩ . . . ኣብ መወዳእታ፡ "ኩሉ ዓይነት ጸረ - ሴማውነት፡ ጽልኢ እስልምናን ጽልኢ ክርስትናን" ክንጸግ ጸዊዖም፡ "ኢጣልያውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ንርክብ ቦታታት ክኽፍቱን ተባዕ መንገድታት ሰላም ክድግፉን ትብዓትን ግሉጽነትን ከርእዩ ኣተሓሳሲቦም"፡ "ሰላም ኩሉ ግዜ ይከኣል'ዩ" ከም ዝበሉ የመላኽት።

24 Jul 2025, 16:28