ዜና ካብ ምብራቕ - ዕለት 5 ሰነ 2025
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ሲመተ ክህነት ኣብ በዓለ ዕርገት
ኣብ ዝሓለፈ ክብረ በዓል ዕርገት ሓሙስ ዕለት 29 ግንቦት ኣብ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን እተፈላለየ ንጥፈታት ተኻየደ። ኣብ ሃገረ ህንዲ ተራዲኢ ጳጳስ ፓትርያርክ ሲሮ-ማላንካራ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ማትዎ፣ ኣብ ከራላ ኣብ ዝርከብ ናይ ኤጳርቅና ማቨሊካራ ጳጳስ ዀይኖም ተሾሙ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣርባ ሚንች ክልተ ሓደስቲ ካህናት መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ኣብ ፈረንሳ ድማ ካለዳውያን ስደተይናታት ሓደ ብፓትርያርክ ሉዊ ራፋኤል ሳኮ መዓርገ ክህነት እተቐበለ ኣባ ዠሮም ዜረን ሓድሽ ካህን ሓንጐፋይ ቢሎም ተቐበሉ።
ቅርስታት ካርዲናል ሆሱ ኣብ ቫቲካን
ቅርያት ካርዲናል ብፁዕ ሉሊዩ ሆሱ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ግሪክ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብሩመናዊ ሥርዓት ዴስነት እተቐትሉ ሰማዕታት፣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክግዕዝ ኢዩ። እዚ ሓበሬት እዚ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 1 ሰነ በቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምብራቓዉያን ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፣ ኣብ ባዚሊካ ቅድስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓቢሮም። እዚ ሓበሬታ እዚ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ሩመናያውያን ምእመናንን ካቶሊካውያን ጳጳሳት ናይ ግሪክ ባይዛንታይን ሥርዓት ሩማንያ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፣ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሩመነንያ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ዣምፒዮ ግሎደር ከምኡውን ሓያሎ ቤተክርስትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝነበረ።
ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ቅብጣውያን
ዓለምለኻዊ መዓልቲ ቅብጣውያን ብዕለት 1 ሰነ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ቅብጣውያን ዓለምለኻዊ መዓልቲ ቅብጥ ኣኽቢሮም፣ እዚ ክብረ በዓል እዚ ነቲ ቅድስቲ ስድራ ናብ ግብጺ ዝገብረቶ ስደት ዘመልክት ኮይኑ ድሕነት ኵሎም ደቂ ሰባት ዘዘኻር ክብረ በዓል ዘመክት ኢዩ። እዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል እዚ ነቲ ሰማዕትነትን መንፈሳውነት ገዳማትን፣ ቅዱሳት ኣሳእልን ከምኡውን በቲ ነቕ ዘይብል ኦርቶዶክሳዊ እምነትን እተቐርጸ ሃብታም ውርሻ ቕብጣውያን ዘጕልሕ ውን ኢዩ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ግብጺ ከምኡውን ዓሚቝ መንፈሳውን ባህላውን ውርሻኣ ሓድነትን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነትን ዝረኽበሉ ዘሎ ህሞት ኰይኑ ዘገልግ ዘሎ ኣገጣሚ ከኣ ኢዩ ዝነበረ።