ጳጳስ ሮድስ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዝምልከት ስክፍታታት የጉልሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ቅነ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰንበት ዕለት 22 ስነ ኣብ ፖለቲካዊ ምትፍናን ብምትኳር ተጀሚሩ፣ እዚ ድማ “ንሓደ ወይ ንኻልእ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ስነ - ሓሳብ ንምድጋፍ ንሓቅን ተኣማንነትን ንቤተ ክርስቲያን ዝግበር ምድላይ ምሕዳግ” ከስዕብ ይኽእል።
ውልትውና፣ ብፍላይ “ሰባት ካብ እምነቶም ንላዕሊ ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ክጽለዉ ምርኣይ” ንጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ንቤተ ክርስቲያን ፍልዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑ ጳጳስ ኬቪን ሮድስ ይገልጹ።
ካብ ስግር ስነ - ሓሳባዊ ጽላት ዝመጽእ ብድሆታት
ቅድሚ ሰሙን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ብዛዕባ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ጉዳይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ጳጳስ ሮድስ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዘስግእ ጉዳይ ካብ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ፖለቲካዊ ጽላት ክመጽእ ከምዝኽእልን ብየማንን ጸጋምን ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ስነ - ሓሳባዊ ተቓወምቶም ሃይማኖታዊ ናጽነት ክድርቱ ይፍትኑ ከምዘለዉ የመልክቱ።
ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይዚ ሰሙን ምስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝተኣሳሰር ዝተፈላለየ ጉዳይ ዝተወፈየ ምዃኑ ዝገለጹ ጳጳስ ሮድስ፡ እቲ ትኹረት ብዓቢኡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘጋጥማ ጉዳያት እኳ እንተኾነ፡ እቲ ሰሙን ኣህጉራዊ ሸነኽ እውን ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም - ሎሚ ዓመት ኣብ ናይጀርያን ኒካራጓን ኣብ ዘጋጥሙ ብድሆታት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘተኮረ እውም ምዃኑ ይሕብሩ።
'ኩነታት ስደት ኣይንጥምትን ኢና'
ብጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝለዓሉ ዘቤታዊ ጉዳያት ሓደ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንስደተይናታትን ተዓቖብትን እትህቦ ኣገልግሎት ዝምልከት ኮይኑ፣ "እዚ ማለት ኣብቲ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝምልከት ክትዕ ባዕሉ ንሳተፍ ኣሎና ማለት ኣይኮነን" ቢሎም፣ የግዳስ "ምስ ዓቕምና፡ ናጽነትና፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቅራብ ወይ መንበሪ ገዛ፡ ነቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ሓገዝ ምሃብ ዝተኣሳሰር እዩ። ስለዚ ናይቲ ስደተይና ዘለዎ ደረጃ ወይ ዂኔታ እንታይ ምዃኑ ኣይንጥምትን ኢና - ሰብ ከም ሰብ ምምልካት ዝብል ወንጌላዊ ትምህርቲ እዩ መርገጺና! ቤተ - ክርስትያን ንእተሸገሩ ንምሕጋዝ ዘለዋ ዓቕሚ ዘወርድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዝፍጸም ከቢድ ግህሰት እዩ” ኢሎም።
መሰል ወለዲ ኣብ ስነ መዕበያ ደቆም
ጳጳስ ሮድስ ቅነ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዘጉለሖም ጉዳያት ብዓቢኡ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻብ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብታ ሃገር ዝተመርኮሰ ምዃኑ ኣብሪሆም። ኣብዚ ዓመት ካብ ዝዓበዪ ብድሆታት፡ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ስነ ሕክምናዊ መርመራ መጽገን ዘርኢ ተብዕታይን ካብ ማህንጸት ወጻኢ ድቂ ክፈሪ ምግባርን ካልእ ክብሪ ህይወት ወዲ ሰብን ከምኡ እውን ምርጫ ወለዲ ኣብ ስነ መዕበያ ደቆም ዘየኽብር ኣገባባትን ካልእ ክብሪ ህይወት ወዲ ሰብን ምርጫ ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ደቆም ዘየኽብር ኣገባባትን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብሪሆም፣ እዚ ዳሕረዋይ “ካልእ ኣዝዩ ኣበርቲዕና ዝሰራሕናሉን እንሰርሓሉ ዓውዲ እዩ - ቢሎም - ጳጳስ ሮድስ “ብሰንኪ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ትምህርቲ ብቐንዱ ናይ ወለዲ ሓላፍነት እዩ” ዝብል እምነትና እዩ።
ወለዲ፡ "ደቆም ኣብ ዝመረጽዎ ኣብያተ ትምህርቲ፡ እንኮላይ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ክመሃሩ ናይ ምውሳን ናጽነት ክህልዎም ኣለዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሌና ኣድልዎ ይፍጸም፣ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝግበር ኣድልዎ ዘይፍትሓዊ” እንክብሉ ይገልጽዎ።
ብቅዱሳን ዝተደፋፍአ
ጳጳስ ሮድስ ኣብ መደምደምታ መግለጺኦም፡ ቅነ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት በዓል ቅዱስ ቶማስ ሞርን ጆን ፊሸርን ክልቲኦም ምእንቲ ሓርነት ዝተሳቐዩን ንንጉስ እንግሊዝ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ላዕለዋይ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝብል ውሳኔ ብምቅዋም ዝተሰውኡ። ሃገሮም ብሓቂ እኳ እንተ ፈተውዋ፡ “ናይ መወዳእታ ተኣማንነቶም ንክርስቶስን መንግስቱን እዩ ነይሩ - ቢሎም - ብተመሳሳሊ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል እቶም እምነቶም ካብ ምኽሓድ ሰማእትነት ዝመረጹን ምእንቲ እምነቶም ዝተሰውኡን ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስን ኣብ ኽበረሉ ዕለት ቅነ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝዛዘም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ “ናይዞም ክልተ ኣብ ሮማ ዘተቐትሉ ሰማእታት እምነት በዓለ ዝኽርን ቅነ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ንዓና እውን ኣዝዩ ትርጉም ኣለዎ፣ ከምኡ እውን ነቶም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንምክልኻል ዝሰርሑ ኣስተንፍሶ እዩ” ኢሎም።