MAP

2025.06.03 ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ካቶሊክ ኬንያ ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን የብዕሉ 2025.06.03 ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ካቶሊክ ኬንያ ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን የብዕሉ 

ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ካቶሊክ ኬንያ ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን የብዕሉ

ኣብ ናይሮቢ ዝርከባ ካቶሊካውያን ማዕከናት ዜና፣ ዕለት 1 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን፣ ዓለም ሓያል መልእኽቲ ሓድነትን ርህራሄን ተስፋን ዘድልያ ምዃኑ ብዘረጋግጽን ዘቃልሕን መደባት ተሰንዩ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን እቲ መደብ ካብ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማዕከናት ዜና ኣብ መላእ ከተማን ኪኖኡን ዝመጹ ወከልቲ መራኸቢ ብዙሃን ዘራኸበ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ብስነ ኣሃዝ እተራቀ ዘመን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምዕባይ ተስፋን ምርድዳእን ዘለዎ ኣገዳሲ ተራ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቲካ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ፓትሪክ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ብናይ ኣብ ኬንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሽማግለ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ኣቦ መንበር ጳጳስ ዋላስ ንግኣንግኣ ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተሰነየን ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣

ቃላትና ልዕል ከብልን ከነቓቕሕን ተስፋ ከምጽእን ኣለዎ

ኣገዳስነት ናይቲ ዕለት ኣጒሊሖም፣ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ተልእኾአን ብዝተፈላለዩ መድረኻት መራኸቢ ብዙሓን፣ ወንጌል ንምስፋሕን ብሓባር ክመጻ ምርኣይ ደስ ዘብል ምዃኑ ገሊጾም፣ “ብእተፈላለየ መልክዕ ርክባት ሓበሬታ ኣቢልካ ቃል ብስራት ንምክፋል ዘሎ ተወፋይነት፡ ሕመረት እምነትና ዘንጸባርቕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ኬንያ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ሓዋርያዊ ጉዳያት ሓላፊ ጳጳስ ዋላስ ኣብቲ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ “ርክብ እቲ እነርእዮ ርህራሄን ሕያውነትን እዩ” ብምባል ኣስሚሮም፡ ካቶሊካውያን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓ ኩሎምን ኣብ መልእኽቶም ፍቕሪ ክርስቶስ ከንጸባርቑ ኣተባቢዖም። ኣብዛ ብስነ ኣሃዛዊ ምዕባለ እትድረኽ ዘላ ዓለም፡ ተስፋ ምክፋል ኣገዳሲ ሓላፍነት ኮይኑ ከም ዝቕጽል ኣመልኪቶም፣ "ቃላትና ነቶም ኣዝዮም ዘድልዮም ብፍላይ ድማ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ሰባት ከልዕልን ከነቓቕሕን ተስፋ ከምጽእን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ናይ ኬንያ ብጹዓን ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ካብዚ ሓሊፉ ኩለን መራኸቢ ብዙሓን ልኡምነት ኣብ ዘተ ከስፍሑ ጸዊዖም፣ ቅንዕና ዝመልኦ ሕያውነትን ምክብባርን ንነፍሲ ወከፍ ርክባትናን ዘተን መሰረት ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሮም። "ጸሎተይ ንዓለምና ብዓሚቕ ርድኢት ፍቕሪ ኣምላኽ ብዘነቓቕሕ መንገዲ ክትሕይልዋ ክትቅጽሉ እዩ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ከምቲ መልእኽቲ ባዕሉ ጽልዋ ዘለዎም ኩን

