MAP

መግለጺ መደበይና ጉባኤ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ደማስቆ መግለጺ መደበይና ጉባኤ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ደማስቆ  (ANSA)

መግለጺ መደበይና ጉባኤ ጳጳሳት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ደማስቆ

ዕለት 22 ሰነ ኣብ ደማስቆ ኣብ እትርከብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኤሊያስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ለኪምካ ምጥፋእ ኣማእኪሉ፣ መደበይና ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬት፣ ነቲ ዓመጽ ዝኹንን ሓለዋ ክርስቲያን ዝጽውዕን መግለጺ ከም ዘውጽአ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ደማስቆ ናይ ግሪኽ ስርዓት ኣብ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኤልያስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ለኪምካ ምጥፋእ፣ 25 ሰባት ከም ዝቐተለን 63 ሰባት ድማ ከም ዘቝሰለን መደበይና ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቅድስቲ መሬት ብምዝኽካር፣ እቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ “ከቢድን ዓሚቝ ጽልእን” ዝገልጽ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ዝተሰመዖም ዓሚቝ ሓዘን ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዘይንገር ግብሪ ክፍኣት

ጉባኤ ካቶሊካውያን ኣብ ቅድስቲ መሬት (ACOHL) ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል፡ ዮርዳኖስን ቆጵሮስን ኣብ ቅድስቲ መሬት ስልጣን ዘለዎም  ጳጳሳት ኤጳርቃውያን ኤክሳርቃውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓቁፍ ክኸውን እንከሎ፣ “ንጹሓት ምቕታልን ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃይማኖትዊ ማሕበረሰብ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቓዕቲ ሃይማኖታዊ፡ ግብረ ገባዊ ወይ ዝኾነ ርትዓዊ - ምኽንያት ዘይብሉ እዩ። ክህልዎ እውን ዘይከኣል እዩ” እብክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ፣ ነቲ ኩሉ ቅዱስ ዝኾነ ዝጻረር ሰይጣናዊ ተግባር ክንገር ዘይክእል ክፍኣት - ገበን ኣንጻር ደቂ ሰባትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጢኣትን” ምዃኑ ብኣጽንዖት ኮኒኖም፣ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ 2019 ዓ.ም. ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርእስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ኣብ ዝገበርዎ ሰነድ፥

"ምሕላው ናይ ኣምልኾ ቦታታት - ምኩራብ፡ ኣብያተ ክርስትያንን መሳጊድን፡ ሰብኣዊ ክብርታት፡ ሕግታትን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ዝተረጋገጸ ግዴታ እዩ። ዝዀነ ይኹን ንኣምልኾ ቦታታት ንምጥቃዕ ወይ ብዓመጽ: ብቦምባታት: ወይ ብጎነጽ ንምፍርራህ ዝግበር ፈተነ ምስ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝጻረር እዩ።

ዝብል ሓሳብ ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብሰላም ክነብሩ መታን

ብጀካ እዚ፡ እቲ መደበይና ጉባኤ ነቲ “ባርባራዊ ተግባር” ብምኹናን “ብስም ሃይማኖት ንዝፍጸም ዓመጽ ንምምኽናይ ዝጽዕሩ ስነ - ሓሳባት” ብምንጻግ፡ ንፓትርያርክ ግሪኽ ኣንጾክያን መላእ ምብራቕን ጽንዓት ይሃብ ቢሎም፣ ምስ ኩሎም ኣብ ሶርያ ንዓመታት ኣደዳ ኣሳዶ ዝኾኑ ዘለዉ ማሕበረሰባት ክርስትያን ዘለዎም ቅርበት ኣረጋጊጾም፡ ነቶም ግዳያት ጸሎት፡ ንውጉኣት ፈውሲ፡ ንዝተጎድኡ ኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም፣ ብተወሳኺ፡ ሰበስልጣን ሶርያ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ክርስትያናት ብውሑስ መንገዲ ክነብሩን ኣብ ህይወት ዓዶም ምሉእ ኣበርክቶ ክገብሩን፣ ሓለዋን ናጽነቶምን ውሑስ ንምግባር ክሰርሑ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ሓቢሮም መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአ ዘሎ መዓታዊ ኲናት ከብቅዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኲናት ነባሪ ፍታሕ ዘይህብ ሽግራት ዘጋድድን ዓሚቕ ቁስሊ ዝፈጥርን ጥራይ ምዃኑ ኣዘካኺሮም፣ “ህዝብታት ማእከላይ ምብራቕ - ብፍላይ ድማ እታ ፍቕርቲ ሶርያ - ኣብ መወዳእታ ብሰላምን ብኽብርን ሓባራዊ ሰብኣውነትን ምእንቲ ክነብሩ፡ እቲ ዓዘቕት ጽልእን ጽንፈይናነትን ካብ ስሩ ክምሐው ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 Jun 2025, 15:50