ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣብ ኣፍሪቃ ህይወት ዝቕይር!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለምለኸ ሕብረት ካቶሊካውያን ትካላት ደቂ ኣንስትዮ (WUCWO) ዝካየድ ዓለማዊ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም (WWO) ድምጺ ናይተን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይስማዕ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ እተን ኣብ ተኣፋፍን ዝተገለለን ማሕበረሰባት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ 1910 ዓ.ም. ዝተመስረተ ዓለምለኸ ሕብረት ካቶሊካውያን ትካላት ደቂ ኣንስትዮ - WUCWO፡ ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 100 ካቶሊካውያን ትካላት ደቂ ኣንስትዮ ዝውክል ኮይኑ፡ ልዕሊ 8 ሚልዮን ኣባላት ዘጠቓልል እዩ። ናይ ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ፍሉጥ ተበግሶኡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝነብርኦ ክውንነት ርኡይ ኣብ ምግባርን ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ብካቶሊካዊ መንጽር ኣቢሉ ንቤተክርስትያንን ህዝባውን መምርሕታትን ኣብ ምሕባርን ዘተኮረ እዩ።
ኣብ ትሕቲ “ጓለንስተይቲ ኣላዪት ኣደ መሬት” ዝብል ራእይ፡ ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም - WWO ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝርጋሔኡ ኣስፊሑ፡ ኣብ ታንዛንያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ማላዊን ርኡይ ንጥፈታት ዘካየደ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይቲ ትካል ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።
ብተግባር ምሕያል
ኣደ መንበር ብትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ኣቨሊን ማሊሳ ንቴንጋ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ እቲ ትካል ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰርሖ ስራሕ፡ ካብ ሕማቕ ተመርኮ ምሕዋይ፡ ስራሕ ኣብ ምፍጣር ስልጠና ከምኡ’ውን ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንዝደሓና ናይ ዳግመ ውህደት ደገፍ ደቂ ኣንስትዮ ምሕያል ዘማእከለ ምዃኑ ሓቢራ፣ እዞም መደባት ምስ ዓለምለኸ ሕብረት ካቶሊካውያን ትካላት ደቂ ኣንስትዮ - WUCWO ዝተኣሳሰሩ ትካላት ኣብ ከም በዓል ናይጀርያ፣ ካሜሩን፣ ኤስዋቲኒ፣ ኣይቮሪኮስትን ጊኒ ኮናክሪን ካልኦትን ሃገራት ብምትሕብባር ዝካየዱ እዮም። ብካሪስታ ምስ እተሰምየ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት፡ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ማሕበራትን ምሕዝነት ከም ዘለዎ እውን ተመላኽት።
ኣብ ኬንያ ዓለም ሓቆፍ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም - WWO ምስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ጉባኤ ብንጥፈት ዝሰርሕ ከም ዝኾነን፣ ኣብዚ ከም በዓል ኤልሳቤጥ ዝኣመሰላ ዓለማዊት ተሓባባሪት ኣብ ስነ ማዕበያ ቆልዑን ምዕባለ ማሕበረሰብን ስልጠና ዝረኸበት፣ ብግደኣ ኣብዚ መደብ ተዋፊራ ትዓዪ ከም ዘላ እውን ሓቢራ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ታንዛንያ፡ ከም “ተንስእ - ተንሲእካ ሓራ ኣውጽኣኒ” ዝኣመሰሉ ብተጣባቒት ውሽጢ ዓዲ ሲልቭያ ሩኣምቦ ዝምራሕ ተበግሶታት፡ ኣብ ቁጠባዊ ዓለም ተሓቛፍነት እሱራትን ኣብ ሓደጋ ዝርከባን ደቂ ኣንስትዮ ዝብል መደብ ከም ኣብነት ትጠቅስ።
ስልጠናን ዞባዊ ዓውደ መጽናዕትታትን
ንተንጋ ኣስዒባ፣ ዓቕሚ - ህንጸት ኣብ ውድብ ዓለም ሓቆፍ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ማእከላይ ደረጃ ምዃኑ ኣመልኪታ። እቲ ትዕዝብቲ ዞባዊ ዓውደ መጽናዕትታትን ስልጠናታትን ከም ዘዳልውን እዚ ድማ ኣብ ኬንያ ካብ 25 ሃገራት ንልዕሊ 200 ደቂ ኣንስትዮ ዘሰልጠነ ዓቢ ፍጻመ ከም ዘሳለጠን፣ ኣብ 2023 ኣብ ታንዛንያ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ 21 ሃገራት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ዘራኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኡጋንዳ ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ዓ.ም. ሰፊሕ ስልጠና ከተአንግድ ተዳልያ ኣላ። እዞም ዓውደ መጽናዕትታት ኣብ ምሕንጻጽ እማመታት፡ ምእካብ ገንዘብ፡ ምጉስጓስን ማሕበራዊ ስጉምትን ዘተኮሩ እዮም።
