MAP

ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ሳን በርናርዲኖ ጳጳስ መልእኽቲ ንሓልዮት ስደተይናታት ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ሳን በርናርዲኖ ጳጳስ መልእኽቲ ንሓልዮት ስደተይናታት 

ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ሳን በርናርዲኖ ጳጳስ መልእኽቲ ንሓልዮት ስደተይናታት

ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ሰበኻ ሳን በርናርዲኖ ጳጳስ ኣልበርቶ ሮኻስ ኣብ ወርሒ ሰነ ሰበስልጣን ጉዳይ ስደተይናታት ናብ ክልተ ናይታ ሰበኻ ቁምስናታት ብምእታው ስደተይናታት ድሕሪ ምእሳሮም፡ ነቶም ናይ ምስጓግ ሓደጋ ከጋጥሞም ዝኽእሉ ሰባት ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰናብቲ ካብ ናይ ምስታፍ ካቶሊካዊ ግዴታኦም ናጻ ክኾኑ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ሰበኻ ሳን በርናርዲኖ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ሰበኻ ሳን በርናርዲኖ ጳጳስ ኣልበርቶ ሮጃስ ዕለት 8 ሓምለ 2025 ኣብ ዘውጽእዎ ፣ ብመንጽር እቲ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተይናታት ክውሰድ ዝኽእል ስጉምትታትን ዝፈጥሮ ዘሎን “ሓቀይና ፍርሕን ስግኣትን ጥርዝያ” እቶም ኣብ ሰበኻኦም ዝርከቡ ምእመናን ስደተይናታት ካቶሊካውያን ካብ ናይ ሰናብቲ ቅዳሴ ምስታፍ ዝብል ግዴታኦም ክሳብ ናይ ለውጢ ምልክታ ዝረአ ናጻ ኮይኖም ክጸንሑ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ንብዙሓት ኣብ ማሕበረሰባት ሰበኻታትና ናብ ዝኾነ ዓይነት ህዝባዊ ምድላው እንተወፊሮም ብሓለፍቲ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተሉ ኣባይቲ ጽሕፈት ክእሰሩ ከም ዝኽእሉ ንዘሎ ሓቀይና ስግኣት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣዋͅ ምዃኑን እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኣብ ቅዳሴ ምስታፍ ዘጠቓልል ምዃኑ እዩ" እንክብሉ ዕለት 10 ሓምለ ነቲ ዕለት 8 ሓምለ ዘውእጽእዎ ኣዋͅ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ "ማሕበረሰባት ስደተይናታትና ቤተክርስትያኖም ምስኦም ደው ኢላ ኣብዚ በዳሂ ግዜ ምሳታቶም ከም ከም እትጓዓዝ ክፈልጡ እደሊ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣብ ካሊፎርኒያ ናይ ሰበኻ ሳን በርናርዲኖ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ዕለት 20 ሰነ ጳጳስ ሃገረ ስብከት፣ ወከልቲ ICE - ጉዳያት ስደተይናታትን ጉምሩኽን ተቖጻጻሪ ሓይሊ ኣብ ሞንትክለርን ሃይላንድን ናብ ዝርከባ ክልተ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስናታት ንብረት ናብ ዝኾነ ቅርዓት ከምዝኣተዉን፡ ኣብ ሃይላንድ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ መካይን ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣደላይድ ንብዙሓት ሰባት ከምዝኣሰሩ ገሊጾም፣ ሓላፊ ጉዳይ ርክባት ሃገረ ስብከት ሳን በርናርዲኖ ጆን ኣንድሪውስ ኣብቲ እዋን ሓደ ምእመን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ብምግላጽ፣ እቶም ካልኦት ዝተኣስሩ ምእመናን ወይ ንሰበኻታት ዝሰርሑ ከምዘይኮኑ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲክን ይሕብር፣

እዞም ፍጻሜታት እዚኣቶም ንፍርሒ ብዙሓት ስደተይናታት ምእመናን ዘጋደዶ ከም ዝኾነ ጳጳስ ሮበርቶ ሮኻስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም። ድሮ ዕለት 23 ሰነ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩን፡ ኣብኡ ድማ "ፖለቲካዊ መራሕትን ወሃብቲ ውሳነን "ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ክብርን ዘኽብር" ኣገባብ ክድግፉ፣ ነዞም ሜላታት ብቕልጡፍ "ዳግማይ ክሓስቡሉን ከቋርጽዎን" ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ ሰናይ ህይወት ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ዝገብሩ

“እቶም ዝዛረበሎም ዘለኹ ማሕበረሰባት ስደተይናታት ኩሎም፣ እቶም ብጀካ ሕጋዊ ኲኔታኦም ካልእ ጉዳይ ዘይብሎም ንዓመታት ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ዘለዉ፣ ኣብ ጽቡቕ ሂወት እቲ ዝዓበየ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ዝገበሩ እዮም” እንክብሉ ዕለት 10 ሓምለ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ዘረጋግጹ ጳጳስ ሮኻስ ኣስዒቦም፣ "መብዛሕትኦም ኣብዚ ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ከድሕኑ ስለዝደለዩ እዮም፤ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሎም። ኣብዚ ምንባሮም ሕጋውነት እንተዝለብሱ ደስ ምበለን፡ ግን መን ይሓግዞም? . . . ከም ዝበሉን ፍርሒ ስጉምትታት ትግባረ ICE - ቤት ጽሕፈት ስደተይናታትን ጉምሩኽን ከቢድ ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእልን ንመንፈሳውነት ምእመናን ክተዓናቕፍን ከም ዝኽእል ብምግንዛብ፡ ጳጳስ ሮጃስ ነቶም ኣብ ቅዳሴ ክሳተፉ ዘይክእሉ “ምስ ክርስቶስን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያናት ዘለዎም መንፈሳዊ ሓድነት ክሕልዉ” ኣተባቢዖም፣ ብሕታዊ ጸሎት፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብ፡ ጸሎተ መቝጸርያ ምድጋም፡ ቅዳሴ ብመራኸቢ ብዙሓን ክከታተሉ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጓሶት 'ርህሩህ ደገፍ' ክገብሩ ይግባእ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሻድሻይ ዝዓበየት ካቶሊካዊት ሃገረ ስብከት ሳን በርናርዲኖ ሰበኻ ጳጳስ ሮኻስ እቲ ዝደንገግዎ ኣዋͅ ነቲ ሰባት ብሰንኪ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ክሳተፉ ዘይምኽኣሎም ክሕድረሎም ዝኽእል “ጾር” ንምቅላል ዝዓለመ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ “ኩሉ እቲ እዞም ውልቀሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጭንቀትን ፍርሕን” ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ከም ዘብርሁን ከምኡ እውን ጓሶትን ካልኦት ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን “ነቶም ዝተጎድኡ ኣብ ማሕበረሰባት ተቐባልነትን ውሕስነትን ክስምዖም ርህሩህ ደገፍ ክገብሩ፣ ከምዘለዎም ኣስሚሮም፣ ኣብ ሃገረ ስብከት ሳን በርናርዲኖ ዝርከባ ቁምስናታት፡ ነቶም ብስሩዕ ክሳተፉ ዘይክእሉ ትምህርተ ክርስቶስን ንቕዱስ ቁርባን ንምድላውን ዘብቅዑ ኣማራጺታት ክድህስሳ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ናይ ሰበኻ ሳን በርናርዲኖ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

12 Jul 2025, 17:15