MAP

ኣንጎላውያን ጳጳሳት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝርአ ዘሎ ማዕበል ዕንወት ደው ክብል ይጽውዑ ኣንጎላውያን ጳጳሳት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝርአ ዘሎ ማዕበል ዕንወት ደው ክብል ይጽውዑ  (ANSA)

ኣንጎላውያን ጳጳሳት እቲ ኣብ ሃገሮም ዝርአ ዘሎ ማዕበል ዕንወት ደው ክብል ይጽውዑ

ናይ ኣንጎላን ስኦ ቶመን ጉባኤ ጳጳሳት (CEAST) ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንጎላ ዝካየድ ዘሎ ድሮ ሓሙሽተ ሰባት ዝቐተለትን ማእሰርት ልዕሊ 1,000 ዘስዓበትን ማዕበል ዕንወት ብዓብይ ስክፍታ ይከታተለዎ ከም ዘለውን እዚ ህብዝን ሃገርን ዘዕንው ተግባር ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣንጎላ ርእሰ ከተማ ሉዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኣድማ፡ ምዝማት ትካላት ንግዲ ስዒቡ ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 1200 ድማ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን እዚ ብምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ መራሕቲ ታክሲ ንሰለስተ መዓልታት ዘካይድዎ ዘለዉ ኣድማ ስዒቡ፣ ኣባይቲ መሸጣ ከም እተዘመተን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ባንኪ መካይንን እውን ዕንወት ከም እተፈጸመን፣ እዚ ኣድማ እዚ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተራእዩ ኣድማታት እቲ ኣዚዩ ሰፊሕን ኣዕናውን ምዃኑ ናይታ ሃገር መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝሓበራ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ኣንጎላን ሳው ቶሜን ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ሳውሪሞ ሊቀ ጳጳሳት ኾሴ ማኑኤል ኢምባምባ፣ ኣብታ ሃገር ድኽነትን ጸገምን እኳ እንተሃለወ፡ ንማሕበራዊ ሰናይ ሂወት ስድራቤታትን መንግስታውን ውልቃውን ንብረት ዘዕንው ስርዓት ኣልቦነትን ዕንወትን ዘጠቓልል ተግባራት ብዝኾነ ይኹን ደረጃ ቅቡል ክኸውን ከም ዘይክእል ገሊጾም፣ ጸገማት ኩሉ ብዘተ ክፍታሕ ከም እተላበዉ ናይታ ሃገር ጉባኤ ጳጳሳው ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ  ሴና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 Jul 2025, 16:47