MAP

2025.03.12 Carlassare South Sudan 2025.03.12 Carlassare South Sudan 

ኣቡነ ካርላሳረ፦ ደቡብ ሱዳን ናይ ወንጌል ሰላም የድልያ ኣሎ

ጳጳስ ሰበኻ በንቲዩ ደቡብ ሱዳን፣ ሃገሮም ብ2026 ዝካየድ ምርጫ ኣብ እትሰናደወሉ ዘላ፣ ብዛዕባ እቲ ተነቃፊ ዅነታት ደቡብ ሱዳን የስተንትኑ። ንኣባላት ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ኮምቦኒ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብያተ-ትምህርትን ማሕበረሰባትን ኣገልግሎት መንእሰያትን፣ ኣብ ዕርቀ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ምስልጣንን ምምሃርን ብንጥፈት ክካፈሉ ብምምሕጻን፣ ሰላምን ፍትሕን ወንጌል ብትብዓት ክቕበሉ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ደቡብ ሱዳን ብ2026 ንዝካየድ ምርጫ ኣብ እትሰናደወሉ ዘለላ ጳጳስ ሰበኻ ቤንቲዩ ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ ክርስቲያን ካርላሳረ ኣብታ ሃገር ምልክት ተስፋን ከቢድ ሻቕሎትን ከም ዘሎ ገሊጾም። ከም ህንጸት ዒላታት ማይ፣ ቤት ኣጋይሽ ከምኡውን መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ግን ከኣ ትርጕም ዘለዎ ውጥናት ምትብባዕ ዘምጽእ እኳ እንተዀነ፣ ነቲ እተሓደሰ ዓመጻ እንተላይ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ደብዳብ ነፈርቲ እውን ኮነንዎ።

እቶም ብ2021 ኣብ እተገብረ ደብዳብ ኸቢድ መጉዳእቲ ዝወረዶም ብፁዕ ኣቡነ ካርላሳር ኣብ ህይወት እታ ሃገር "ኣዝዩ ተነቃፊ ህሞት" ከም ዘሎ ኣጠንቀቑ፣ እዚ ኸኣ ውልታውነት ምዝርጋሕ ኣጽዋርን ምዕናው ዘተታትን እዩ።

"ቅድመ ኹነታዊ ፍርዲ ካብ ምስማዕ ንላዕሊ፣ ዓመጽ ከኣ ካብ ዕርቂ ንላዕሊ ኢዩ ዝመርጽ ዘሎ" በሉ፣ ኣብ ሓደ መልእኽቲ ውን ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ዕላማ ናይዛ ሃገር ነባሪ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን  ከም ዝህሉ ምግባር ኢዩ ዝመስል።"

ጻውኢት ንወንጌላዊ ሰላምን ፍትሕን

ከም መልሲ ናይዚ ድማ እዞም ጳጳስ ንወንጌላዊ ሰላም ፍትሕን ክቕበሉ ጻውዒት የቕርቡ። "ከምቲ ናይ ዓለም ብወተሃደራዊ ሓይሊን በቶም ሓያላት እተመስርሐ ሰላምን ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ወንጌል ከም ህያብ እተዋህበ ሰላም ክንቅበሎ ኣሎና" ብምባል የረጋግጹ። ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ድማ ክብሪ ደቅሰባት ንምሕላው እንኮ መገዲ ገይሮም "ኣብዚ ግዜና ዝያዳ ህጹጽ ዝዀነ ዓመጽ ዘይብሉ መገዲ" ክመርጹ ተማሕጸንዎም።

ብፁዕ ኣቡነ ካርላሳር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 እተዛረብዎ ቓላት ብምድጋም፣ ነቲ ሓቀይና ጠንቂ ግጭታት ንምፍላጥ፣ ንዘስድዕ ዘርባታት ንምስትውዓል፣ ንሓሶት ንምቕላዕ ከምኡውን ንሕቡእ ረብሓታት ንምቕላዕ ሜመያን ምስትውዓልን ክግበር ተማሕጺኖም። ኣብ ሓንቲ ልምቲ ሃገር "ህይወት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል እናበሉ ጥራይ ንቕድሚት ዝግስግሱሉ መገዲ የልቦን" ክብሉ ኣጠንቀቑ። ግዳያት እዚ መልመስቲ እዚ ልዕሊ ዅሉ ድኻታት ምዃኖም ገለጹ፣ እዛ ዓለም እዚኣ ኣንፈታ እናጠፍአት ትኸይድ ኣላ ውን በሉ።

