MAP

ፍራንቸስኮ ብናይ ሉተራን መራሕቲ ከም ሃናጺ ድልድል ተባሂሎም ይዝከሩ ፍራንቸስኮ ብናይ ሉተራን መራሕቲ ከም ሃናጺ ድልድል ተባሂሎም ይዝከሩ   (Vatican Media)

ፍራንቸስኮ ብናይ ሉተራን መራሕቲ ከም ሃናጺ ድልድል ተባሂሎም ይዝከሩ

ናይ ዓለም ሓቆፍ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዋና ጸሓፊም መጋቤ ዶክተር ኤን ቡርግሃርድት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፣ ኣብ ናይ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ሓድነትን ሓቛፍነትን ዕርቅን ሕድሪ ኣስተንቲነን፣ ምስክርነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣመንቲ ምንጪ ምትብባዕ ምዃኑ ድማ የረጋግጻ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ብሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ እትሓዝነሉ ዘላ እዋን፣ ካብ መላእ ክርስትያናዊ ጽላት ዝመጹ መራሕቲ ከም ጳጳስ ሮማ ጥራይ ዘይኮኑስ ከም ዘይሕለል ተጣባቒ ሓድነትን ዘተን ፍትሕን ይዝክርዎ።

መጋቢት ዶክተር ኣን ቡርግሃርት ዋና ጸሓፊት ዓለም ሓቆፍ ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር (LWF) ቀዳመይቲ ነዚ ስልጣን ዝሓዛ ጓለንስተይቲ፣ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣዝዮም ተበጻሒ፣ ኣዝዮም ትኩር፣ ኣዝዮም ክፉት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ምዃኖም ብቀረባ ዝራእኽዎ ተመክሮይ እዩ . . .  እዚ ድማ እቲ ሓዲጎምልና ዝሓለፉ ሕድሪ እዩ። ተራ ደቂ ኣንስትዮ ክብ ዘበሉን ኣብ ወሳኒ ሓላፍነት እውን ዘብጽሑ እዮም።  እዚ ንካቶኪካውያን ጥራይ ዘይኮነ ንብዙሓት ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ኣስተንፍሶ እዩ” ኢለን።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዶክተር ቡርግሃርት  ኣብ እዋን ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝነበሮም ተወፋይነት እውን ኣመልኪተን፣ “ሲኖዶስ ብኸመይ ከም ዝካየድን ደቂ ኣንስትዮ ድምጸን ክስማዕ ጥራይ ዘይኮነስ ድምጺ’ውን ክህባ ምግባሮም እዚ ብሓቅ ምርኣይ ንብዙሓት ኣስተንፍሶ እዩ” ኢለን።

ብሓባር ምጉዓዝ

መጋቤ ዶክተር ቡርክሃርት ንፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኤቍመናዊ መዳይ ዝነበሮም መብጽዓ ብፍላይ ከኣ ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል መሰረት ሓድነት ክርስቲያን ዘጒልሑ ምዃኖም ኣረጋጊጸን፣ ነቲ ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ካቶሊክን ሉተራውያንን ቲዮሎጊያዊ ዘተ ብምጥቃስ፣ "ኣብ ምእተዊ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ክንጅምሮ ዝኾነ ሻድሻይ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ፣ ክካየድ ብምዃኑ ድማ ሓጎስ ይፈጥረለይ . . . ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝገለጽዎ፣ 'ብሓባር ምጓዓዝ’ ዝብል መሰረት ሓድነት ክርስቲያን' ብግቡእ ክነሰጉም ተስፋ ኣሎኒ። ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ንክርስትያን ብዛዕባ እቲ ሓባራዊ ጥምቀት ኬዘኻኽሩን ንዅሎም ሰባት "ነጋድያን ተስፋ" ኪዀኑ እንክብሉ ዘቕረብዎ ምዕዳን ዘኪረን፣ እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ተልእኾ ዓለም ሓቆፍ ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ኣብቲ ኣብ 2030 ዓ.ም. ክበዓል ዝኾነ መበል 500 ዓመት ዝኽሪ ናይ ሉተራን ቤተ ክርስቲያን ኑዛዜ እምነት ኣብ ኣጉስበርግ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎ ድማ የስተብህላ።

