ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምእመናን “ጐይታ ንተካኢ ጴጥሮስ ብርሃንን ጸጋን ውሽጣዊ ሓይልን ምእንቲ ክህቦም፣ እዚ ድማ ብመሰረቱ ንዅሎም ምእመናን ኣብ እምነት ንምጽናዕ ዝዓለመ ተልእኾኦም ክፍጽሙን፣ ምሕረት ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣውነት ክገልጹን” ክጽልዩ ተማሕጺኖም።
ካብቲ ኣብቲ ቅድሚ ዕጹው ጉባኤ መራጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ኣብ ዝተኻየዱ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካርዲናላት ክህሉ ዝገለጽክምዎ ተክለ ሰብነት ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ብፍላይ ንህዝቢ ቀረባ ዝኾነ ኵላዊ ጓሳ ዝብል ባህርይ ኣስሚርኩምሉ ኢኹም። እቶም እቲ ዕጽው ጉባኤ ዝሓረዮም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቲ ዘቐመጥክምዎ ተክለ ሰብነት ዝሰማምዑ ድዮም? ድሕሪ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ጦብላሕታኹም እንታይ እዩ?
እቲ ሓፈሻዊ ጦብላሕታ ከምቲ ካርዲናላት ካብቲ ምርጫ ክወጹ እንከለዉ ዝራእናዮ ናይ ሓጎስ እዩ - ኩሉ ሰብ ብምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ዕጉብ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ - ድማ ኢና ማሕላና ፈጺምና ብሕልና ተዋሲእና - ኣብ መንጎና ምስቲ ዝገለጽናዮ ተክለ ሰብነት ብዝበለጸ ዝሰማማዕ ካርዲናል ፕረቮስት ምዃኖም ኣብ ውሱጥ እምነት በጺሕና። ርኢኹም ድማ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ካርዲናላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መሪጾም።
ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ምልእታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት ክንጸባረቕ ዘለዎ ሓድነት ዝምስክር ድዩ?
ኣብ መንጎ እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ክውንነትን ዚዝረብ ነገራትሲ ጋግ ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ መራኸቢ ብዙሓን ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ዓቃባውያንን ገስገስትን ከም እተኸፋፈለት ይገልጽ። እዚ ምድብ እዚ ኣብ መንጎ እቶም ካርዲናላት ዘየለ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ነዚ መርትዖ እዚ ኢና ዘረጋገጽና። እቶም ንብምሉኣ ኣድማሳዊ ቤተ - ክርስትያን ዝውክሉ ካርዲናላት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ባህሪ ናይታ ቤተ - ክርስትያን ዓሚቝ ርድኢት ከም ዘለዎም ኣርእዮም ኢዮም። ቤተ-ክርስትያን ከምቲ መራኸቢ ብዙሓን ሓድሓደ ግዜ ዚገልጽዎ ስነ - ሓሳባዊት ዘይኰነትስ ምስ ሓደ ሰብ እትቀራረብ እያ። እቲ ሰብ እቲ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እታ ንስምዖን ጴጥሮስ ዝሓተቶ መሰረታዊት ሕቶ "ተፍቅረኒ ዲኻ?" ተፍቅረኒ'ዶ? ከም ዝበሎ፣ ብዛዕባ እዚ ፍቕሪ እዚ እያ እትምስክር፣ ኵሎም እቶም ንኢየሱስ ዜፍቅርዎ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክፋቐሩ ከም ዘለዎም ይፈልጡ እዮም። እቲ ልሙድ ናይ ሓባር መርገጺና ድማ እዛ ንኢየሱስ ዘላትና ፍቕሪ እያ። እዚ ኸኣ ንተፈጥሮና ኻብ ውሽጥና ዝቕይሮን ኣብ ቅኑዕ መገዲ ዝመርሓናን ፍቕሪ እዩ።
ሎሚ ብውግኣትን ብቀጥዒ ኣልቦ ሃገራውነትን ኣብ ዝተበታተነት ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። እቶም ዝተሓረዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እቲ ንሰላም ዝግበር ቃልሲ ብዝበለጸ ክቕጽሉ ዝኽእሉ ምዃኖምን ኣንጻር እቲ ውግእን ቀጥዒ ኣልቦ ሃግራውነትን ዝግበር ጉዕዞ ንምምራሕ ብቕዕ እዮም ዝብል ተስፋ ኣለኩም ዶ?