መበል 59 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማሕበራዊ ርክባት፡ 'ኣብ ልብኹም ዘላ ተስፋ ብለውሃት ኣካፍሉ' ዝብል መራሕ ቃል ዘለዎ ምዃኑ ጳጳስ ዋላስ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ኣዘኻኺሮም ኣብዛ መብዛሕትኡ ግዜ ብውግኣት፡ ጽልይን በለካን ለኻዓካን፡ ብልሽውና፡ ብኹሉ ዓይነት ኣሉታዊ ነገራት ዝተጸልወት ዓለም፡ ተሸከምቲ ብርሃን ምዃን ዝብል ኣምር ኣስፊሖም፣ ኣብዚ ተስፋ ምቑራጽን ኣሉታውነትን ሱር ዝሰደደሉ እዋን፡ ተሸከምቲ ብርሃን ምዃን ግዴታና'ዩ" ከም ዝበሉ ናይ ኬንያ ቡጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣገዳስነት ሕያውነት ኣብ ርክብ ኣጉሊሖም፡ መራኸቢ ብዙሓን ዛንታ ተስፋ ዝካፈሉሉ ኣገባብ ከምቲ መልእኽቲ ባዕሉ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣስሚሮም፣ “ንግርጭታት ሕነ ንምፍዳይ ብዝብል ሓሳብ ዘይኮነስ፡ ብምርድዳእ ንግጠሞም፡ ተሸከምቲ ብርሃን ድማ ንኹን” ቢሎም፣ “ነኣሽቱ ተግባራትና ዓሚቝ ጽዋል ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣይንረስዕ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለዩ ድምጽታት ዝስምዑሉ ከባቢታት

ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ሓፈሻዊ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.  ነጋድያን ተስፋ ኵኑ ዝብል መርሕ ቃል ዘለዎ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፣ እዚ መርሕ ቃል እዚ ንኹሎም ኣመንትን ማሕበረሰባትን ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞኦም ተስፋ መሪሕ ሓይሊ ክገብርዎ ዝጽውዕ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ተስፋ ኣብ ናይ ህይወት ብድሆታት ከም ዝድግፈናን ኣብ እምነት ሱር ዝሰደደ ንቕድሚት ዝጥምት ኣረኣእያ ከም ዘነቓቕሕን ንጉባኤ ኣዘኻኺሮም። ኩሉ ሰብ ንነብሱ ከም ነጋድያን ብሓባር ናብ ምሕዳስን ሓድነትን ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ ነንሕድሕድን ዝዓሞቐ ሕብረት ዝኸይድ ክርእዮ ኣተሓሳሲቦም፣

ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ግሉጽነትን ንኹሉ ዝሓቁፍን መንፈስ ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣጉሊሖም። ሲኖዳውነትን – ምስማዕን ዘተን –ሓቛፊ ማሕበረሰባት ንምህናጽ መሰረት ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ ዝተፈላለየ ድምጽታት ምስማዕ ዋጋ ዝወሃበሉ ሃዋህው ክፍጠር ኣተባቢዖም፡ ሓቀይና ሱታፌ ንኣረኣእያን ተመኩሮን ካልኦት ሓቀይና ክፉትነት ከም ዝሓትት ኣስሚሮም፣ ከምኡ ብምግባራ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ኣናተጠናነገን መርበባዊ ምትእስሳር እናዓብለሎን ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ናይ ፍቕርን ምርድዳእን ሲኖዶሳውነትን ተልእኾኣ ብዝበለጸ ክትፍጽም ትኽእል እያ” ከም ዝበሉ ናይ ኬንያ ብጹዓን ጳጳስት ቤት ምኽሪ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ተስፋን ኣገዳስነት ምክፋልን እዩ

ጳጳስ ዋላሰ ከም ነጋዲያን ተስፋ መጠን፡ ነቶም ኣብቲ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተኻየደ መደብ ዝተሳተፉ፣ ናይ ፍቕርን ሓድነትን መሰኻኽር ክኾኑ፡ ነዚ ጽቡቕ ባህርያት እዚ ድማ ኪኖ መናድቕ ቤተ ክርስቲያን ናብ ማሕበረሰቦም ከስፍሑ ከም ዝተጸውዑ ኣዘኻኺሮም፡ ከምዚ ዝገብሩ ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ርህሩህን ተስፋ ዘለዎን ሕብረተሰብ - ብሓቂ ሕመረት መርሕ ቃል ኢዮቤል ተስፋን ቀጻሊ ጉዕዞ ሲኖዳውነትን የንጸባርቑ” ምስ በሉ፣ እዚ ኣብዛ ብዙሕ ግዜ ዝተኸፋፈለት ኮይና ዘላ ዓለም ናብ ውህደት ዝድርኽ፣ ነቲ ኣብ ልብና ዝነብር ተስፋ ንምክፋልን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ካቶሊክ ኬንያ ዓለም ለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን የብዕሉ
05 Jun 2025, 17:14