ፓትርያርክ ፒዛባላ ፦ "ተስፋ ንኽንቈርጽ ዜኽእለና ምሾት ክንረክብ ብፍጹም ኣይንኽእልን ኢና"
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰንበት ዕለት 18 ግንቦት ሰላም ዝብል ቃል ናይ ዕለቱ ቀንዲ ሓሳብን ጻውዒትን ኮይኑ ከም እተቓለሐን፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፡ ሲር ምስ እተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ምስ ጻውዒት ሰላም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ሓቢሮም፡ ኣብቲ ብኲናት ዝተሃስየ ክፋል ዓለም ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብል ጸውዒት ኣቕሪቦም።
መልሲ፡ ሰላም ካብ ክርስቶስ
ፓትርያርክ ፒዛባላ ምስ ማዕከን ዜና ሲር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ኣስዒቦም፡ "እቲ መልሲ ሰላም እዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ዓለም ዘድልያ ሰላም ግን "ፖለቲካዊ ሰላም ወይ ኲናት ዘይምህላው ጥራይ" ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ነታ ብግርጭትን ምፍልላይን ጽልእን ትሳቐ ዘላ ዓለም ክሕግዛ ዝኽእል ሰላም፡ እቲ ካብ ክርስቶስ ዝመጽእ ሰላም ጥራይ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ሰላም "ካብ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ዝመጽእ እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ንምብጋስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ማእከል ዝገበርዎ፡ ነቲ ኢየሱስ ንጴጥሮስ “ተፍቅረኒ ዲኻ?” እንክብል ዘቕረበሉ ሕቶ ብምውካስ፡ እዚ “ናይ ክርስትያናዊ ሕይወት ረባሕታ እዩ፣ ውጽኢቱ ድማ ሰላም” ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡ ሓደ ሰብ ንኣምላኽን ንብጻዩን ፍቕሪ እንተሃልይዎ፡ ሽዑ ሰላም ብባህርያዊ መገዲ ከም ዝመጽእ ኣስተብሂሎም፡ እዚ ሰላም እዚ፡ “ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ንኹላትና፡ ብፍላይ ግን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ዘድልየና ዓይነት ሰላም እዩ” ኢሎም።
ረቂቕ ሓሳብ?
ኣብዚ ቀረባ እዋን “ሰላም” ዝብል ቃል ብዙሕ ግዜ ከምዝተደጋገመ ፓትርያርክ ፒዛባላ ኣመልኪቶም፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብግጭት ኣብ ዝዓነወ ቦታታት ዝነብሩ፡ “ሕውነታዊ ፍቕሪ” ዝብል ኣምር ንምቕባል ኣጸጋሚ እዩ። “ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ረቂቕ ይመስል፡” ይኹን እምበር፡ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ንመላእ ማሕበረሰብ ክርስትያን - ብፍላይ ድማ ንዓና ብሓድነት ደው ክንብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘኪሮም፣ እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ስምዒት ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ እምበር “ካብ ፍርሒ እቲ ካልእ” ክመጽእ ከም ዘይክእል ድማ ኣጽንዒት ብምምልክት፡ እዚ ዓይነት ፍቕሪ ኣብ ህዝባዊ ጽላት ከይተረፈ ሰንሰለታዊ ግብረ መልሲ ዝፈጥር እውን እዩ” ኢሎም።
ብዛዕባ ቓዛ ምሕሳብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕለት 18 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ እቶም “ካብቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፉ ቆልዑን ስድራቤታትን ኣረጋውያንን” ብሰንኪ ናብቲ ከባቢ ክበጽሕ ዘለዎ ሕጽረት ሰብኣዊ ሓገዝ ምኽንያት ብጥሜት ይሞቱ ከም ዘለዉ ተዛሪቦም እዮም ቢሎም፡ "ተስፋ ናይ ምቝራጽ ኮነ ኣብ ደውታ ንኽንተርፍ ዘኽእለና ምሾት ብፍጹም ክህሉ የብሉን” ቢሎም፣ ኩላትና ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኩሎም ክንሕግዝ ግዴታ ከምዘለና ብምምጓት፣ “ናብቲ ቦታ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኣሎና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።