ፍራንቸስኮ ሎሚ ዓለምና ኣብ “እናተኾላለፈ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም” ከም ዘላ ኣነጺሮም እዮም። ክውንነት ዓለምና ንሱ እዩ። ኣብ ኩሉ ቦታ ግርጭታትን ወጥሪን ኣሎ። ጉባኤ ካርዲናላት ብመስመር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝቕጽል ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ዝዓለመ እዩ ነይሩ - ከምቲ ንሶም “ኩላትና ኣሕዋት” እንክብሉ ዝገለጽዎ፣ ኵላዊ ሕውነት ንደቂ ሰባት ዘዘኻኽር - ከምኡ’ውን ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና እንተድኣ ተሰቍይሩና ግዜና ኣብ ባእስን ኣብ ምቅላስን ንሓድሕድና ኣብ ምቅትታልን ምሕላፍ ትርጉም ዘይብሉ ምዃኑ እምንቶ ነሕድር። ሓድሽ ዝተመርጹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ምስዚ ራእይ እዚ ዝተሰማምዑ ምዃኖም ንኣምን ኢና። ምስ ተመረጹ ናይ መጀመርታ ቃላቶም ብዛዕባ ሰላም እዩ ነይሩ፣ ኩሉ ሰብ ንሰላም ቃል ክኣቱ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዮም። ሰላም ውዱእ ተፈጥሮኣዊ ኩነት ኣይኮነን፤ ክንሃንጾ ኣለና። ካብ ሰማይ ጥራይ ኣይወድቕን እዩ። ንጽቡቕ ካልኦት ንምድላይ ተወፋይነትናን ድሌትናን ውሽጣዊ ድራኼታትን ይሓትት። ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ኣብዚ መዳይ ክሕግዙና እዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ብፍላይ ድሕረ ባይታኦም እውን ብምምልካት እዩ - ንዓለም ምሉእ ዘንጸባርቕ ሰብ ክበሃል ዝከኣል እዩ። ካብ ፈረንሳን ኢጣልያን ስጳይናን መበቆል ዘለዎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተወልዱ ብምዃኖም፣ ንባዕሎም ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እዮም፣ ኣብ ፔሩ ንነዊሕ ዓመታት ዝነብሩ እዮም። ናይ ገዳማውያን ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዓቢይ ሓለቓ ዝነበሩን ኣዚ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ከካይዱ ዕድል ከም ዝሃቦምን፣ . . .እዚ ኹሉ “ዜጋ ዓለም” ቢልና ክንገልጾም የኽእለና። እዚ ድማ ነቲ ናይ ሎሚ ዓለም ግርጭታት ኣስፍሕ ኣቢሎም ብምርኣይን ነቶም ተዋጋእቲ ክበጽሖምን ክዕረቑ ክምዕዶምን ዝምጥን ቋንቋ ኣብ ምርካብ ናይ ብሓቂ ብልጫ ዝህቦም ይመስለኒ።
ልዮን መበል 14 ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ዜጋ ዓለም ምዃኖም ኣመልኪትኩም። ሓድሓደ ግዜ ስም ሓደ ጳጳስ ሮማ ኣንፈት ጳጳሳዊ ኣገልግሎቶም ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሊዮን መበል 14 ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ “ሓደስቲ ነገራት” ብዝብል ኣርእስቲ ቀዳማይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ማሕበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ባይታ ዝፈጠሩ ሊዮን መበል 13 ዘዘኻኽር እዩ። እዚ ር.ሊ. ጵጵስና እዚ ብመሰረት እቲ ሊዮን መበል 14 ዚብል ዝሓረይዎ መጸውዕ ክግለጽ ዚኽእል ይመስለኩም?
