MAP

ኣብ ኬንያ ደናግል በነዲክታውያን ብሰንኪ ዓመጽ መሳለጥያታተን ይዓጽዋ ኣብ ኬንያ ደናግል በነዲክታውያን ብሰንኪ ዓመጽ መሳለጥያታተን ይዓጽዋ 

ኣብ ኬንያ ደናግል በነዲክታውያን ብሰንኪ ዓመጽ መሳለጥያታተን ይዓጽዋ

ኣብ ኬንያ ድሕሪ መቕተልቲ ክልተ ካህናት ኣብ ጎልጎል ኬሪዮ፡ ኣባላት ማሕበር በነዲክታውያን ልኡካነ ወንጌል ደናግል ቅዱስ ልቢ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ኣገልግሎት ዝህባሉ ኣባይቲ ከም ዝዓጸዋ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኬንያ ጎልጎል ኬሪዮ ዝርከብ ኣባይቲ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ደናግል በነዲክታውያን ቅዱስ ልቢ፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዝረአ ዘሎ ዓመጽ ምኽንያት ዝተፈላለየ ማሕበራውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ዝህባሉ ኣባይቲ ክዓጽዋ ከም እተገደዳ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ጠቒሱ እንከመላኽት ኣስዒቡ፣ እቲ ማሕበር ደናግል ነዚ ውሳኔ እዚ ክውስድ ዘገደዶ ኣብቲ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ዓመጽን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ኣገልግሎት መደባት ዝዋፈሩ ሰራሕተይናታት ካብቲ ከባቢ ይወጹ ብምህላዎም ምዃኑ ይሕብር።

ውሕስነት ድሕነን ጸጥታን

እናቴ ፓስካል እቲ ውሳነ፡ “እቲ ከባቢ ንኣገልግሎት ውሑስ ክሳብ ዝኸውን፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መደብራት ተልእኾ ንዘይተወሰነ ግዜ ምዕጻው” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሀን፣ እቲ ምዕጻው “ድሕነት ናይተን ኣብቲ ዞባ ዝሰርሓ ደናግልን፡ ሰራሕተይናታትናን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ናብ መውሃቢ ኣገልግሎትና ዝበጽሑ ውሕስነት ንምርግጋጽ ዝዓለመን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዓመጽ ንምውጋድን ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ መንግስቲ ኣበርቲዑ ክዓዩ ጸቕጢ ንምግባር እውን  እዩ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝፍጸም መጥቃዕቲ

ክልተ ካህናት ኣብ መንጎ ሒደት መዓልትታት ምስ ተቐትሉ ዝተወስደ ውሳነ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፣ ዕለት 15 ግንቦት ኣባ ጆን ንዴግዋ ማይና፣ ዕለት 22 ግንቦት ድማ ኣባ ኣሎይስ ቸሩዮት ከም እተቐትሉን ናይ ኪነያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኪሱሙ ሊቀ ጳጳሳት ማውሪሰ ሙሃቲማ ኩምባ "ኣብ መጻኢ ድሕንነት ካህናትናን ኵሎም ኬንያውያንን ንምርግጋጽ መንግስቲ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር” ጻውዒት ኣቕሪቦም ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ክምርመር እውን ብኣጽንዖት ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

04 Jun 2025, 14:58