ዓለም ሓቆፍ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም - WWO ብተወሳኺ ዘይ - ረአይ ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ከም ዝዘርገሐን ኣብ ዞባታት ናይቲ ምንቅስቓስ ንምስፋሕን ርኡይ ንምግባርን ጎስጓሳት ዘነቓቕሕ እውን ምዃኑ ተመላኽት።
ድምጺ ኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስማዕ
ኣብ 2022 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም - WWO ኣብ መላእ 42 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከባ ልዕሊ 10 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ምስክርነት ብምስማዕ፡ ፍሉይ ዝኾነ "ብኽያት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ" ዝብል ወፍሪ ከም ዘበገሰ ገሊጻ፣ እቲ ወፍሪ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ብድሆታት፡ ጽንዓትን ባህግን ንምርዳእን ንምስናድን ዝዓለመ እዩ። ካብዚ ጻዕሪ ዝተረኽበ ውጽኢት ንናይ ከባቢ መደባት ንምቕራጽን ቀዳምነታት ጓሳ ንምሕባርን ክውዕል ምዃኑ ተብርህ።
ዘላቒ ምሕዝነት ምህናጽ
ኣመራርሓ ዓለም ሓቆፍ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ምስ ምምሕዳራት ከባቢ ምትሕብባር ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ማሕታ ከም ዝህልዎ ኣመላኺታ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ምስ መንግስታዊ ትካላትን ኣኽበርቲ ሕግን ምስ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያንን ዝምድና ንምህናጽ ዝግበር ጻዕርታት ተጠናኺሩ ይቕጽል ኣሎ። ዓለም ሓቆፍ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም - WWO እውን ከም ማሕበራዊ መርበባት ተጠቒሙ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ዕደ ጥበብ ትሕተ ቅርጹ ብምዕባይ ኣብ መላእ ሃገረ ስብከታት ኣፍሪቃ ውክልናኡ የስፍሕ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ፣ "እዚ በይንና ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ ነባሪ ለውጢ ንምምጻእ ደገፍ መንግስታት፡ መራሕቲ ቤተክርስትያንን በረገሳውያን ማሕበራትን የድልየና" ትብል።
ስነ ሜላዊ ለበዋታት ዓለም ሓቆፍ ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ
ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ንዝመጽእ ዓመት ዝምልከት ሜላዊ ለበዋታት ኣቐሚጡ ኣሎ።
እዚኦም ድማ ንኹሎም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣህጉራዊ ወከልቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምውህሃድ ኣኼባ ምውዳብ፣ ብስነ ኣሃዝ እተራቐ ምዕባለ ዘማእከለ ስልጠናን መርበባት ወከልቲ እቲ ትካላን ምስፋሕ፣ ብሉጻት ልምድታትን መጽናዕትታት ፍጻመታትን ጸጋታት ዝሓዘ ቤተ - መጻሕፍቲ ምፍጣር፣ ከምኡ’ውን ምስ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምንቅስቓሳትን ምሕዝነት ምሕያል ዝብሉ ይርከብዎም።
እቲ ዓለም ሓቆፍ ትካል ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ 28 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2025 ዓ.ም. ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ዞባዊ ዋዕላ ኣፍሪቃ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ብእምነት፣ ብተግባር ዝተመርኮሰ ኣገልግሎት ንደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዘለዎ ተወፋይነት ዘይንቕነቕ ምዃኑ ገሊጸ፣ ትዕዝብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ብዝዓበየ ኣሰር እግሩን ብእምነት ዝምራሕ ተልእኾኡን ኣቢሉ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንሓባራውነት፡ ክብርን ለውጢ ዘምጽእ መቐይሮ ኣገዳሲ ሓይሊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ኣስተብሂላ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።