MAP

ናይ ላቲን ኣመሪን ካሪያቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ክበጽሑ ዓዲሞም ናይ ላቲን ኣመሪን ካሪያቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ክበጽሑ ዓዲሞም 

ናይ ላቲን ኣመሪን ካሪያቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት፣ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ክበጽሑ ዓዲሞም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ብምኽንያት መበል 70 ዓመት ቅዋሜኡ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 40 ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዓውደ ጉባኤ፣ ብይብጻሕ ናብቲ ናይቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ካርዲናል ስፐንግለር ድሕሪ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፣ እቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ሕርየቶም ምልክት ተስፋ እንክብል ብምግላጽ፣ ተወፋይነቶም ብምርግጋጽ ቅዱሰንቶም ናብ ላቲን ኣመሪካ ምብጻሕ ኸካይዱ ወግዓዊ ዕድመ ከም ዘቕረበሎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መበል 40 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባኡ ዘካየደ መበል 70 ዓመት ቅዋመኡ ዘኽበረ ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CELAM) ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሊዮን መበል 14 መበል 266 ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ብምምራጾም ዝተሰመዖም ሓጎስን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ቅዱስነቶም ናብቲ ጉባኤ ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቴለግራምን ምስጋናኦም ይገልጹ።

ንሕና ኣብቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ እተኣከበ መበል 40 መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪብያን እተሳተፍና ተጋባእያን ስለቲ ንኤጲስ ቆጶሳዊ ኣገልግሎትና ዘበረታትዕ መልእኽትኹም ሕውነታዊ ሰላምታናን ልባዊ ምስጋናናን ነቕርበልኩም"

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምልክት ተስፋ እዩ

ጳጳሳት ጉባኤ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ኣብ ሕርየቶም "ሓልዮት ኣምላኽ" ከም ዝረኣዩ ገሊጾም፣ ድሕሪ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርያም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት "ሕርየትኩም ምልክት ተስፋ እዩ" ቢሎም፣ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘለዎም “ምሉእን ውሉዳውን ሕብረት” ኣሐዲሶም፣ ከም ወንጌላዊት - ልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ንኸገልግሉ ዘለዎም ተወፋይነት ኣስሚሮም፣ “ካብ ወሰናስን ንማእከል ዘሀብትም፣ ካብ ናይ ትሕትና ዝኾነ ቦታ ድማ ብሓቅነት ወንጌል እተበስር ኣገልጋሊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ምዃን ብድሆ ብትሕትና ንቕበሎ፥” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ላቲን ኣሜሪካን ካሪብያንን ኣይትረስዑ

ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን (CELAM) መበል 40 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ኣብ 1955 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዘካየዶ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም ዘብዓለን እቶም ጳጳሳት ነቲ በዳሂ ማሕበረ - ፖለቲካዊ ክውንነት እቲ ዞባ ኣመልኪቶም፣ “ፍትሕን ሰላምን ዘነቓቕሕ ትንቢታዊ ድምጺ” ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት የድልዮ ቢሎም፣ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን ዕጥቃዊ ግጭት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ግዱድ ስደትን ኣብ ዘጋጥሞ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ጸሎቶም ነቲ ዞባ ክዝክርዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣

"ክቡር መጻኢ ኺረኽቡ ሃረር ዚብሉ ስደተይናትታት፡ መንነቶምን መሬቶምን ዚጣበቑ ደቀባት፡ ኣጋጣምታት ዘይብሎም መንእሰያት፡ ግዳያት ዓመጻ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ እተጠንጠኑን ተነቀፍትን ቈልዑ፡ . . . ኵላቶም ዜጸናንዕን ሓራ ዜውጽእን ቃላትን ጭቡጥ ውጥናትን ካባና ይጽበዩ"።

ቢሎም - ንወንጌላውን ሲኖዶሳውነትን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንምስጓም ዘለዎም ቀጻሊ ተወፋይነት ኣስሚሮም፣ ንሕድሪ “ስቡሕ ኣንተ” ዓዋዲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስዓብ፣ ንኹሉ ፍጥረት ንምሕብሓብ ዘለዎም ተወፋይነት ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቶም ጳጳሳት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ንር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14፣ "ህዝብና ህላወኹምን ሓዋርያዊ ቡራኬኹምን ኣዚዩ የድልዮ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ምብጻሕ ካካይዱ “ብወግዒ ንዕድም” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 May 2025, 17:09