ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰዉል ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኮርያ ዘሎ ተጻብኦ ክውዳእን ሓድነት ክረጋገጽን ትዓዪ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ልዕሊ ሽሕ ምእመናን ኣብ ካቴድራል ሚዮንግዶንግ ተኣኪቦም ዓመታዊ “መዓልቲ ጸሎት ንዕርቅን ሓድነትን ህዝቢ ኮርያ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን እተብዕሎ ዝኽሪ ከም ዘብዓሉ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፣ "ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ካብ ዝፈላለያ ንልዕሊ 80 ዓመት ከም ዘቁጸራን እቲ ምፍልላይ ንሰሜንን ደቡብን ኮርያ ንቐጻሊ ወጥርን ጽልእን ቅርሕንትን ከም ዝደረኸን ኣመላኺቱ፣ “ኣብ ደቡብ፡ እቲ ዝድለ ሓድነት ሸልል ምባል እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰባት ‘ስለምንታይ ኢና ብዛዕባ ሰሜን ንጭነቕ እንክብሉ ዝሓቱ እውን ኣለዉ። ንሕና ግን ሓደ ህዝቢ ኮርያ ኢና” እንክብሉ “መዓልቲ ጸሎት ንዕርቅን ሓድነትን ህዝቢ ኮርያ” ምኽንያት ኣብ ካቴድራል ሚዮንግዶንግ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ሊቀ ጳጳሳት ፐተር ቹንክግ ሱን ታይክ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፣ ካቶሊካውያን ኣብነት ኢየሱስ ብምስዓብ ናብ ዕርቂ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ቀዳማይ ስጉምቲ ክገብሩ ሓቲቶም፣ “ግጭትን ምፍልላይን ንምስዓር ልክዕ ከምቲ ኦየሱስ ‘ዝበልዕዎ ሀብዎም’ ዝበለና ኢድና ኣብ ምዝርጋሕን ንሓልዮትን ምቅርራብን ቀዳማይ ስጉምት ዝወስዱ ንኹን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።
ሊቀ ጳጳሳት ቹንግ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ርክብ ሃገራት ኮርያ ዝተራእየ ምዕባለ ኣመልኪቶም፡ እዚ ስጉምቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወጥሪ ዝግ ንምባል ዝሓገዘን ኣብ መጻኢ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኮርያ ዘሎ ርክብ ዳግማይ ንምሕሳብ ቦታ ዝፈጠረን ልኡም ግን ከኣ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ እንክብሉ ገሊጾም፣ ምእመናን ጽልኢ ብምሕዳግ መስርሕ ሰላም ክጅምሩ ተማሕጺኖም፣ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላምን ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ሓድሽ ዝምድና ክጅመር ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ቀትሪ ሊቀ ጳጳሳት ፐተር ቹንክግ ሱን ታይክ ኣብ ማእከል መንፈሳውነት ካቴድራል ሚዮንግዶንግ ንመበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ብነፍስሄር ካርዲናል ስቲቨን ኪም ሶውህዋን ዝተመስረተ ሽማግለ ዕርቂ ንምዝካር ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ከም ዝመርሑን ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብዝ ዘስምዕዎ መደረ፣ እቲ ሽማግለ ዘሳልጦ ዕዮ ኣብ ጸሎትን ትምህርትን ምቅርራብን ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ምፍልላይ ንምፍዋስን ሓድነት ንምድንፋዕን ዝዓለመ ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ኢካስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ምኽትል ኣቦ መንበር ሽማግለ ዕርቂ ኣባ ሱ - ዮንግ ዩንግ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ኮርያ ዝምድናታት ምልውዋጥ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ሽማግለ ሓድነት ንምድንፋዕ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪ ከም ዘስመሩሉን ኣብ መልእኽቲ ወንጌል ሱር ዝሰደደ ሽማግለ ዕርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ድምጺ ኮይኑ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዋላ’ኳ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ብድሆታት እንተሃለወ፡ ምፍልላይ ንምብዳህን ሰላም ንምዕባይን ንጡፍ ኮይኑ ከም ዝንቀሳቐስ ኣመላኺቶም ብተወሳኺ እቲ ኮርያ ዝገበረቶ ናይ ሰላም ህንጸት ጻዕርታት ዓለምለኻዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኣጕሊሖም፣ እታ ሃገር በቲ ኣብ ግዜ ዝሑል ውግእ ዝነበረ ወጥሪ ከም እተኸፋፈለት ዘኪሮም፣ እዚ ፍልልይ እዚ ከብቅዕ ድማ ኩሉ ክጽልን ጻዕርታት ምእንቲ ሓድነት ክተባባዕ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ከም በዓል ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝኣመሰሉ ቦታታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት፡ ኮርያ ንዕርቂ መሰረት ኣብ ምንጻፍ ኣብነት ክትከውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰዉል ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2027 ዓ.ም. መንእሰያት ንጉዳይ ሰላም ንምስጓም ጭቡጥ ተበግሶታትን ዘተን ክመርሑ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጾም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።