እቶም ጳጳስ ቀጺሎም "እቲ ኣብ ቅድሜይ ዘሎ ድኻ መቐናቕንተይ ዘይኰነስ ሓወይ እዩ" ውን በሉ። "ከማይ ተስፋ ስለ ዝቘረጸ ሓድሓደ ግዜ የታልለኒ ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግና እቲ ድኻ ሓው ኣብ ኣብዚ ተነቃፍን ስቓይ ዝበዝሖን ህይወት ምስክርነት ተስፋ ይህብ እዩ" በሉ። "ንድኻታት ምሕጋዝ ብተስፋ እዩ ዝውለድ" ክብሉ ውን መግለጺኦም ደምደሙ።

ተራ ቤተ-ክርስትያን ሰላማዊ ባህሊ ኣብ ምህናጽ

ብፁዕ ኣቡነ ካርላሳረ ከም ዝገለጽዎ ደቡብ ሱዳንን ቤተ-ክርስትያናን ብህጹጽ "ጓሶት ሰላም" ከም ዘድልይዋ፣ ማለት ኣብ ሕድገት ሓጢኣት እተመስረተ ርክብ ክምስርቱ ዝኽእሉ መራሕቲ ከም ዘድልዩ ውን ኣጕልሐ። ናይ ሓቂ ሰላም ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዘሎ ርክብን፣ ተሓድሶ መንእሰያት ወለዶታት ኣብ ሰላም ምምስራትን ከም ዘድሊ ውን ኣመልከቱ።

ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ መስርሕ እዚ ወሳኒ ግደ ከም ዘለዋ መጠን፣ ከምዚ ብምባል የረጋግጹ - "ብዛዕባ ምፍራይ ኣጽዋር ብዛዕባ ምክትታል መንእሰያት ከምኡውን ብዛዕባ ዅሉ ዓይነት ዓመጻ ምጕዳልን ፍትሕን ብግህዶ ኽንዛረብ ኣሎና። ነቶም ነታ ዓመጽ ዘይብላ መገዲ ዝመረጹ ንምስክርነቶም ከኣ ንኻልኦት ከም ኣብነት ክኾኑ ዝኽእል መንእሰያት ብትንቢታዊ ምስክርነት ከነዛርቦም ኣሎና።"

መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ዕርቅን ተስፋን ዝገልጽ ዛንታታት ንምክፋል ከምኡውን ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤትን ደቅሰብን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘደንፍዕ ተበግሶታት ንምድጋፍ እንተላይ ንከም ማይን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ኣገልግሎት ንምርካብ ክጥቀመሉ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

እዞም ጳጳስ ናይ ሰላም ባህሊ ኣብ ምህናጽ ኣብያተ - ትምህርትን ምሁራትን ኣድላዪ ግደ ከም ዘለዎም ብምጕላሕ ውን ገለጹ። ኣብያተ-ትምህርቲ ቈልዑ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ሰላምን ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታትን ዝማሃሩሉ "ተስፋ ዘለዎ ቦታ" ክኸውን ኣለዎ። ኣስዕብ ኣቢሎም ውን እቶም ምሁራት ነቲ ኣብ ወንጌላዊ እምነት እተመስረተ ኽውንነት ብኻልእ መገዲ ኼንብብዎ ኸም ዚጽውዑ ውን ገለጹ። ጳጵስ ሰበኻ በንቲዩ "እቲ መገዲ ነዊሕ እኳ እንተዀነ ንመጻኢ ወለዶታት ህይወትን ዕድላትን እትህበሉ እንኮ መገዲ ግን መገዲ ሰላም ጥራይ እዩ" ኢሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

02 Jul 2025, 16:07