MAP

2025.07.21 Archdiocese of Seoul, send-off event for young people  2025.07.21 Archdiocese of Seoul, send-off event for young people  

ርእሰ ሰበካታት ሴውል ልዕሊ 1000 መንእሰያት ንንግደት ዓመት ኢዮቤል ናብ ሮማ ትልእኽ

ርእሰ ሰበኻታት ሴውል ደቡብ ኮርያ፣ ነቶም ኣብ ዓመት ኢዮብል 2025 ኣብ ዝካየድ ቅነ መንእሰያት ንምስታፍ ናብ ከተማ ሮሜ ዚጐዓዙ 1078 ዝኾኑ ካቶሊካውያን መንእሰያት ኮርያ ንምድላው ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 19 ሓምለ መሰናደዊ ሱባኤ ኣካይዱ።

ዜና ቫቲካን

ቀዳም ዕለት 19 ሓምለ ርእሰ ሰበኻታ ሶል ነቶም ካብ ዕልት 28 ሓምለ ክሳዕ ዕለት 3 ነሓሰ ኣብ ሮማ ኣብ ዝግበር ኢዮቤል መንእሰያት ንምክፋል ናብ ኢጣልያ ዝኸዱ ልዕሊ 1000 መንእሰያት ካቶሊካውያን ናይ ምስንዳው መደባት ኣካየዱ።

ብመሰረት  እቲ ኣብ ወብ ሳይት ናይቲ ርእሰ ሰበኻታት ዝወጸ ከም ዘመልከቶ፣ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ ደቡብ ኮርያ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዶንግሱንግ እተኻየደ መደብ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ኣብ መደብ ዝዓረገ መሥዋዕ ቅዳሴ በቶም ተራዳኢ ጳጳስ ሰበኻ ሶልን ሓፈሻዊ ኣተሓባባሪ ናይቲ ብ2027 ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ቅነ መንእሰያት ዝዀኑ ብፁዕ ኣቡነ ፖል ክዮንግ-ሳንግ ሊ ኢዩ ኢዩ ዝተመርሐ።

ካብ ዕለት 28 ሓምለ ክሳዕ 3 ነሓሰ፣ 1078 ካቶሊካውያን መንእሰያት ኮርያ ንንግደት ኣብ ከተማ ሮሜ ብምምጻእ፣ ኣብቲ ቐንዲ ፍጻመታት ኢዮቤል መንእሰያት ቕድሚ ምስታፎም በቲ ቅዱሳት ኣፍደገታት ጳጳሳዉያን ባዚሊካታት ቅድሚ ምሕላፎምን፣ ኣብ 18 ንኡሳን ጕጅለታት ተኻፋፊሎም ናብ ኣሲሲዚን ሚላኖን ዑደት ከካይዱ ኢዮም። እዚ መገሻታት እዚ ጸሎትን ኣገልግሎታትን ማሕበራዊ ምትእኽኽኻን ንምግባር ናብቲ ኣብ መላእ ኢጣልያ ዝርከብ ዓበይቲ ናይ ውርሻታት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝካየድ ንግደታት ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።

መንእሰያት ሴውል ኣብ መሳናደዊ ሱባኤ ናብ ንግደት ኢዮቤል ንሮማ
መንእሰያት ሴውል ኣብ መሳናደዊ ሱባኤ ናብ ንግደት ኢዮቤል ንሮማ

እቲ ናይ ተልእኾ ፍጻመ

እቲ ብዕለት 19 ሓምለ እተኻየደ መደብ ልክዕ ሰዓት 6 30 ድ. ቐ. ብጕጅለ መዘምራን ብዝተዘመረ መዝሙር ትሰንዪ መንፈሳዊ ንጥፈታትን ከምኡውን "ሓድነት ንምህናጽን ነቲ ኣብ ስዒቦም ዘካየድዎ ንግደት ውሳጣዊ ምስንዳው" ብምግባርን፣ ከምኡ ውን ካልእ ንጥፈታት ብዘጠቓለለ መደባት ኢዩ ጀሚሩ። እቶም ካቶሊካውያን መንእሰያት ኣብ ብምሉኡ ንግደታቶም ኣንፈቶም ንኺፈልጡ ዝሕግዞም መሰረታዊ ቓላት ቋንቋ ኢጣልያ እውን ተማሂሮም እዮም።

ድሕርዚ ልክዕ ሰዓት 7፡30 ናይ ምሸት ብፁዕ ኣቡነ ሊ ምስ ልዕሊ 60 ዝዀኑ ካህናት መሥዋዕተ ቅድሴ ኣዕረጉሎም። ብፁዕ ኣቡነ ኒ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስበከት ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ቤት ማርታን ማርያምን ዝገበሮ ምብጻሕ ዚገልጽ ዛንታ ካብ ወንጌል ሉቃስ ኣስተንተኑ። ኣቡነ ሊ ኣብ ስብከቶም ነቶም መንእሰያት ነጋድያን "ሓቀይና ዕላማ እዚ ንግደት እዚ ፍቕሪ ናይቲ ኼገልግለና ዚመጽአ ጐይታ ምርኻብ ምዃኑ ዘክሩ" ክብሉ ውን ተማሕጸንዎም።

ኣብ እዋን ቅዳሴ እቶም ካቶሊካውያን መንእሰያት ንሓድሕዶም ከም ዚፋቐሩን ዚከኣሎም ዘበለ ኩሉ ከም ዚገበሩን፣ ኣብ ብምሉኡ እቲ ንግደቶም ናይ ተስፋ መሰኻኽር ከም ዚዀኑን ቍርጺ ፍቓድ ውን ገይሮም።

ካቶሊካውያን መንእሰያት ሴውል ኣብ መሳነዳሴ መደብ ንንግደት ኢዮቤል 2025
ካቶሊካውያን መንእሰያት ሴውል ኣብ መሳነዳሴ መደብ ንንግደት ኢዮቤል 2025

"ውጥን 1004"

እዚ ንግደት እዚ እተገብረሉ ተበግሶ "ውጥን 1004" ተባሂሉ ተሰምዩ ኣሎ፣ እታ "ቺዮን-ሳ" እትብል ቃል ኮርያ "መልኣኽ" ከምኡውን ቍጽሪ 1004 ማለት እያ እተስምዕ። ነቶም መንእሰያት ንዓመተ ኢዮቤል ብመንፈሳዊ መዳይ ንምስንዳው ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መጻኢ ከም መራሕቲ ናይቲ ኣብ ዓመተ 2027 ዝካየድ ቅነ መንእስየአት ንምቛም እውን ዝዓለመ ኢዩ ።

ዕለት 31 ሓምለ ልክዕ ሰዓት 10፡00 ቅ. ቀ. ኵሎም እቶም ነጋድያን ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ክሪሶጎኖ ክራኸቡ እዮም። ኣብቲ ግዜእቲ ኣብ ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ፖል ክዮንግ-ሳንግ ሊ ስብከት ቃል ኣምላኽ ከካፍልዎም ኢዮም።

22 Jul 2025, 16:18