እቲ ዝበለጸ መግለጺ ካብ ባዕሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመጽእ እዩ። ነዚ ስም እዚ ኺመርጹ እንከለዉ ብቐዳምነት ነቲ Rerum Novarum - ሓደስቲ ነገራት ብዝብል ኣርእስቲ ዝተደርሰ ዛዕባ ማሕበረሰበራዊ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ዘቕረቡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 13 ዘመልክት ከም ዝኾነ እኣምን። እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ እዚ ብፍላይ ንማሕበራዊ ጕዳያት ዚምልከት እዩ። እቲ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ዝተሓረዩላ ዕለት 8 ግንቦት ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መጀመርታ መደረኦም ብዛዕባ ሰላም ዘተኮረ እዩ ዝነበረ። ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንደቀ መዛሙርቱ ፈሪሖም ተዓጽዮም እንከለዉ "ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን" ዝበሎም።
ናይ መላእ ሃግራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ (SCEAM) ኣቦ መንበር ከም ምዃንኩም መጠን፣ ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ካብዞም ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 እንታይ ተስፋ ክትገብር ትኽእል?
ኣፍሪቃ ሎሚ ሰፊሕ ድኽነት ሓዊሱ ብዙሕ ጸገማት ዘለዋ ኣህጉር እያ። ክውንነት እታ ኣህጉር እንተርኢና፣ ብተዛማዲ ጽቡቕ ውጽኢት ዘካይዳ ዘለዋ ውሑዳት ሃገራት ጥራይ እየን። ብሓፈሻ ግን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጸገም ይርከባ። ሱር ናይዞም ብድሆታት ኣብ ጉዳይ ብሓባር ምንባር እዩ ዝርከብ፣ እዚ ድማ ጸገም ዘለዎ እዩ - ኣብ መንጎ ኣፍሪቃውያን ባዕሎም ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ናብ ሃገራትና ዝመጹ ግዳማዊ ሓይልታት እውን። ፍራንቸስኮ ምስ መስርሕ ሲኖዳውነት ድሮ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ኣመልኪቶም ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግጭታትና ኣብ ኣፍሪቃ - ከም ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ምስ ሩዋንዳ ዘሎ ወጥሪ፣ ከምኡ’ውን ተራ ኡጋንዳን ብሩንዲን- ኣብ መንጎ ህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝፈጥሮ ምድንጋራትን ስቓይን። ናብቲ ባዕሉ ኣምር ሲኖዳውነት ብምምላስ ነንሕድሕድና ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንራኸብ፣ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብሓባር ክንሰርሕ፣ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና፡ ሓደ ኮይንና ንቕድሚት ክንስጉም ንኽእል።
ንኣፍሪቃ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ንብዙሓት ግርጭታትና ንምፍታሕ ናይ ብሓቂ መበገሲ ክኸውን ዝኽእል መስርሕ ሲኖዳውነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ክስጉሙ እዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ። እዚ ሓደ ነጥቢ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ቍጠባዊ ጉዳያት ኣዝዮም ተሃዋሲ ሰብ ምዃኖም እውን ይርኢ ኣለኹ። ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ብዙሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ኤኮኖምን ቍጠባዊ ጉዳያትን ኣብ ዝከታተል ጳጳሳዊ ሽማግለ ኣባል ዝነበሩ እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንኩርያ ጽገና ክገብሩ ምስ ጀመሩ - ኣብ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቍጠባ ዝምልከት እዮም ጽገናታት ዝጀመሩ። እዚ ማለት፣ ኣብ ሃገረ ስብከት፣ ሃይማኖታዊ ጉባኤ፣ ወይ ሰበኻ፣ ንጉዳይ ንዋታዊ ምሕደራን ቁጠባዊ - ገንዝባዊ ሸነኽ ኣገልግሎትናን ብዕቱብ እንተዘይወሲድናዮ፣ ጽባሕ ጸገማት ከጋጥመና ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ንጉጅለ ሓዋርያት ቁጠባዊ መሰረት ነይርዎ እዩ፣ . . . ስለዚ፣ ኣብ ሃገረ ስብከታትና እውን እዚ የድልየና እዩ። ተስፋና ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ኣብ ቫቲካን ተኻይዱ ዘሎ ተሓድሶ ብምህናጽ፣ ኣብ ሃገረ ስብከታትና እውን ከተባብዑናን ጳጳሳዊ ጉባኤታት ቍጠባዊ ምሕደራኦም፣ ብስርዓት ከቐምጡ ዘሓሳስቡን ዝምዕድን ዝመርሑን ክኾኑ ዝብል እዩ። ኣብ ጉስነትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን እውን ከምኡ። ምኽንያቱ ኣብ ቁጠባውን ኤኮኖምያውን ምሕደራና ግሉጽነትን ቅንዕናን እንተዘይኮንና ፈጺምና ተኣማንነት ኣክህልወናን እዩ። እነቕርቦ ስብከተ ወንጌል እውን ዘየእምን እዩ ዝኸውን . . .
