ንዝኽሪ ዓሰርተ ዓመት ‘ስቡሕ ኣንተ' 200 መናብርተ ጥበብ ኣብ ሪዮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሎሚ ዓመት እታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻን ዝጽውዕ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘንበሩሉ ኣብ ቤተክርስትያን፡ ዓለማዊ ሕብረተሰብን ማሕበረሰብ ስነ ፍልጠን ዓሚቝ ጽልዋ ዘሕደረ፣ ሎሚ እውን ኣብ ሞንጎ ዓለማዊ ማሕበረ - ከባብያዊ ቅልውላው ምሉእ ብምሉእ ኣገዳስነት ዘለዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ካብ ዝሕተም ዓስራይ ዓመት ከቑጽር እዩ።
መናብርተ ጥበብ ንሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና
እዚ ምዕራፍ እዚ፡ ካብ ሰሜን፡ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ካብ ሓውሲ ደሴት ኢቤርያ ዝመጹ ወከልቲ ዝሓቖፈ ካልኣይ ሲኖዳዊ ናይ መናብርተ ጥበብ ሓላፍቲ ዓውደ ኣኼባ ንሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና ክካየድ ከም ዝኾነን እዚ ዓውደ ኣኼባ ካብ 20 - 24 ግንቦት 2025 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ (PUC-Rio) ዝካየድ ኮይኑ፣ እቲ ኣኼባ ነቲ መናብርተ ጥበብ ንኣከባብያዊ - ምህዳር ዕቝባ ንምድንፋዕ ዝገብርዎ ተወፋይነቶም ንምድልዳል ዝኣመተ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።
እዚ ኣጋጣሚ እዚ በቲ ቀደም ብካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዚምራሕ ዝነበረ ጳጳሳዊ ሽማግለ ላቲን ኣመሪካ (PCAL) ዝተወደበ ከም ዝኾነን፣ እዚ ኣኼባ እዚ ደድሕሪ እቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ኣብ ቫቲካብ "ተስፋ ምውዳብ" ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ስዒቡ ዝካየድ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ብመንጽር COP30 - መበል 30 ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ለውጢ ከባቢያው ኣየር
ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ስቡሕ እንተ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብራዚል ብፍላይ ድማ ኣብ ቤለም ዝካየድ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝመክር ካብ ዕለት 11 – 21 ሕዳር 2025 ዓ.ም. ዝካየድ መበል 30 ዓውደ ኣኼባ ዝጋጠም ኮይኑ፣ ኣብዚ መንጽር እዚ እቲ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ፣ ምሁራት፣ ልኡካን መንግስታት፣ ካብ ቤተክርስትያንን ትካላትን ዝመጹ ወከልቲ ከአንግድ እዩ። እቲ ዕላማ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ - ከባብያዊ ቅልውላው ምስማዕን ሓባራዊ መመያንን ጭቡጥ ስጉምትን ዘዕቢ ሲኖዳዊ እማመ ምምዕባል ዝብል እዩ። እዚ ድማ ንሰላምን ዘላቒ ልምዓትን ድልድላት ንምህናጽ ዝጣበቑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ራእይ ንምቕጻል ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ነቲ ዓውደ ጉባኤ፣ ብካርዲናል ኾሴ ቶለንቲኖ ዝምራሕ ባህልን ትምህርት ዝሓልይ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፣ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መናብርተ ጥበብ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ዝጥርንፍ ማሕበር (AUSJAL)፣ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ (CELAM)፣ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን መንግስቲ ብራዚልን ዝድገፍ ኮይኑ፣ ካብ ካልኦት መወልቲ ባንኪ ልምዓት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CAF)፣ ከምኡ’ውን ውድብ ሃገራት ኢቤሮ-ኣመሪካን (OEI) ዝድገፍ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እተን ኣርባዕተ ሕልምታት "Querida Amazonía - ፍትውቲ ኣማዞን "
