ጳጳሳት ታንዛንያ ንካቶሊካውያን ዓለማውያን ናይ 5 ዓመት ውጥን ኣበጊሶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ጳጳሳት ታንዛንያ (TEC) ንካቶሊካዊ ባይቶ ዓለማውያን ምእመናን ታንዛንያ ፍሉይ ዝኾነ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውጥን (2025–2030) ብወግዒ ከም ዘበገሰን፣ እቲ ውጥን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ዳረሰላም ኣብ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ሰገሬኣ ኣብ ዘሎ ብፁዕ ኢሲዶር ባካንጃ ኣብ እተሰምየ ማእከል ስነ መዕበያ ዓለማውያን፣ ቤት ምኽሪ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ብወግዒ ከም እተበገሰ ናይ ታንዛንያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ናይ ታንዛቢያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ጉዳያት ዓለማውያን ምእመናን ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ጳጳስ ኤድዋርድ ምፑንዳ ንእግዚኣብሄር ስለቲ ህያብ ህይወትን እምነትን ንዓለማውያን ምእመናን ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ተልእኾን ብፍላይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ብዝገበርዎ ምስክርነትን ጽምዶን ንዓለም ናብ ቅድስና ንምምራሕ ዘለዎ ተራ ክም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ። ውጥናዊ ትልሚ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጸ መለኮታዊ ምትብባዕን መምርሕን ፍረ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ንዕዉት ትግባረ እቲ ውጥን ጸጋ ኣምላኽ ተማሕጺኖም፣ ንዓለማውያን ምእመናን ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ተልእኾ ዝሰማማዕ ምንጪ ድሕነትን ለውጥን ክገብርዎ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ የመላኽት።
ታሪኻዊ ምዕራፍ
ኣብ ታንዛንያ ቤት ምኽሪ ዓለማውያን ምመናን ኣብ 1969 ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፣ ኣብ ትውፊትን ተመኩሮን ተወኪሱ ብዘይ ወግዓዊ ውጥን ዝዓዪ ከም ዝነበረን፣ ይኹን እምበር፡ ኣድላይነት ቅርጻዊ መምርሒ ዝምልከት ንቕሓት እናዓበየ ብምምጽኡ፡ ኣብ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት 2021፡ ኩለመዳያዊ ዝምልከት ውጥን ንምምዕባል ውሳነ ንኽወሃብ ምኽንያት ከም ዝኾነን እቲ ውጥን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተራ ዓለማውያን ምእመናን ንምሕያል፣ ዓለማውያን ማሕበራትን ሓዋርያዊ ምንቅስቓሳትን ንምሕብሓብን ንምሕያልን፣ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን መንፈሳዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ እቲ ውጥን ኣብ ሰፊሕ ራእይ ቤተ ክርስቲያን ዝተሰረተ ኮይኑ፡ ን Apostolicam Actuositatem - ሓዋርያዊ ንጥፈትን፣ Christifideles laici - ዓለማውያን ምእመናን ከምኡውን Ecclesia in Africa - ዓቅለሲያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰሉ ሰነዳትን ንራእይ ሲኖዳውነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝተወከሰ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ራእይን ተልእኾን
ራእይ ባይቶ ዓለማውያን ምእመናን “ንቤተ ክርስቲያን ናብ ሰማይ ናይ ምምራሕ ጉዕዞ ካብ ንኣሽቱ ክርስትያናዊ ማሕበረሰባት ክሳብ ብደረጃ ሃገር ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንዝርከቡ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ምኽሪ ኣብ ምሃብ ንጡፍ ምዃን ዝብል ኮይኑ፣ ተልእኾኡ “ንዓለማውያን ምእመናን ኣብ ጸዋዕታኦምን ተልእኾኦምን ብምጥርናፍ ካብ መሰረታዊ ደረጃ ክሳብ ብሃገር ደረጃ ብወንጌል ክርስቶስ ንዓለም ናብ ቅድስና ንምስናይ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር፣
