MAP

መልእኽቲ ጳጳሳት ኦስትሪያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግራዝ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መልእኽቲ ጳጳሳት ኦስትሪያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግራዝ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ  

መልእኽቲ ጳጳሳት ኦስትሪያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግራዝ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

እቶም ግዳያት ናይቲ ብሓደ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ ምናልባት ተማሃራይ ነበር፡ ድሒሩ ነብሱ ዝቐተለ ብዝፈነዎ ተዂሲ ካብ 14 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝኾኑ ተመሃሮ ከም ዝቐተለን ገሊኦም እውን ከም ዝቖሰሉን ክሕበር እንከሎ፣ ጳጳሳት ኦስትሪያ በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ሓዘኖም ገሊጾም ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ነቶም ተመሃሮም ጸሎትምን ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኦስትሪያ ዞባ ስቲርያ ማእከል ከተማ ግራዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብሓደ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ ምናልባት ተማሃራይ ነበር ክኸውን ከም ዝኽእል ብዝንገረሉ ዕለት 10 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ኣብ ልዕሊ ክልተ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዝርከቡ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ግራዝ ብዝፈጸሞ ናይ ተኹሲ መጥቓዕቲ 10 ተመሃሮ ከም ዝቐተለን ካልኦት 28 ተመሃሮ ድማ ከም ዘቝሰለን ገሊኦም ካብኣቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዝርከቡ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ሓበሬታ ኦስትሪያ ጠቒሱ የመላኽት።

ሃገራዊ ሓዘን

ኣብታ ሃገር ንሰለስተ መዓልታት ሃገራዊ ሓዘን ከም እተኣወጀን መራሔ መንግስቲ ኦስትርያ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ “ኣብ ታሪኽ ኦስትሪያ ጸላም መዓልቲ” እንክብል ብምግላጽ፣ "እቲ ተኹሲ ኣዝዩ ዘሰንበደና ሃገራዊ መዓት ሓዘን እዩ፣ ነቲ ቃንዛ ዝገልጽ ቃላት የብልናን ሃገርና ኣብ ከቢድ ሱቕታ ቃንዛ ትርከብ ኣላ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓዘን ጳጳሳት ኣውስትሪያ

ጳጳሳት ኦስትሪያ በቲ ጃምላዊ ተኹሲ ዝተሰምዖም ስንባደ ገሊጾም፣ ነቶም ዝተጎድኡ ጸሎቶምን ደገፎምን ኣረጋጊጾም፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዊልሄም ክራውትዋሽልን ተራዳኢ ጳጳስ ዮሃንስ ፍሬይታግን ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ፍጻመ ምስተሰምዐ ብኡንብኡ ስንባደኦም ገሊጾም፣ "እዚ ኣብ ግራዝ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ኣደንጽዩናን ሰንቢድናን፣ ዓሚቕ ሓልዮትን ርህራሄን ንተማሃሮ፡ ሰራሕተይናታት መምህራንን ኣባይቲ ስድራን ነቕርብ - ቢሎም - ነቶም ዝተጎድኡ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፡ ንኹሎም እቶም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተመሕጺኖም “ነቶም ዝተጎድኡ ድጋፎም ንዘቕርቡ ዘለዉ ኵሎም ድማ ነመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Jun 2025, 15:59