ጻውዒት ንሓድነት

ፍራንቸስኮ ኣብ ምድንፋዕ ሓድነት ዘለዎም ሕድሪ ብዝምልከት ዝተሓተታ ዶክተር ቡርግካርድ “ብርግጽ ሓደ ካብቲ ዝሓየለ ውርሻታቶም ንሓድነት ዘቕረብዎ ጻውዒት እዩ። እዚ ጻውዒት እዚ - ንክርስትያናዊ ሓድነት ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እንረኽቦ ወዲ ሰብ ዘሎ ውጅሒ ሕውነት ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል እውን እዩ። ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባት ውልትውና ስልጣን ዝሕዝ ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ህይወት ዝመጹ ሰባት ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝነበሮም ድሌት ኣዝዩ ሓያል ውርሻ'ዩ ዝመስለኒ፣ በዚ መንፈስ'ዚ ክንከይድ ከም እንኽእል ድማ ተስፋ እገብር፣ ኣብዚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰባት ውልትውና ስልጣን ዝሕዝ ኣብ ዝመስለሉ ዘሎ እዋን እዚ ኣዝዩ ሓያል ውርሻ'ዩ" ይብላ።

ኣብዛ እናተበታተነት እትኸይድ ዘላ ዓለም ንኤቑመናውነት  ዘለዎም ወሳኒ ኣገዳስነት ብምጉላሕ፣ “ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ንብዙሓት ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንገዛእ ርእሶም “ጳጳስ ሮሜ” ቢሎም ብምግላጽ ብተደጋጋሚ ዘርእውዮ ዝነበረ ምርጫ ንኻልኦት ክርስትያናት እውን “ኣብ ዙርያ ዘለዎ ተራ ክእከቡን ክራኸቡን ተኻኣሉ ገይሩ እዩ . . . ።

ዋና ጸሓፊት ዓለም ሓቆፍ ፈድራላዊ ማሕበር ሉተራናውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፣ እዚ መዳይ’ዚ ብቐጻሊ ክጎልሕ ዘለዎ ጒዳይ እዩ፣ ምኽንያቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ በቲ ናብቶም ዝተጨቆኑን ዝተገለሉን ኣብ ሕድጋት ዝተጠንጠኑን ዝነበሮም ኣቓልቦ፣ እቲ ብቐጻሊ ክንስዕቦ ዝግበኣና ድምጺ ወንጌል እዩ” ኢለን።

ጽምብል ተሓድሶ

ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝኽሪ በመል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽሳተፉ ኣብ ሽወደንም ከተማ ሉንድማልሞ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ድማ ዘኪረን - ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዩ ነይሩ . . . "እዚ ዓቢ ምዕራፍ እዩ ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብዘጋራጭ ትረኻታት ዝዝንቶ ዝነበረ ታሪኽ ብሓባር ክተንብቦ ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጽ፡ ዓቢ ምልክት ዕርቂ'ዩ ነይሩ" ኢለን።

ሓድነት ከም መበገሲ ነጥቢ

ንቕድሚት እናጠመታ ድማ -  ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ናብ ዝዓበየ ምርድዳእን ሓድነትን ዝገብርዎ ጉዕዞ ክቕጽሉ ዘለወን ተስፋ ገሊጸን። “ነቲ ንቤተ-ክርስትያን እተዋህባ መንፈስ ቅዱስ ብምልላይ ኣብ መገዲ ምቅርራብ ክንቅጽል ተስፋ ኣሎኒ፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ ብሓባር ክንእከብ ኣጸጋሚ ጕዳያት ንምምይያጥ ንእተፈላለየ ኣረኣእያታትና ዝምልከቶ ቦታ ንምፍጣር ወትሩ ሓድነት ከም መበገሲ ነጥቢ ጌርና ምውሳድ ዝገማምዓና ኣይኰነን" ይብላ።

ፍራንቸስኮ፡ ምንጪ ኣስተንፍሶ

ኣብ መወዳእታ ቀሺ ዶ / ር በርግካርት - "ንብጾትና ካቶሊክን ንዅሎም እቶም ኣብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮ ምንጪ ኣስተንፍሶ ዝረኸቡ ክርስትያናትን ናይ እምነት ሰባትን ብዕረፍቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምኽንያት ዓሚቝ ሓዘነይ ክገልጸሎም እደሊ፣ ውርሻኦም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክቕጽልን ንሕናውን ብመንፈሶም ብትሕትና ኣብዛ ምድሪ ክንጓዓዝ ይደግፈና” እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

07 May 2025, 17:52