እዚ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ኣማዞን ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ሲኖዶስ Querida Amazonia - ፍቕርቲ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ ዘንበሮም ኣርባዕተ ሕልምታት ኣስተንፍሶ ዝገበረ ኮይኑ፣ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ማለት ቀዳም ዕለት 24 ግንቦት ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ንዓሰርተ ዓመት ‘ስቡህ ኣንተ’ ንምጽንባል ዝኣመተ መደብ ዝኽሪ ክካየድ እዩ።
እዚ መደብ ካብ ልዕሊ 200 መንግስታውን ውልቃውን መናብርተ ጥበብ ዝመጹ ልኡካን ዝሳተፍዎ ኮይኑ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ነገራት ኵሉ ምብርባር ዝብል ካብ ልሙስነት ንላቐቕ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘቃልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ዕላማ
- ምስ ዝክረ ነገር COP30 - 2025 ዓ.ም. ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ዝሰማማዕ ኣብ እምነትን ምህዞን ዝተዋደደ ውጥን ንምሕንጻጽ ኣብ መንጎ ስነ መጽናዕታውን፣ መንግስታውን ውልቃውን ጽላታት ዘተ ምድንፋዕ፣
- ኣብ ዘላቕነትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ዘተኮረ መርበባት ምትሕብባር ኣብ መንጎ መናብርተ ጥበብ ምትብባዕ፤
- ብዘላቕን ኩለንተናውን መርኣያታት ልምዓት ኣቢልካ ናብ ፍትሓዊ ልምዓት ምስግጋር ዝኣተውኦ ቃል ኪዳን መናብርተ ጥበብ ኢቤሮ-ኣመሪካ ምንቕቓሕ፤
- ማሕበረሰብ ስነ መጽናዕት ንCOP30 - 2025 ዓ.ም. ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ውጥናትን ለበዋታትን ምሕንጻጽ፤
- ጽልዋ ‘ስቡህ ኣንተ’ ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ፣ ምርምርን ህዝባዊ መምርሕታትን ምሕሳብ።
ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ህጹጽን ዝተዋደደን መልስታት
ማሕበረ - ከባብያዊ (ምህዳራዊ) ቅልውላው፣ ካብ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ መንግስታት፣ በርገሳውያን ማሕበራትን ምሁራትን ህጹጽን ዝተዋደደን ምላሽ ክወሃብ ይሓትት። ኣተሓሳስባ ስቡህ ኣንተ ዓዋዲ መልእኽቲ’ ዘለዎ ጽልዋ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፣ መናብርተ ጥበብ ኣብ ምፍራይ ፍልጠትን ንዘላቕነት ዝሓስቡ መራሕቲ ኣብ ምፍጣርን ዘለወን ተራ ዘጉልሕ እዩ። እዚ ድማ፡ ምሕያል መርበባት መጽናዕቲ ብዛዕባ ከባቢያዊ ኣየር፡ ንCOP30 - 2025 ዓ.ም. ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ዝኸውን እማመታትን ተወፋይነትን ምምዕባል፣ ከምኡ’ውን ንዘላቒ መጻኢ ዝኸውን ናይ ሓባር ኣመራርሓ ምድንፋዕ ዘጠቓልል ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መናብርተ ጥበብ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝካየድ ዘሎ "ዘመናዊ ለውጢ" መሰረታውያን መጋበርያታት ኮይነን፣ ኣመለኻኽታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝሓቖፎን፣ ብዓለምለኻዊ ዝተዋደደ ስጉምቲ ኣቢሉ ትምህርታውን ናይ ምሉእ ዕድመ ትምህርትን መስርሕ ብምጅማር፣ ብጭቡጥ ተግባራት ዝግለጽ ተስፋ ብምፍጣር፣ እዚ መንገዲ ክንክን እዚ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ምስ ስነ - ምህዳራዊ ዕዳ ዝተኣሳሰር ዕዳ ህዝቢ እውን ዝጋጠም እዩ። እቲ ዝክረ ነገር ሓድሽ ቁጠባዊ ውጥን ምጉስጓስ (ከባቢ ዘኽር ቁጥባ)፣ ምኽባር ክብሪ ህይወት ወዲ ሰብ ምርግጋጽ፣ ከምኡ’ውን ጥምየት ንምውጋድን ትምህርትን ዘላቒ ልምዓትን ንምድንፋዕን ዓለማዊ ስልዕቲ ምፍጣርን ዘጠቓልል እዩ።
ቅድሚ COP30 - 2025 ዓ.ም. ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት መመያ ማሕበረሰብ
እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ መደብ ኣብ ዙርያ ኣርባዕተ ሕልምታት ፍቕርቲ ኣማዞን ዘርእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ዘጠቓልሎም ኣርእስታት ድማ፡ ሓድሽ ዓለማዊ ቁጠባዊ ኣቃውማ፣ ዘተ ከም ብጹሉ ፖለቲካዊ መንገዲ ንኽብሪ ደቂ ሰባት፣ ብዙሕነት ህይወትን እደ ጥበብን፡ ከምኡ’ውን ንዘላቒ ልምዓት ንምድንፋዕ ድልድላት ምህናጽ ዝብል ይርከብዎም። እቲ ኣገባብ ንዘተን ሓባራዊ ውሳነን ዘጉልሕ ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብሓደ ክኢላ ብዝግበር ኣስተንትኖ ጀሚሩ፣ ድሕሪኡ ድማ ጭቡጥ ናይ ተግባር እማመታት ንምጽማር ሓባራዊ ስራሕ ይካየድ። እዚ ድማ መልክዕ “ማሕበራዊ መመያ ማሕበረሰብ” ክሕዝ እዩ፣ ኣብኡ ወከልቲ መናብርተ ጥበብ ንCOP30 - 2025 ዓ.ም. ዋዕላ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ዝምልከት እማመታት ክነድፉ እዮም፣ እዚ ድማ ኣብ ሰማያዊ ዞባ ቤለም ክቐርብ እዩ።
ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ስቡሕ ኣንተ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቲ
ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝተሓትመት ስቡሕ ኣንተ ዘርእታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ምሕብሓብን ምክንኻንን ናይ ሓባር ገዛና ዘተኮረ ኮይኑ፣ ንቅልውላው ስነ - ምህዳር፣ ስነ - ምግባር፣ ቁጠባ፣ ፖለቲካን መንፈሳውነትን ብዘጠቓለለ ከለንተናዊ ውሁድ ኣረኣእያ ዘቕርብ ከም ዝኾነን፣ ኣገደስቲ ዓለማዊ ብድሆታት ንኣብነት ከም ብከላን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን፤ ክሳራ ብዙሕነት ህይወት፤ ቅልውላው ማይ፤ ምንቁልቋል ጽሬት ህይወት ደቂ ሰባት፤ ከምኡ’ውን ነዚ ኹሉ ብድሆታት ዝወሃቦ ድኹም ኣህጉራዊ ምላሽ ብዝርዝር ዘቕርብ ዓውዲ መልእኽቲ እውን እዩ። እዞም ጉዳያት እዚኦም ካብ ልዕሊ ዓቐን ማእከልነት ሰብእ (ሰብ ንብሕቱ ናይ ኩሉ መምዘኒ ዝገብር ኣነናብራ) ምልከ እደ ጥበብ ረባሕታትን ዝመጹ ኮይኖም፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ሰብኣዊ ምሕደራ ዝብል ኣምርን ደረት ኣልቦ ቁጠባዊ ዕብየት ዝብል ውጥረትን ዝፈታተኑ እዮም።
ናይ ተስፋ መንገዲ
ስቡሕ ኣንተ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኣከባቢ፣ ቁጠባ፣ ሕብረተሰብን ባህልን ዘራኽብ ኩለንተናዊ ዝብል ኣገባብ ከም መልሲ የቕርብ። ንኣምር ከባብያዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ስነ ምህዳርን ዘተኣታቱ ኮይኑ፣ ሓድሽ ዘላቒ ቁጠባዊ ኣገባብ ክህሉ ይጽውዕ፤ ዓለማዊ ምሕደራን ኣህጉራዊ ስምምዓት ምክልኻል ከባቢን፤ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ስነ ምህዳራዊ ቃልስታት፤ ከምኡ’ውን ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝጠቕሙ መምርሕታት ክህሉ ዝሓትት እዩ። ንቕድሚት ኣብ ምጉዓዝ እቲ ሰነድ ምህዳራዊ ምልዋጥ ይጣበቕ፤ ካብ መኽሰብ ንላዕሊ ንህይወት ዘገልግል ቁጠባ፤ ኣብ መንጎ መንግስታት፣ ትካላት ንግድን ዜጋታትን ሓባራዊ ሓላፍነት፤ ከምኡ’ውን ቅድሚ ናብ ዘይምለስ ዕንወት ምብጽሑ ህጹጽ ስጉምቲ ምውሳድ ከም ዘድሊ ይሓትት።
ብስቡህ ኣንተ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ፖለቲካን ስነ ምህዳርን ምንቅስቓሳት ክጸልው ከም ዝኣመቱን፣ ንኽልቲኡ ተፈጥሮን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘኽብር፣ ኣብ መንጎ ሃይማኖታውን ስነ ምርምርን ስነ ፍልጠትን ዘተ ዘተባብዕ፣ ከምኡ’ውን ንኣከባብያዊ ለውጢ ዝኽሕድ ዝቐርቡ ምኽንያታት ብስነ ፍልጠታዊ ጸብጻባት ኣቢልካ ምቅላስ፡ ስነ - ምግባራዊ ኣስተንትኖን ህጹጽ ናይ ስጉምቲ እማመታትን ዝቃለስ ለውጢ የቕርብ። እዚ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ዓዋዲ መልእኽቲ እምነ ኩርናዕ ዓለማዊ ንቕሓት ስነ - ምህዳር ኮይኑ፣ ኣብ ጽቡቕ ሂወት መሬትን ሰብኣውነትን ዘማእከለ ውሁድ ስነ - ምህዳር ዝድግፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።