MAP

ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ቬትናም ናብ መካነ ንግደት ማርያም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ቬትናም ናብ መካነ ንግደት ማርያም 

ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ቬትናም ናብ መካነ ንግደት ማርያም

ንመዕጸዊ ማርያማዊ ወርሓ ግንቦትን ንበዓል ጴንጠቆስጠ ንምድላውን፡ ካቶሊካውያን ካብ ሃገረ ስብከት ዳ ናንግ ቬትናም ናብቲ ማርያም ኣብ ዘገልጸትሉ ስፍራ ዝተሃንጸ ማርያማዊ መካነ ንግደት ከም ዝነገዱ ዜና ቫቲካን ፊድስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መዛዘሚ ወርሒ ግንቦት ማርያም ንምጽንባል፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሰበኻታትን ማሕበረሰባትን ናብቲ ልዕሊ 10,000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ሃገረ ስብከት ዳ ናንግ ናብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ትራ ኪዩ ንግደት ከም ዘካየዱ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ እምነት ፍጻመ

ብመሰረት ፊደስ ማዕከን ዜና፣ እቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘትራ ኪዩ ነቲ መበል 140 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ግልጸት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝውክል ከም ዝኾነን፣ ኣብ እዋን ጸገም ንደቃ ከተጸናምዕም ከተተባብዕን ክትሕግዝን ህልውቲ ምዃና ዘረጋግጽ ናይ ተስፋ ምልክት ምዃኑን ነጋዲያን ነዚ መሰረት ምብግባር ኣብቲ ማርያም ዝተገለጸትሉ ስፍራ ናብ ዝርከብ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፣ ሊቀ ጳጳሳት ጆሴፍ ዳንግ ዱክ ተራዳኢ ርእሰ ሰበኻታት ሁዌ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝሓበሩን እቲ ክብረ በዓል “ናይ ፍቕሪ፣ እምነት፣ ተወፋይነትን ኣገልግሎትን ፍጻመ፣ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ዘሎ ብድሆታት እምነትካ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ዕድል እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ድርብ ትርጉም

እቲ ንግደት መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ማርያም ካብ ምምልካት ብተወሳኺ፡ ዕለት 8 ሰነ ንዝበዓል በዓለ ጰራቅሊጦስ ንምድላው ዘገልገለ ኮይኑ፡ ንድንግል ማርያም “ጴንጠቆስጣዊት ኣደ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዋ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ እንከመላኽት፣ ኣብ ቬትናም ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ (ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ) እቲ ኣስታት 7% ዝሽፍ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ንድንግል ማርያም ጽኑዕ ተወፋይነት ዘለዎ ከም ዝኾነን፣ ምሉእ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተፈላለዩ መካነ ንግደታት ማርያምን ንማርያም ናብ ዝተወፈያ ኣቢያተ ክርስትያን፡ ቅዳሴን ጸሎትን ጸሎት መቝጸርያን ኣስተንትኖን ዝተሰነየ መደባት ከም ዝተኻየደን፣ ወርሒ ማርያም፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ኣብ ዘጋጠመ ከቢድ ስደት፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንካቶሊካውያን ምጽንናዕን ድሕነትን ካብ እግዚኣብሔር ንምርግጋጽ ናብ ዝተገለጸትሉ መካነ ንግደት ትራ ኪዩ ምመናን መንፈሳዊ ንግደት ከም ዘካይዱን እዚ ድማ ኣማላድነትን ሓለዋን ማርያም ንኽምሕጸቱ ዝዓለም ምንባር የመላኽት።

ምንጪ ካቶሊካዊ እምነት

ሊቀ ጳጳሳት ዳንግ ዱክ ነቲ ናብ መካነ ንግደት ማርያም ትራ ኪዩ ዝግበር ንግደት፣ "ኩላትና ህዝቢ ኣምላኽ ስለ ዝኾንና ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ናብ ስብከት ወንጌል ብሓባር ስለ እንጓዓዝ፡ ውልቃዊ ተግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዚ ጸዋዕታናን ተልእኾናን ንምሕዳስ ዝዓለመ ሓባራዊ ተግባር እውን እዩ" እንክብሉ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝገለጹ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ሃገረ ስብከት ዳ ናንግ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ደቡባዊ ቬትናም ከም ምንጪ ካቶሊክ እምነት ዝቑጸር ኮይኑ፡ ሱሩ ናይዚ ድማ ናብ ቨትና ወንጌል ንምስፋሕ ኣብ 1615 ዓ.ም. ዝተላእኩ ሰለስተ ኢየሱሳውያን ምዃኖም ኣዘኻኺሩ፣ ኣብ መበል 17ን 18ን ክፍለ ዘመን ሃገረ ስብከት ዳ ናንግ ሓደ ካብ ቀንዲ ማእከላት ሃገረ ስብከት ኮቺንቺና ኣብ ደቡባዊ ቬትናም ልኡካነ ወንጌል ዝብገሱሉ ቦታ ከም ዝነበረን፣ ቬትናም ሕጂ ናይ መጀመርታ ናይ እምነት ሰማእት ቢላ ኩላዊት ቤተ ክስቲያን ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብጹዕ ዝበለቶ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ብጹዕ ኣንድረው ዘፉ የን ሃገር እያ።

05 Jun 2025, 17:17