ጠቕላሊ ሓለቓ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን፡ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 'ብሓቂ ናብ ኩሉ ዝቐርቡ' እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣዚና ሕጉሳት ኢና። [ንዓና ኣጎስጢኒሳውያን] ህያብ ከም ዝኾኑ ድማ ምሉእ ተስፋ ኣሎኒ፣ ምኽንያቱ ብሓቂ ንቤተክርስትያን ህያብ እዮም። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንሱ እዩ!" "ከም ኣጎስጢናውያን ሕጉሳት ኢና፤ ኣገልጋሊ ክኸውን ኢና ንደሊ።"
ሚዛናዊ ሰብ፡ ንዅሉ ቀረባን
ኣባ ሞራል፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14፣ "ኣዝዮም ሚዛናዊ፣ ኣዝዮም መንፈሳዊ፣ ብሓቂ ምስ ኩሉ ዝቐርቡን ንኹሉ ቐረባ ሰብ እዮም - ቢሎም - ደቂ ሓደ ማሕበርን ኣዕሩኽ እውን ምንባሮም ዘኪሮም፣ “ሊዮን መበል 14፣ “ንዅሉ ሰብ፣ ሃብታምን ድኻን ብማዕረ ዘፍቅሩ እዮም፣ ንሕና [ኣጎስጢናውያን] ኣዚና ሕጉሳት ኢና፣ ምኽንያቱ ብሓቂ ንቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ እዮም ኢልና ስለ እንሓስብ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዘቲና ነርና፣ ስለዚ ብሓቂ ንቤተ ክርስቲያን ከገልግሉ እዮም ኢልና ንሓስብ።”
ፍትሕን ሰላምን ሲኖዳውነትን
ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ሊዮን መበል 14 ዝብል መሪጾም፣ ምርጫ ናይቲ ስም፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 13 “ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ር.ሊ.ጳ. እዮም ዝነበሩ፣ ስለዚ ካብዚ ርግጸይናነት እዚ ዝነቐለ ምዃኑ እኣምን . . . ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ካብ ማእከላይ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መጀመርታ መደረኦም፣ ‘ፍትሕን ሰላምን ድልድል ንኹሉን ሲኖዳውነትን” ዝብሉ መሰረታዊ ዝኾና ቃላት ኣገዳሰነቶም ኣስሚሮም እዮም። ደሓር ከኣ ቃል ቅዱስ ኣጎስጦኖስ ጠቒሶም፣ 'ናብ ሓቀይና ሃገርና ገጽና እንጓዓዝ ነጋድያን ኢና' እንልብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፣ 'ንዝቕጽሉ ዓመታት ናይ ዝገብርዎ መደብ መሰረት እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ” ኣንክብሉ ኣባ ሞራል ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።