ካሪታስ - ኢንተርናዚዮናሊስ ንዓለምለኻዊ ቅልውላው ዕዳ ንምውጋድ ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ የአንግድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ላዕለዎት ሰበስልጣን ቫቲካን፣ መራሕቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ዓለምለኸ ተፈላጥነት ዘለዎም ምሁራት ስነ - ቑጠባን ኣብቲ መርበባዊ መድርኽ ከም እተሳተፉን ብዛዕባ እቲ ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ድኽነት ክቕጽሉ ዝድርኽ ዘሎ ዓለማዊ ቅልውላው ዕዳ መዕለቢ ክግበረሉ ዘኽእል ሓሳብ ከም ዘቕረቡን ከም ዝዘተዩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እዚ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዘተባብዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይም ቤት ጽሕፈትን ዝተዳለወ መደብ፡ “ነጋድያን ተስፋ፡ ኣብ ዕዳ፡ ከባቢያዊ ኣየርን ልምዓትን ንዝግበር ኢዮቤልያዊ ስጉምቲ ምትብባዕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ዕለት 28 ግንቦት ብኣቆጻጽራ ሮማ ካብ ሰዓት 14፡30 ክሳብ ሰዓት 16፡00 ከም እተኻየደ ኣፍሊጡ።
ዕዳ ናብ ተስፋ ምቕያር
እዚ መርበባዊ ዓውደ ጉባኤ እቲ ዕለት 23 ታሕሳስ 2024 ዓ.ም. ዝጀመረ “ዕዳ ናብ ተስፋ ምቕያር” ምስ ዝብል ዓለምለኻዊ ወፍሪ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ጥሙር ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓመት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ክኢላታትን ሓንጸጽትን ሕግን፡ ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ “ዓውሎማዊ ቅልውላው ዕዳ ንምውጋድ ራእይ ብኸመይ ከም ዝህብ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ዕላማ እቲ ወፍሪ፡ ልዕሊ 3.3 ቢልዮን ሰባት ኣብተን መንግስታት ካብ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከም ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ንላዕሊ ዕዳታቶም ንምኽፋል ዝያዳ ወጻኢታት ኣብ ዝገብሩለን ሃገራት ስለዝነብሩ፡ "እዋናዊ ግን ከኣ ድምጺ ኣልቦ ዝኾነ ዓውሎማዊ ቅልውላው ዕዳ - ኣብ መወዳእታ ናይ ልምዓት እምበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ዝምልከት ከም ዘይኮነ" ኣቓልቦ ንምስሓብ ከም ዝኾነን፣ ብተወሳኺ እዚ መርበባዊ ዓውደ ጉባኤ ምስ ዓስራይ ዓመት ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ስቡህ ኣንተ ብዝብል እርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽትን ከምኡ እውን ነፍሰ ሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ 2025 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከቢድ ናይ ወጻኢ ዕዳ ዘለወን “ከም ናይ ልግሲ ተግባር ዘይኮነስ ከም ናይ ፍትሒ ተግባር፥ ረድኤት ክወሃብ እንክብሉ ምስ ዘቕረብዎ ጻውዒትን ዝጋጠም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣገዳሲ ስጒምቲ
ኣብቲ መርበባዊ ዓውደ ርክብ ፕሮፌሰር ማርቲን ጉዝማን ካብ ቤት ትምህርቲ ኣህጉራውን ህዝባውን ጉዳያት መንበረ ጥበብ ኮሎምብያ፤ እናቴ ኣሌሳንድራ ስሜሪሊ፡ ዋና ጸሓፊት ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዘተባብዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ጆርዳኖ ካቻ ከም እተሳተፉን፣ ኣብ እዋን ዓመት ኢዮቤል ጾር ዕዳ ንምፍዋስን ዓውሎማዊ ስርዓተ ቍጠባ ንምጽጋንን ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ንምልላይ ዘተኮረ ከም ዝነበረን፣ ኣብቲ መርበባዊ ዓውደ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ኩሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቁጠባዊ ስርዓታት ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ መሰላትን ኣከባቢን ምቕማጥ ብኣንጻሩ ዘይኮነስ ኣድላዪ ዝብል ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ዘማእከለ ብጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ - ፍልጠት (PASS) ዝቖመ ሽማግለ ክኢላታትን ብፕሮፈሰር ጆሰፍ ስቲግሊትዝ ዝምራሕ ናይ ኮሎምብያ መንበረ ጥበብ ተበግሶታት ፖለቲካዊ ዘተን ዘቕርብዎ ጸብጻብ መሰረት ምይይጥ ምክያዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።