የቐንየልና! ብዛዕባ ምርጫ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ኣቀባብላ እዚ ዜና ኣብ ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገርኩም ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ብዝምልከት ገለ ክትውስኹ ትደልዩ እንተኾንኩም?
ሓደ መሳጢ ትረኻ ኣሎ፣ ድሕሪ ጉባኤ፣ ካብቶም ዝበጽሑኒ መልእኽትታት፣ ገለ ሰባት ብዛዕባ ምርጫ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከመይ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ርእየ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስነ - መጐት ኣብ መስርሕ ምምራጽ ተካኢ ጴጥሮስ ናይ ምትግባር ዝንባለ ኣሎ። ገሊኦም ድማ ካርዲናል ኣምቦንጎ ካብቶም ሕጹያት ከምዝኾኑን ምስቶም ቀዳሞት ዓሰርተ ተሰሪዖም ከምዝነበሩን ገሊጾም። ከምኡ ኣይኮነን ዝሰርሕ። ሕጹያት የለዉን። ዝኾነ ካርዲናል ክምረጽ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ካህን ክምረጽ ይኽእል እዩ። ስለዚ፣ ነዞም ግብረ - መልሲታት ክርእዮም ከለኹ፣ ቁሩብ ይሓዝን - ገሊኦም ከይተረፉ ከምቲ ተስፋ ዝገበርዎ ስለዘይኮነ ተስፋ ከምዝቖረጹ ርእይቶ ይህቡ። ብሰብኣዊ ኣዘራርባ ይርዳኣኒ እዩ፣ ግን ልዕሊ እዞም ሰብኣዊ ኣተሓሳስባታት ክንከይድ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ምርጫ ተካኢ ጴጥሮስ ብቐንዱ ብመንፈስ ቅዱስ ባዕሉን በቶም ኣብ ዕጹው ጉባኤ ዝተኣከቡ ካርዲናላትን እዩ ። ኣህጉር፣ ኣባልነት ጉጅለ ወይ ሕብሪ ቆርበት ኣብ ግምት ዘእቱ ሰብ የለን። የግዳስ ኣብ ስሕበት ናይቲ ተልእኾን ከም ካርዲናላት መጠን ነቲ ብድሆታት ብሓቂ ዝሰማማዕ ሰብ ንምርካብ ዘለና ግዴታን ኢና ነተኩር። ስለዚ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ልክዕ ከምቲ ወትሩ ንኻልኦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንቕበሎም ዝነበርና ነዞም ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ህልው ኩነታትና ዚፈልጡ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብቕንዕናን ብውዕዉዕ ስምዒትን ክፉት ልብን ብምቕባል ንዅሎም ሰባት ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ጥራይ እየ ዝሓትት። እቲ ተልእኾ ቀሊል ስለዘይኮነ ክንጽልየሎም። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምምራሕ ከም ርእሲ ናይ ሓደ ግዝኣት ምዃን ኣይኰነን። እቲ ተካኢ ጴጥሮስ ዝኾነ ኵላዊ ጓሳ፣ ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ልምድን ጣዕምን ፍልልያትን ዘለዎም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ካቶሊካውያን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዎም ትጽቢት ንምምላእ፣ ብቐጻሊ ክመርሕ ኣለዎ። ሚዛን ምሕላው ቀሊል ዕማም ኣይኮነን። ስለዚ ኸኣ ኢየ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ጴጥሮስ ክጽልዩሉ ዝሓተቶም፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢዩ ጐይታ ዕዮኡ ንክቕጽል ብርሃንን ጸጋን ውሽጣዊ ብርታዐን ዝህቦም፣ እዚ ድማ ብቐዳምነት ንዅሎም እቶም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እምነት ንምጽናዕ ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣመንቲ ኣብ እምነት ከጽንዕዎም ጥራይ ዘይኰነስ ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ደቂ ሰብ ምሕረት ኣምላኽ ኬርእዩ እዮም ዝተጸውዑ እንክቡ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ቤሱንጉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።