MAP

NMACEDONIA-RELIGION-ORTHODOX-EASTER NMACEDONIA-RELIGION-ORTHODOX-EASTER  (AFP or licensors)

ብፁዕ ኣቡነ መየር፦ ሓባራዊ ዕለት በዓል ትንሳኤ ዝውሰነሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ ይብል

ብፁዕ ኣቡነ በርትራም መየር ንኣብያተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሓባራዊ ዕለት በዓል ትንሳኤ ኺሰማምዓ መጸዋዕታ የቕርቡ። ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ጳጳሳት ጀርመርን፣ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ እተገብረ ዋዕላ "እቲ ግዜ በጺሑ ኢዩ፣ እቲ ድላይ ድማ ኣብ ቦትኡ ኣሎ" ክብሉ ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣጉስበርግ ከምዚ በሉ - "ኣምላኽ ነቶም ኣብ ኣብያተ-ክርስትያንና ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፣ ድሕሪ ሓጺር እዋን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጥበብ ዝመልኦ ውሳነ ምእንቲ ኽገብሩ ይመርሖም ኣሎ። ክርስትያናዊ ዓለም "ትርጕም ዘለዎ ምልክት ሓድነት" ንምርካብ ሃረር ይብል ኣሎ።
ብፁዕ ኣቡነ መየር ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ዋዕላ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊ መጥሮጵሊሳዊ ዓመታዊ ጉባኤ መደረ ኣቕሪቦም ። ኣብቲ ዝሃቦ ኣስተምህሮ ብዛዕባ እቲ 1,700 ዓመት ይገብር መሰረት ክርስትያናዊ እምነት ዝገለጸ ጉባኤ ኒቅያ ኣመልኪቶም ውን ተዛረቡ። እቲ ውሳኔ ኽሳዕ ሕጂ ንኣብያተ-ክርስትያን ቀያዲ ጉዳይ እዩ። እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዓቢኡ ዕዉት ዝነበረ ብዛዕባ ዕለት በዓል ትንሳኤ ሓደ ዓይነት ውሳኔ ክገብር እኳ እንተ ፈተነ፣ እተፈላለየ ዓውደ-ኣዋርሕን ሜላታትን ስለ እተጠቕሙ ግን ክዕወት ኣይከኣለን። በዓል ትንሳኤ ኣብ ምብራቓውያንን ምዕራባውያን ኣብያተ-ክርስትያንን እንተላይ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኢዩ ተባዒሉ።

ብፁዕ ኣቡነ መየር እቲ ኣብ ጉባኤ ክርስትያናዊ ትውፊትተቐባልነት ዝረኸበ እምነት ኣገዳሲ ምዃኑ ውን ኣጕልሐ ። "ብመለኮቱ ምስ ኣቦ ትኽክል ዝኾነ፣ እዚ ሓሳብ እዚ ንሃይማኖታዊ ታሪኽ ክርስትና ብቘራጽነት ዝቐረጸ ኻልእ ዓንቀጽ እንታይ እዩ?" ክብሉ ውን ሓተቱ።
ኣዋጅ ኣምላኽነት ኢየሱስ "ንእምነት መሰረታዊ እዩ፣ በዚ መሰረት እዚ ጥራይ እዩ ከአ ኣብ ኢቁመናዊ  ምዕባለ ኺግበር ዝከኣል። "ጉባኤ ኒቅያ" ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ" ኣምላኽ ምዃኑ እውን ገለጸ። ኣብ ግዜን ባህልን ሲኖዶስ ምትሕብባር ቀጻሊ ዓይነት ሓድነት ቤተ-ክርስትያን ንምዃን መርኣያ ይኸውን ኣሎ።
ሓላፊ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኾኑ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ በርተሎሚው ቀዳማይ ንብፁዕ ኣቡነ ሜየር "ሓደ ኻብቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ዘለዉ ኣብ ክርስትና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሰባት" ብምባል ውን ነኣድዎም። "ሓደ ኻብቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ክርስትና ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ሰባት" ከም ዝዀኑ ውን ገለጹ፣ እዚ ድማ ብምኽንያት ስልጣኖም ጥራይ ዘይኰነስ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኢቁመናዊ ጠመተ ዘለዎም ተበግሶታትን፣ ደኺመ ኸይበሉ ዝገበርዎ ዘለዉ ቘራጽነትን ውን ንኣድዎም ሰላማዊ ሕብረተሰብ ከምኡውን ተልእኾታት ንምቕጻል ዘለዎም ቘራጽነት ውን ገለጹ። ሓደ ሰብ "ነቲ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ በርተሎሚው ምስቶም ሓድሽ እተመርጹ ናይ ሮማ ጳጳሳ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዝወስድዎ መገዲ ብሃንቀውታ ኽጽበዮ ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ድማ ካብ ጉባኤ ኒቅያ ዝጀመረ መገዲ ኢዩ" ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

13 Jun 2025, 15:09