MAP

ቤተክርስትያን ሚያንማር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዘቕረበዎ ጻውዒት ሰላም ተመስግን ቤተክርስትያን ሚያንማር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዘቕረበዎ ጻውዒት ሰላም ተመስግን  (AFP or licensors)

ቤተክርስትያን ሚያንማር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዘቕረበዎ ጻውዒት ሰላም ተመስግን

ኣብ ሚያንማር ዝርከቡ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመጽን ምምዝባልን ኣብ ግጭት ዝተሃስዩ ዞባታት ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ማእከላይ ዞባ ሳጋይንግ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣብ ዘዕንወሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሚያንማር ሰላም ክረጋገጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ድግማይ ጻውዒት ብሓጎስ ተቐቢሎም ከም ዘቃልሕዎ ሊካስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ መላእ ሚያንማር፡ ውግእን ምምዝባልን ስደትን ይርአ ምህላዉን ሕጂ እውን ይቕጽል ከም ዘሎን ናይ ርእሰ ሰበኻታት ማንዳላይ ሓዋርያዊ መስተናብር ኣባ ፐተር ሳይን ኣላኢንግ ምስ ኣገልግሎት ዜና ፊደስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ብፍላይ ርእሰ ሰበኻታት ማንዳላይ፡ ከባቢ ሳጋይንግ ብግጭት ኣዚዩ ዝተሃሰየ ከባቢ ምዃኑ እውን ገሊጾም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ዕለት 15 ሰነ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ሚያንማር ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ብምዝካር በቲ ቅልውላው ዝተነጸሉ ኮይኑ ንዝስምዖም ማሕበረሰባት ጸሎቶምን ቅርበቶምን ብምርግጋጽ ዘመሓላለፍዎ መተባብዒ ቃል መራሕቲ ካቶካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሚያንማር ብሓጎስ ከም እተቐበልዎን ከም ዘቃለሕዎን እውን ኣረጋጊጾም፣ “ኣብ ስቓይ ንዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ስለ ዝህብዎ ኣቓልቦ ነመስግኖም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ዞባ ሳጋይንግ፡ ዓድታት ብሰንኪ እቲ ቀጻሊ ምፍንጃር ቦምባታት ብባርዕ ሓዊ ይቃጸላን ይባድማን ከም ዘለዋ ገሊጾም፣ ማሕበረሰብ እቲ ዞባ በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ነቲ ስርዓት ብዝቃወሙን ተቐይዱ ከም ዘሎን ብዙሓት ካቶሊካውያን ኣብቲ መስቀላዊ ዞባ ከም ዝርከቡን ኣመላኺቶም፥ “ህዝቢ ረዳእን ዝከላኸልን ዘይብሉ ኮይኑ ኣሎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሓደጋታት እኳ እንተሃለወ፡ ካህናት፡ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያ ምመናንን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብቲ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ከባቢ ሰብኣዊ ሓገዝን መንፈሳዊ ደገፍን ኣብ ምቅራብ ከም እተዋፈሩን፣ "ንህዝብናን ንመጻኢ ሰላም ሃገርናን ወትሩ ንጽልን ቅዳሴ ነዕርግን - ቢሎም - ኣብዚ ዘስካሕክሕ ኩነታት ትውክልትና ኣብ ኣምላኽ ተበራቲዑ ይቕጽል ኣሎ ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ያንጎን ዓለማዊ ካቶሊክን መምህር መንበረ ጥበብን ጆሴፍ ኩንግ ብዛዕባ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዘለዎ ስክፍት ኣቃሊሑ፡ ቫቲካን ነቲ ኣብ ሚያንማር ዘሎ ቅልውላው ትኹረት ምሃባ ዘሐጉስ እዩ ቢሉ፣ “ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስተብሃልዎ፣ ኣብ መላእ ሃገር በርገሳዊ ትሕተ ቅርጺ ብመጥቓዕቲ ሰራዊት ብቀጻሊ ይዓንው ኣሎ” እንክብል ንኣገልግሎት ዜና ፊደስ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"እቲ ኣዝዩ ዘሕምም ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርትን ተማህሮን መምሃራንን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ። ኣብ ሳጋይንግ ኣብ እትርከብ ቑሸት ኦኤ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 20 ተመሃሮን ክልተ መምሃራንን ከም ዝቐተለን፣ እቲ ግጭት ኣብ መላእ ግዝኣታት ካቺን፣ ቺንን ራኪንን ንዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት የመዛብል ከም ዘሎን ካብ ሃገረ ስብከታት ባማውን ምይትኪናን ዝመጽእ ጸብጻባት ሰፊሕ ዕንወት ዓድታትን ግዱድ ስደትን የስዕብ ምህላዉ ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘቕረብዎ ጻውዒት ንብዙሓት ምንጪ ተስፋ ከምዝኾነን ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ሓድሕዳዊ ግጭት ዝተረስዑ ኮይኑ ንዝስምዖም ማሕበረሰብ ምያንማር ዘጸናንዕ እዩ፣

ዋላ እኳ ድኻምን መከራን እንተሃለወ ምእመናን ኣብ ጸሎት ክጸንዑን ጸገማቶም ንእግዚኣብሔርን ንድንግል ማርያምን ኣሕሊፎም ክህቡ ከም እተላበዉ ኪንግ ንፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃቦ መገልጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 Jun 2025, 17:03