ካሪታስ ኢየሩሳሌም፡ ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ጸገም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካሪታስ ጨንፈር ኢየሩሳሌም ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ሰባት ህይወት ንምድሓን ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ግብረ - ሰናይ ይቕጽል ከም ዘሎ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፣ ደድሕሪ እቲ ዓርቢ ዕለት 13 ሰነ ኣብ ኢራን ዝጀመረ ናይ እስራኤል መጥቃዕቲ፣ ትካል ረድኤት ቤተ - ክርስትያን ኣብዚ ሓድሽ ክፉት ውግእ እዚ ናይ ግብረ - ሰናይ ጻዕርታታ ኣብ ምቕጻል ዘለዎ ሓደጋ ይግምግም ምህላዉ ሓቢሩ፣ እንተዀነ ግን "ህዝቢ ንምሕጋዝ ከም ዓብዪ ማሕበርን ማሕበራዊ ኣጽዋርን ቤተ - ክርስትያን ኣብ ግንባር ከም ዝርከቡ የረጋግጽ።
ሕጽረት መድሃኒት
ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኢየሩሳሌም ህጹጽ ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ ዓሰርተ ኣሃዱታት ሕክምና 122 ኣባላት ኣዋፊሩ ከም ዘሎን፣ ስርሖም ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ብዘይምቁራጽ ይቕጽሉ ከም ዘለዉን፣ ነቲ ጽዑቕ ሕጽረት መድሃኒት፡ መግቢ፡ ዝስተ ማይ ብምጥቃስ፡ እቲ ኩነታት ጽንኩር ከም ዝኾነን፣ ብዝተኻእለ መጠን መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ምቕራብ ይርከብ። ሕጂ ግን ዘሎ ቀረብ ኩሉ ይውዳእ ብምህላዉን ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ወይ ካልኦት መሻርኽቲ መድሃኒታት ከም ዝበጽሖ የመላኽት።
ሓላፊ ካሪታስ ኢየሩሳሌም ነቶም ኣብ ቓዛ እትርከብ እንኮ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቆሞስ ኣባ ገብርኤል ሮማነሊ ክበጽሕዎም ኣብ ዝኽእልሉ እዋን ብኣካል ከም ዝራኸብዎም እውን ሓቢሩ፣ ነቶም ኣብታ እንኮ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣባይቲ ስድራ እውን ሓገዝ ነቕርብ ቢሎም፣ ነቶም ኣብ ጽንኩር ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ንምሕጋዝ ዝከኣለና ንገብር ኣለና፡ ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ገማግም እውን ምስ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ብምትሕሓዝ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍ መደባት ክጅምረ ከም ዝኾነ ሓቢሩ፣ እቲ ኲናት ክቋረጽ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ዝሓሸ መዓልቲ ከም ዝመጽእ ተስፋ ንምግባር ልዕሊ ኩሉ ኣብ እምነት ንምርኮስ ምስ በለ፣ "ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ተጻዋርነት ክህሉን ተስፋ ንምንቕቓሕ ንፍትን ኣሎና - ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መሻርኽቲ ንዝገበርዎ ደገፍ ኣተባቢዑ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።