ዕላማታት ውጥን
እቲ ትልሚ ሓሙሽተ ወሰንቲ ውጥናዊ ዕላማታት ዝተነብሮ እዩ
- ዓሚቝ ስብከተ ወንጌልን ስነ መዕበያ ሓዋርያዊ ጒስነት፡- ንህጻናት፡ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣረጋውያንን ዝምጥን ኩለንተናዊ ስነ መዕበያ እምነት ምቕራብ፤
- ተቕዋማውነት ምሕያል፦ ኣብ ውሽጢ ቤት ምኽሪ ዓለማውያን ድልዱል ምሕደራን ስርሒታዊ ስርዓትን ምህናጽ፣ እዚ ድማ ህንጽት ዓቕምን ቁጠባዊ ዘላቕነትን ሓዊሱ፤
- ኣብ መንጎ ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን ሓድነት ምድንፋዕ፦ ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብሓባራዊ ውጥናትን መደባት ስነ መዕበያን ምትሕብባርን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ምዕባይ፤
- ንኹሉ ዝሓቁፍ ማሕበረ - ቁጠባዊ ልምዓት፦ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ዝተገለሉ ማሕበረሰባት ኣብ ዋኒን ሞያ፣ ሞያዊ ስልጠናን ትምህርትን ዓለማውያን ጉጅለታት ምሕያል፤
- Laudato si - ስቡሕ ኣንተ መሰረት ብዝገበረ ምህዳራዊ ስነ ማዕበያ፡ ዘላቒ ኣጠቓቕማ ጸጋታት፡ ከምኡ’ውን ብቤተክርስትያን ዝምራሕ ተበግሶታት ከባቢ ምትግባር ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ታንዛኒያ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ኣተገባብራን ክትትልን
እቲ ውጥናዊ ትልሚ ካብ ከባብያዊ ደረጃ ክሳብ ሃገር ብዘተኣታትውን ኣሳታፍን መስርሕ ዝፍጽም እዩ።
ውጽኢት መሰረት ዝገበረ ምክትታልን ገምጋምን (RBM&E) ማዕቀፍ ንገምጋምን ጸብጻብን ዝመርሕ ኮይኑ፡ ብደረጃ ሃገረ ስብከትን ሃገራውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍርቂ ዓመት ሓድሽ ሓበሬታ ብምሃብ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ንምርግጋጽ ዘማእከለ ኮይኑ፣ እቲ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ 900 ሽሕ ኤውሮ ዝግመት ኮይኑ (ዓመታዊ ኣስታት 165 ሽሕ ኤውሮ ከም ዝሓትት ይግመት።) ምወላ ካብ ኣበርክቶ ሃገረ ስብከት፡ ምስ ትካላት ልምዓት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ናይ ብሕቲ ለገስቲ፡ ከምኡ’ውን ኣድላዪ እንተኾይኑ ቍጠባዊ ትካላን ካብ ዝፍጠር ምሕዝነት ዝመጽእ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ታንዛኒያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
ሓደጋ ምቅላልን ናይ ነዊሕ ግዜ ራእይን
ቤት ምኽሪ ከም ሕጽረት ምወላ፡ ድኹም ምትሕብባር ግዱሳት ኣካላት፡ ከምኡ’ውን ምቕያር ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታት ዝኣመሰሉ ሓደጋታት ኣፍልጦ ብምሃብ እዚኦም ብዝተፈላለየ ውጥናት ምወላን ንጡፍ ተሳትፎ ግዱሳት ኣካላትን ዝፍታሕ ኮይኑ እቲ ውጥን፡ ኣብ ገዛእ ርእሳ እትምርኮስ ሲኖዳዊትን ልእኽቲ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ጉስነታውን ሕብረተሰባውን ለውጢ ምሉእ ብምሉእ ዘሳትፍ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ፣ ጳጳስ ማፑንዳ ኣቦ መንበር ሽማግለ ዓለማውያን ምእመናን ታንዛኒያ ኣብ መደምደምታ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 14፡28 ተወኪሶም ምእመናን ኣርሒቕካ ብምስትውዓልን ብዕላማን ክዋስኡ ተማሕጺኖም፡ “ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ?” - ቢሎም - እዚ ውጥን እዚ ንቤት ምኽሪ ዓለማውያን ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ታንዛንያ፣ ኣብ እምነትን ተግባርን ሓባራዊ ተልእኾን ዝተሰረተ ሓድሽ ምዕራፍ ዘመልክት ምዃኑ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ናይ ታንዛኒያ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።