MAP

ካርዲናል ግራስያስ ኣብ መንጎ ህንዲን ፓኪስታንን ነባሪ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም ካርዲናል ግራስያስ ኣብ መንጎ ህንዲን ፓኪስታንን ነባሪ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም 

ካርዲናል ግራስያስ ኣብ መንጎ ህንዲን ፓኪስታንን ነባሪ ሰላም ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ቦምቦይ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ፣ ህንዲን ፓኪስታንን ኣብ ልዕሊ ዞባ ካሽሚር ዝምልከት ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ናብ ነባሪ ሰላም ክወስድ ዝኽእል መንገዲ ክረኽባ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ህንዲን ፓኪስታንን ብዛዕባ ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ዞባ ካሽሚር ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ኣብ ዘኽብራሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ህንዲ ናይ ቦምበይ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ ንኽልቲኦም ወገናት ምሉእን ውዱእን ስምምዕ ክረኽቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕጡቓት ጉጅለ ዕለት 22 ሚያዝያ ኣብ ካሽሚር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም 26 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዝተበገሰ ወጥሪ ልዑል ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ንኣርባዕተ መዓልታት ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ክሳብ ዕለት 10 ግንቦት ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከካይዳ ከም ዝጸነሓን ንጽባሒቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ነቲ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ብሓጎስ ተቐቢሎም፣ “ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናብ ነባሪ ስምምዕ ክብጻሕ ዝከአል እዩ” ዝብል ተስፋኦም ከም ዝገለጹ፡ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ ብምዝኽካር ኣብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጻውዒት ብምጽምባር፣ “ግዜ ሰላም በጺሑ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ካርዲናል ግራሲያስ ንፊደስ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ “እቲ ኣብ መንጎ ፓኪስታንን ህንድን ዘሎ ጥንታዊ ቅርሕንት መወዳእታ ክንገብረሉ እዋኑ እዩ - ቢሎም - ናትና ልባዊ ጻውዒት ሰላም ካሽሚር እዩ። ምሉእን ውዱእን ስምምዕ ክህሉ ተስፋ ንገብር፡ እዚ ድማ ንህንዲን ፓኪስታንን ጥራይ ዘይኮነስ ንሰላም ዓለም ኣገዳሲ ክኸውን እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብጹዕነቶም ፓኪስታንን ህንዲን ናይ ሓባር ቅርሲ ከም ዘለወን እውን ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

“ኣሕዋት ኢና፡ ማለት ሓደ ዓይነት ባህሊ፡ ልምዲ፡ ኣተሓሳስባን ስምዒታትን ዘልዎም ኢና - ስለዚ ድማ ፊት ንፊት ኮፍ ኢልና፡ ብዘተ ኣቢልና፡ ነቲ ካብ ግዜ ናጽነት ጀሚሩ ስቓይ ዘስዓበልና ዘሎ ዕንክሊል ዞባ ካሽሚር ክንፈትሖ ቁርጺ ፍቓድ ክንገብር ኣሎና” ከም ዝበሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣

እቲ ኣብ ካሽሚር ዘጋጠመ ምስሕሓብ መዕለቢ ካብ ዘይረኸበ ሓዘንን መከራን ዘስዓበ ጥንታዊ ግዝኣታዊ ምስሕሓብ ዘንቀሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ብዛዕባ እተን ክልተ ኑክልየስያዊ ዕጥቂ ዘለወን ሃገራት ናብ ዝተናውሐ ግጭት ምውራደን ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእልን ኣብ ዓለም እውን ኣዕናዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፣ ንማሕበረሰብ ዓለም ሽምግልናን “ብኽልቲኡ ወገናት ከም ገለልተይና ዝረአ ህጹጽ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርን” ክውድብ ዓዲሞም፡ "ሎሚ ሃይማኖታዊ ሃገራውነት ገዲፍካ ብክውንነታውነት ሰላም ምድንፋዕ ናይ መራሕቲ ግዴታ እዩ፣ እዚ እዩ ተስፋና" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

20 May 2025, 16:43