ጳጳሳት ኬንያ፡ ኣብዚ ውጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ዜጋታት 'ሰላማውያንን ተባዓትን' ክኾኑ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጳጳሳት ኬንያ ሰሉስ ዕለት 24 ሰነ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፣ ኣብታ ሃገር ንህይወት ደቂ ሰባት ዘዋርድ ዝፍጸም ዘሎ ዘሕዝን ተግባራት ኣዝዩ ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም፣ እቲ ዕለት 25 ሰነ ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ መዓልቲ ተቓውሞ ንዝኽሪ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር ሕጊ ቁጠባው ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ግዳያት እውን ንምዝካር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ከመላኽት እንከሎ፣ ምስዋርን ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለትን ዓመጽ ዝመልኦ ምፍርራሕን ኣዝዩ ተደጋጋሚ ኮይኑ ኣሎ እንክብሉ ጳጳሳቲ ኬንያ ኣብ ዘወጽእዎ መግለጺ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።
ኣስማት ጥራይ ኣይኮነን
ጳጳሳት ኣብ መግለጺኦም እቶም ዝተቐትሉ ወይ ዝጠፍኡ ሰባት ኣስማት ጥራሕ ዘይኮኑስ "ሓለዋን ፍትሕን ዝግብኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ካህናትን ኣወዳትን ኣዋልድን ኣዕሩኽን እያቶም ቢሎም፣ ብፍላይ እቶም ጳጳሳት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ቦኒፋስ ካሪዩኪ "ብሓደ ኣባል ፖሊስ ብቐረባ ብዝተኮሶ ጥይት" ዝተቐትለ ዘኪሮም፣ እቲ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ፍትሒ ክረጋገጽ ኣብ ዝጠልብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰፍሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብጥይት ዝተቐተል ምዃኑ ዘዘኻኸረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ሓለፍቲ ጸጥታ ነቲ ህዝቢ ንምክልኻልን ንኸይጎድኦን ቃለ መሓላ ዝፈጸሙ እያቶም” እንክብሉ ብምዝኽካር፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ከቢድ ቁጠባዊ ጸገማት ዘጋጥሞም ዘለዉ መንእሰያት፡ ዝገልጽዎ ዘለዉ ተቓውሞ ሰበ ስልጣን ክሰምዕዎን መልሲ ከናድዩሉን ሓቲቶም፣ ነዚ መንግስቲ ክሰምዖን መልሲ ክህበሉ ዝቐርብ ሕቶ ሕጋውን ዕቱብን ምዃኑ ተገንዚቦም፣ መንእሰያት ሕቶኦም ብሰላማዊ መገዲ ደኣ እምበር ብዓመጽ ዘቕርቡ ክኾኑ ኣይግባእን ምስ በሉ፣ "ሰላማውያንን፡ ቅኑዓትን ተባዓትን ኩኑ . . . ቤተክርስቲያን ተፍቅረኩም ትሓልየልኩምን እያ። ካብቶም ንእኩይ ዕላማ ክጥቀምሉኩም ወይ ክጸልዉኹም ካብ ዝደልዩ ተጠንቀቝ" እንክብሉ ዘውጽእዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።