ንቤተ ክርስቲያን ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ዝመርሑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“እቲ ኣገዳሲ ነገር ንኣምላኽን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክፉታት ምዃንን ወንጌል ናይ ሕይወትና ቡሶላ ምግባርን እዩ” ነዚ ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 8 መስከረም 2024 ዓ.ም. ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ መስዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፣ ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ርሑቕን ወሰናስን ሕልውናን ከተማታትን መልክዓ ምድርን ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ወንጌል ሓሴት ምክፋል ዝብል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ጉስነቶም ሕመረት ምንባሩ ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ናይ ፖርት ሞረስብይ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ጆን ሪባት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የዘኻኽሩ።
ካርዲናል ሪባት ዕለት 26 ሚያዝያ ኣብ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ዝሓረየ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ዝተሳተፉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፣ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከመይ ጌሮም ምሳና ከም ዝተጓዕዙ ኣብ ጎድንና ከም ዝነበሩ ርኢና ኢና” እንክብሉ ካርዲናል ሪባት ነቲ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ 12 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ኢጣልያ ወጻኢ ዘካየድዎ መበል 47 ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ኣመልኪቶም ከም ዝሓበሩን፣ "ሓደ ዝኽተልዎን ዘጉልሕዎን ዝነበረ ኣገባብ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን መልክዓ ምድርን ምውጻእ ዝብል እዩ ነይሩ፡ ንሶም ድማ ነዚ ብቃልን ግብርን መስኪሮምዎ እዮም . . . ፍራንስኮ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ማለት ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 13 መስከረም 20024 ዓ.ም. ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ፓፑዋ ኒው ጊኒ፡ ምብራቕ ቲሞርን ሲንጋፖርን ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም እዮም፣ ኣብ 2016 ዓ.ም ቅድም ኣቢሎም ኣብተን ኣርባዕተ ሃገራት ንዝተወልዱ ጳጳሳት ካርዲናል እንክብሉ ሰምዮም፣ ነተን ካብ ሮማ ኣዚየን ዝረሓቓ ሃገራት፣ ንልቢ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቀረባ ምዃነን መስኪሮም እዮም።
ሕጂ ምስቶም መንፈስ ቅዱስ ዝሃበና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ሓድሽ መራሒ ኵላዊት ቤተ - ክርስትያን ኩላትና ካርዲናላት ኣብ ዙርያኦም ሕብረት ክነብርን ሓድነት ክህልወናን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ . . . ካርዲናል ቢሎም ዝሰምዩና ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዮም . . . ከም ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ክንሕግዞምን ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ ሮማ መንበረ ጳጳስ ዘለዋ ምትእስሳር ንኽንምስክርን ስለ ዝድለይ እዩ። . . . ከም ቤተ - ክርስትያን መጠን ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጻና እውን እንተኾንና ሓድነትትና ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ይንበር። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ መጻኢ ነቲ ኣብታ ቤተ -ክርስትያን ዘሎ ኣዝዩ ህጹጽ ዝኾኑ ብድሆታት ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ካርዲናላት ዝያዳ ምትሕብባርን ጉባኤን ክህሉ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፣ ንር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 "ናብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ብምብጻሕ በዚ ኣንፈት እዚ ክቕጽሉ” ርግጸይና ምዃኖም ሓቢሮም፣ እዞም ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ "ኣብዚ ኣጸጋሚ ህሞት እዚ እምነትና ኣብ ምንባርን ጠበቓ ሓቂ ንምዃንን ነቲ ተስፋና ዝኾነ ክርስቶስ ኣብዛ ብቕልጡፍ እትቀያየር ዘላ ዓለም እናመስከርና ንኽንበርን” ክመርሑና ምዃኖም ርግጸይና እየ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።