ካርዲናል ፒዛባላ ፦ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ቃዛ ፈጺማ ኣይትጥንጥኖምን እያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ካርዲናል ፔር ባቲስታ ፒዛባላ ትማሊ ሰሉስ ኣብ እተካየደ ጋዜጣዊ መግለጺ "ክርስቶስ ካብ ቃዛ ኣይረሓቐን " ክብሉ መስከሩ። "ክርስቶስ ኣብኡ እዩ ዘሎ—ኣብቶም ቍሱላት ሰባት ተሰቕለ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ኣባይቲ ተቐብረ፣ ብኵሉ ምሕረት ኣብቶም ጸልማት ዘልዉ ዅሎም ከም ሽምዓ በርሀም ኣእዳዉ ውን ንመከራ ዘርግሐ" ክብሉ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ኩነታት ኣመልክቱ።
እዚም ናይ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፓትርያርክ የሩሳሌም ድሕሪቲ ምስ ጳጳሳት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ቃዛ ዝገበርዎ ናይ ጕስነትዊ ምብጻሕ፣ ምስ ፓትርያርክ ግሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተኽርስቲያን ኢየሩሳሌም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ሳልሳዊ ኣብ ሓደ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ነዚ ሓሳብት እዚ ኣካፈሉ። ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ዝርርቦም እዞም ክልተ ፓትርያርክታት ናብቲ ብውግእ ዝዓነወ ግዝኣት ፍልስጥኤም ከም ፖለቲከኛታት ወይ ዲፕሎማሲያዉያን ኣካላት ዘይኰኑስ ከም ጓሶት ነፍሳት መጠን ኢዮም ዝበጽሑ ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ። ቤተ-ክርስትያን ዘለዋ ተልእኾ ናብ ሓደ ጕጅለ ዘይኰነስ ናብ ኵሎም "ክርስትያን እስላም ኣመንቲ ተጠራጠርቲ ስደተኛታት ቈልዑ" ምዃኑ ብምጕላሕ ንህዝቢ ቃዛ ፈጺማ ኸም ዘይትጥንጥኖም ውን ብትሪ መስከሩ።
'ኣገልገልቲ ናይቲ መከራ እተቐበለ ስጋ ክርስቶስ'
ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ "ኣገልገልቲ ናይቲ ስቓይን መክራን እተቐበለ ኣካል ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ መንጎ እቶም ቍሱላትን ንሓዘንተኛታትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉን ከምኡውን ኣብ መንጎ እቶም ስቓይ እናሃለዎም ኽነሱ ኽብረቶም ዘይጠፍኡ ምእመናን" ኰይኖም ናብ ቃዛ ኸም ዝኸዱ ገለጹ። ኣብ ቃዛ "ምስሊ ኣምላኽ ኮይኖም ብውግእ ስቓይን መከራን ዝወረዶም ህዝቢ ኣጓነፈና" በሉ።
ኣስዒቦም ድማ እዞም ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ከምዚ ብምባል ገለጹ - "እዛ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ግዜ ዕንወትን መከራን እትፍጽሞ ተልእኾ ኣብ ኣገልግሎት ሃለዋት ደቂ ሰባት ምስቶም ሓዘንተኛታት ደው ብምባልን ንቕድስና ህይወት ምጥባቕን ከምኡውን ጸልማት ከጥፍኦ ዘይክእል ብርሃን ኣብ ምምስካር እተመስረተ ኢዩ" ክብሉ መስከሩ።
ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሠናይ ረድኤት - ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ
ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ እውን ብወገኖም ቤተ ክርስትያን "ንዅሎም ተሳተፍቲ ኣብ ግብረ ሰናይ" ከም እትድግፎም ብምጉላሕ፣ “እዞም ኣገልገልቲ ግብረ ሠናይ ኣብ ባሕሪ ጥፍኣት ደቅሰባት ህይወት ንምምጻእ ኵልንትንኦም ኣብ ሓደጋ ዜእትዉ ዘለዉ ኢዮም" ክብሉ ውን ገለጹ።
"ሰብኣዊ ኣድላይነታት ድላይ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ኢዩ" በሉ። "ምእባይ ምድንጓይ ዘይኰነስ ፍርዲ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ምግብን ማይን መድሃኒትን መዕቈብን እንተ ዘየልዩ ከቢድ ጕድኣት እዩ ዜስዕብ" ውን በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ብስነ ምግባራዊ መዳይ ተቐባልነት ዘይብሉን መሰረት ዘይብሉን እዩ" ክብሉ ውን ተጣበቑ።
ነቲ ውግእ ደው ንምባል እተገብረ ሓባራዊ ጻውዒት
ኣብ እዋን እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ እዞም ክልተ ፓትርያርክታት፣ ንመራሕቲ ዓለምን ነቶም ውሳነ ዝገብሩ ሰባትን ብሓባር ይግባይ በሉ፣ እዚ ድማ "ውግእ መወዳእታ ኽግበረሉን፣ እሱራት ናጻ ኽወጹን ከምኡውን ኣብ ቃዛን ኣብ መላእ ቅድስቲ መሬትን ህይወትን ክብርን ናብ መነባብሮ ደቂ ሰባት ንምምላስ ሓቀይና ናይ ምሕዋይ መስርሕ ምጅማር የድሊ" ዝብል ጻውዒት ውን ኣቕረቡ።
ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘካየድዎ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ምሕጽንታ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ሰብኣዊ ሕጊ ኽሕሉን፣ ንሰላማውያን ሰባት ናይ ምዕቋብ ግዴታ ከኽብርን፣ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ከወግድን፣ ብዘይ ኣፈላላይ ሓይሊ ምጥቃምን ከምኡውን ንህዝቢ ብግዲ ምምዝባልን ክኽልክል" ብምባል ንዘቕረብዎ ጻውዒት እውን ዘኪሮም።
ብፁዕ ካርዲናል ፒዛባላ "ነዚ ዕሽነት እዚ መወዳእታ እንገብረሉ ነቲ ውግእ እነቋርጸሉ ከምኡውን ሓባራዊ ጥቕሚ ደቂ ሰባት ቀዳምነት እንህበሉ ግዜ ኢዩ" በሉ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ብፁዕነቶምን ፓትርያርክ ቴኦፊሎስን ብሓባር ኰይኖም "ንዅሎም እቶም ናጽነት እተነፍጎም ሰባት ክምለሱ፣ እቶም ዝጠፍኡን ጅሆ ተታሂዞም ዘለዉ ሰባትን ሓራክወጹን ከምኡውን ብዅሉ ሸነኽ ዓቃላት ስድራቤታት ክሓውዩን" ይጽልዮም።
ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ቴዎፍሎስ ውን ከምዚ ብምባል ቀጥታዊ ጻውዒት ኣቕረቡ - "ንዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ መከራ እናኣጋጠመ ክነሱ ስቕ ምባል ናይ ሕልና ጥልመት ኢዩ ንብል ኣሎና። ንደቂ ቃዛ ድማ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጐኖም ከም ዘላ ነረጋግጸሎም አሎና። ንዅሎም እቶም ስልጣን ዘለዎም ድማ ነቲ ‘እቶም ገበርቲ ሰላም ደቂ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም’ ዚብል ትእዛዝ ጐይታ ነቃልሓሎም ኣሎና” ክብሉ ተላበው።