MAP

ኣብ ተህራን ካርዲናል ማቲዩ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዘተ ክካየድ ይላበዉ ኣብ ተህራን ካርዲናል ማቲዩ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዘተ ክካየድ ይላበዉ 

ኣብ ተህራን ካርዲናል ማቲዩ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዘተ ክካየድ ይላበዉ

ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሊቀ ጳጳሳት ቴህራን - ኢስፓሃን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዩ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውገድ ተላብዮም ጻውዒት ሰላምን ዘተን ከም ዘመሓላለፉ ኤሽያን ንውስ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቴህራን - ኢስፓሃን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ካርዲናል ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዩ ንኤስያኒውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝተራእየ ወሰኽ ዓመጽ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዕላማታት ኢራን -  ቴህራን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ “ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰዓታት፡ ሕጂ’ውን፡ ሰላም ኣብ ክንዲ ኣብ ዙርያ መኣዲ ዘተ ተራኺብካ ካብ ምድላይ፣ እቲ ዘሕዝን ወተህደራዊ መጥቓዕቲ ክምረጽ ንርእይ ኣሎና . . . እቲ ዘድሊ “ኣብ ምርድዳእ ብዝተመስረተ ዘተ ዝድለይ ሰላም ክነግስ ንጸሊ። ነዚ መስርሕ እዚ መንፈስ ቅዱስ ክመርሖ እውን ንምህለል።”

ዞባውን ኣህጉራውን ስክፍታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ካርዲናል ማቲዮ፡ ንማእከላይ ምብራቕ ዝሽፍን ሰፊሕ ግጭት ከጋጥም ዘክእል ሓደጋ  ምህላዉ ኣጠንቂቖም። “እቲ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ ምብራኽ ኲናት ዝፍጸም ዘሎ ይመስል” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ኣገልግሎት ኤሺያነውስ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣

ኣቐዲሞም ኣብ ኢራን ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስትያን መንነት “ብመስቀልን ተስፋን” ዝልለ ምዃኑ ገሊጾም፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ጽኑዕ ምትእስሳር” ከም ዝነበሮም ገሊጾም፣ ኣብቶም ተካኢኦም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ ጽኑዕ ምትእስሳር እዚ አሐዲሶም፣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብምጥቃስ “ተስፋና ልዑል እዩ - ቢሎም -  ኣብ ኢራን ካብ ጠቕላላል 84 ሚሊዮን ህዝቢ 22,000 ጥራሕ ክርስቲያን ምዃኑ ገሊጾም፣ ካብዚኦም ድማ እቶም ዝበዝሑ ከለዳውያንን ኣርመንያውያንን ካልእ ክርስትያናዊ ልምድታት ዝውክሉ ኮይኖም እቲ ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተል ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኢራን እቲ ዝወሓደ እውን እንተኾነ ንፍጡፍ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ብድሆታት እኳ እንተሃለወ ኣብ ኢራን ቀጻሊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምልክት ግሉጽነትን ሕውነትን ምዃኑ ኣጒሊሖም፣ ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንዘተ ዝገብርዎ ተወፋይነት ብፍላይ ድማ ምስ መራሕቲ ሺዓ ካብ ቖም ዘካየድዎ ርክብ ብምዝካር ግደ ቤተ ክርስቲያን “ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ሃገር” ናይ ምውህሃድን ህላወን ምዃኑ ገሊጾም። “ሓድሓደ ግዜ፡ ማዕጾታት ዝተዓጽዉ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ገና ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት ኣለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ማዕጾታት እውን ከይተረፈ ዝጽልዩ” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞታት፣ “ብጸሎት እንተዘይኮይኑ ብዙሕ ነገራት ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ እንክብሉ ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ቤተ ክርስቲያን ባህላውን ሃይማኖታውን ዶባት ሰጊራ ድልድል ምህናጽ ክትቅጽል ምዃና ኣረጋጊጾም ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

14 Jun 2025, 17:52