'ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ቤተ ክርስቲያን ንኤቁመናዊ ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሙ የረዳግጽ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ ብዝብል ኣርእስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ ኤቁመናውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝምልከት ዝደረስዎ ፍልዩ ዓዋዲ መልእኽቲ፣ ዕለት 25 ግንቦት መበል ሰላሳ ዓመት ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት፡ "ኣገዳስነት 'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ Unitatis Redintegratio - ተሓድሶ ሓድነት (ሕብረት ክርስቲያን) ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካ ዝሃንጽ ኮይኑ፡ ከምኡውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኤቍመናዊ ሓድነት ዘለዋ ተወፋይነት ብወግዒ ዘረጋግጽ” ምዃኑ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ምስራቕ መምህር ዲያቆን ዳኒኤል ጋላድዛ ይሕብር።
ዲያቆን ጋላድዛ ፡ ብዛዕባ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝትንክፍ ኣብ 'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘሎ መዳያት የጉልሕ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ሮማ ርክብ ዘይብለን ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት፣ "ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት" ዝብል ቃል ዝጥቀም ከም ዝኾነን፤ ከምኡ'ውን ቤተ ክርስቲያን "ብኽልተ ሳንቡእ ተተንፍስ" ዝብል ዝተሰምረሉ ኣምር ተወኪሶም፣ እዚ ማለት ኩሉ ጥንታዊ ትውፊታት ቤተ ክርስቲያን ምብራቕን ምዕራብን ዝውክል ምዃኑ ኣብሪሁ፣ 'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ይብል ጋላድዛ፡ ነቲ ክርስቶስ "ኩሎም ሓደ ክኾኑ" ዝብል ድሌት ዘጒልሕ ኮይኑ፣ ነቲ ናይ ኢየሱስ ቃል ኣርእስቲ ዝገበረ ምዃኑ እውን የዘኻኽር።
ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ፥ ሓደ ምእንቲ ክኾኑ
እቲ 'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ዝብል ኣርስቲ ዘለዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅድሚ ሰላሳ ዓመት እኳ እንተተጻሕፈ፡ ገለ ክፋል እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ እውን ንቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ተዛማድነት ኣለዎ። ከምቲ ዲያቆን ጋላድዛ ዘስተብህሎ፡ 'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ዓዋዲ መልእክቲ ንዓብይ ዓመተ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ዝጥምት ከም ዝነበረን፡ ሎሚ ድማ ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት 'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ዓዋዲ መልእኽቲ ብተመሳሳሊ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ይበዓል።
ከምኡ'ውን ገና ስምምዕ ወይ ምርድዳእ ዝጽበዩ ብዙሓት መዳያት እኳ እንተሃለዉ፡ ዲያቆን ጋላድዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ናብቲ ኣንፈት ሓደ ምንቲ ክኾኑ ዝብል ሕብረት "ዝተወሰዱ ስጉምትታት" እዚ ድማ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ይቕረታ ምሕታትን ቅርስታት ናብ ፓትርያርክ ቁስጥንጥንያ ምምላስን ዝብሉ ውሳኔታት ይጠቅስ።
ፕሮፈሰር ዲያቆን ጋላድዛ ኣስዒቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጳጳሳዊ ጽምብላት ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳውያን ወይ ወግዓውያን ልኡኻት ዝርከቡ ምዃኖም ኣጒሊሑ፣ እዚ ሕጂ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ “ዘገርም ነገር እዩ፣ ‘ኩሎም ሓደ ክኾኑ ይኽእሉ’ ዝብል ሓቀይና ምልክት ዳርጋ ከም ልሙድ፣ መዓልታዊ ፍጻመ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ኣሎ።”
'Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ካብ ዝሕተም ንደሓር፡ ብዙሓት ሰነዳት እውን ወጺኦም እዮም፡ ንኣብነት ብዛዕባ Filioqu ዘሰረጸ እምኣብ ወወልድ - ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ኒቅያ ዝተወሰኸን ብዛዕባ ቅድምና ር.ሊ.ጳ. ጳጳስ ዘሮሜ ዝምልከት መግለጺታት፤ ተስፋ ዝህቡ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ዓውደ ምጽናዕትታትን፤ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ዝግበር ምትእስሳር ዝምልከት ምንቅስቓስ ዝብሉ ኣዘኻኺሮም፣ ርክብ ምስ ምብራቓውያን ክርስትያን (ኣቢያተ ክርስትያን) ድሮ ትኹረት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፣ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብፍሉይ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል ዘካየድዎ ርክብ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዓበይቲ ፍጻሜታቶም እዩ።
ኢዮቤል ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት
ድሮ ቅድሚ ዕረፍቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ጳጳሳዊ መርሓ ዕለት ዝተመልከቱ መደብ ርካባትን ፍጻሜታት ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ድሕሪ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 “ብሓልዮት ኣምላኽ” ንቕድሚት ከም ዝቐጸሉን እቲ ንምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፣ “ኣገዳስነት ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ንቤተ ክርስቲያን ሮማ ዘጉልሕ ከም ምልክት ሓድነት” ፍሉይ ተመክሮ ምንባሩ ኣብቲ መደብ ዝተሳተፈ ዲያቆን ጋላድዛ የረጋግጽ።
እቲ ፍጻመ ብቐንዱ ነቶም ምስ ሮማ ሕብረት ዘለዎም ምብራቓውያን ክርስትያናት ዝዓለመ እኳ እንተነበረ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ ብዛዕባ ኤቁመናዊ ጉዳይ ብዝብልከት ብቐጥታ ዘይተዛረቡ እኳ እንተነበሩ፣ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነተን ምስ ሮማ ሓድነት ዘለወን ኮነ ዘይብለን ዝዛረብ እዩ ነይሩ፣ እዚ ብፍላይ "ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን እውን ንሓድነት ናይ ምዕያይ ጸዋዕታ ከም ዘለወን፡ ምስ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝሰማማዕ ሓድነት ዘለወን ከም ዝኾና ዘረጋግጽ" እዩ። እቲ Unitatis Redintegratio - ተሓድሶ ሓድነት (ሕብረት ክርስቲያን) ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካ "ሓቀይና ሓድነት ብክርስቶስ" እምበር ሓንቲ ቤተክርስትያን ንኻልእ ቤተ ክርስቲያን ትዕብልል ዝብል ኣፍልጦ ዝህብ ኣይኮነን . . . ብዙሓት ካብቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ኣብ መደረኦም ዝተንከፍዎም ኣርእስታት "ኣቓልቦ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያንን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝስሓበ እዩ ነይሩ . . . ብፍላይ ድማ ግሪኻውያን ቅዱሳን ይስሃቅ ብዓል ነነዌን ስምዖን ሓድሽ ስነ መለኮታዊ ምሁርን ጠቒሶም ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ከምኡ'ውን ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 13 ዝተወስደ ጥቕሲ፡ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካህናት ነቶም ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ስርዓተ ሊጡርጊያዊ መስዳዕቲ ከይፍጽሙ ዝሃብዎ ምዕዳን ይዝክሩ።
ብተወሳኺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅድስቲ መሬትን ማእከላይ ምብራቕን፣ ዩክሬን፣ ትግራይ ኣብ ኣፍሪቃን ካልኦት ክርስትያናት ብቐንዱ ናይ ግጭት ከባቢታት ዝኽነ ምብራቓዊ ዞባ ዘሕድረሎም ሻቕሎት ከም ዝገለጹን ስለዚ ዝኾነ ይኹን ጻውዒት ሰላም፡ ወይ ነቲ ኣብኡ ዘለዉ ክርስትያናት ዘጋጥሞም ጸገማትን ስቓይን ምፍታሕ ዝብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ብኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያን እውን ዝቐርብ ምዃኑ የስተብህሉ።
ተስፋ ንሓድነት
ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ሕትመት Ut unum sint - ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእክቲ ንቕድሚት እናጠመትና ናብ ሓድነት ገጽና ክንጓዓዝ ዝዕድምን ኣድላይነት ሓድነት ደጊሙ ዘጒልሕ እዩ። "ሓድነት ኩሉ ግዜ ተስፋ እንገብረሉ ነገር'ዩ፡ ዋላ'ውን ብዙሕ ግዜ ኣብ ርሑቕ መጻኢ ጥራይ ዝብጻሕ ነገር እንተመሰለ። ይኹን እምበር፡ ዋላ'ውን ሓድነት ዝቐረበ እንተዘይመሰለ፡ ሕጂ “ከምቲ ክመስሎ ዝኽእል ርሑቕ ኣይኮነን።”
ኣብ ምረቓ ኣገልግሎት ጴጥሮሳዊ ስልጣን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምርኻብ ኤቁመናዊ ፓትርያርክ ዝኣመሰሉ ምልክታት "ድሮ ምልክት ናይዚ እንጽልየሉ ዘለና ሓድነት እዩ . . . ሓደ መዓልቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ኣብ መሰውእን ኣብ ቁርባንን ንዝረጋገጽ ሓባራዊ ሓድነት" ዝዓለመ እዩ” እንክብል ዝሃቦ መግለጺ ይዛዝም።