ጳጳሳት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ፦ 'ኣፍሪካ ግብረ ሰናይ ዘይኰነስ ፍትሒ ኢዩ ዘድልያ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቀቅድሚ እቲ ብዕለት 21 ግንቦት፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዘካየድዎ ጉባኤ፣ ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳትን ከምኡውን ቤትምክሪ ጉባኤ ኣቡናት ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ እቲ "ኣብ ኣውሮጳ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ዓሚቝ ለውጢ" ክግበር ዘተሓሳስብ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።
ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ሎሚ . . .
ፍርቂ ዓሰርተ ዓመት ይገብር ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ነቲ ሓባራዊ መበቈልን ጂኦግራፍያዊ ምቅርራብን ዜመልክት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ኣመልኪቶም "ብብዙሕ ወገን ዚግበር ምትሕብባር" ኬደልድላ ኸም ዚኽእላ "ጽኑዕ እምነት" ከም ዘለዎም ኣጕልሑ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ብዕለት 15 ግንቦት ዘውጽእዎ መግለጺ እቶም ክልተ ናይ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ኣቓልቦኦም "ካብቲ ምስቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዞባታትን ማሕበረሰባትን ዘሎ ሓድነት ርሒቑ" ከምኡውን ናብ "ጸቢብ ትርጕም ዘለዎ ጂኦፖለቲካውን ቍጠባውን ረብሓታት" ከም እተቐየረ የጕልሑ።
በየናይ ወጻኢታት ?
እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገራት ናብ "ሕሉፍ ኣገባባት" እተቐየረ ኢዩ ዝመስል፣ እዚ ድማ ናብ "ናይ ኣውሮጳ ትካላት ከምኡውን ስትራተጅያዊ ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ሓቀይና ድሌትን ትምኒታትን ህዝቢ ኣፍሪቃ" ምእታው ከም ዘድልዮ ውን ይገልጹ ። እዚ ማለት ከኣ መሰረታዊ ሕመረት ህይወት — ማለት መሬት ማይ ዘርኢ ማዕድናት — ከም ብሓድሽ "ንመኽሰብ ናይ ወጻኢ ሃገራት" ዀይኑ ኣሎ ማለት ኢዩ ።
ስለዚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኽፍሊ ናይ "ቐጠልያ" ጸዓት ውጥናት ብምዃን ወይ ጾር ናይቲ ኣብ ሕርሻ ኢንዱስትሪ ዘሎ መርዛም ውጽኢታት ጐሓፍ ናብ ካልእ ዞባታት ብምቕያር፣ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ናይ ምብልሻው ተግባራት ብምፍጻም ስርዓት ኣከባቢያዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱ ትርከብ ኣላ። እቲ ካብ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን እተዋህበ መግለጺ፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ሓቀይና "ሽርክነት ኣይኰነን " ብምባል ብምምልካት፣ እዚ ፍትሒ ኣይኰነን" ይብሉ።
ውርሻ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክቕጽል ከም ዘለዎ
እዞም ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤታት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸሓፍዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ስቡህ ኣንተ ብምዝካር ነቲ "ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ግሉጽን ንጹርን" ዝዀነ "ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን" እዩ ዘዘኻኽር። ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎአንን ኣውሮጳን ዘሎ ተግባራት ምምዝባል ፍትሒ የጋጥመን ከም ዘሎ ውን ይሕብር ።
ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኣብ መግለጺኦም ሳዕቤናት ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምጥፋእ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን ምብልሻው ሓመድን ከምኡውን ጥሜት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብኸመይ ከም ዝውስኽ ዘሎ ውን የጉልሑ።
ለውጢ ኽግበረሉ ጻውዒት የቕርቡ
እዚ ኽልተ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፣ ነቶም ብዕለት 21 ግንቦት ኣብ ብራስለስ ዝእከቡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ "ክብሪ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ሽርክነት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን" ከእትዉ ይምሕጸንዎም። ነቲ "መፍትሒ ቀረብ ምግቢ" ዝዀነ ውጥን ሓረስቶስ ዚቈጻጸር ስርዓት ዘርኢ ምዕቋብን ምድንፋዕን ኣድላዪ ምዃኑ ውን የጕልሑ።
ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕ እቲ መግለጺኦም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ካብ ሓሳባዊ ናብ ጭቡጥ ተበግሶታት ብኸመይ ከም እትኸይድ ዜርኢ ንጹር ኣብነታት ዝሓዘ ስጕምቲ ንኺወስዱ ጻውዒት ውን የቕርቡሎም። "ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ባልዕ ንምምጻእን ንምጥቃምን ንዝግበር ፈተነታት ድማ ብህጹጽ ክእገድ" ይጣበቑ። እቲ ኣብ ኣውሮጳ ተኣጊዱ ዘሎ ከሚካላት ክሳዕ ሕጂ ይስራሕን ንኣፍሪቃውያን ሓረስቶት ይሽየጥን ምህላዉ ውን ይሕብሩ ። "እዚ ድርብ መዐቀኒ እዚ መወዳእታ ክግበረሉ ኣለዎ" ክብሉ ውን ይምሕጸኑ።
እዚ ሓሳብ እዚ ንኣህጉር ኣፍሪቃን ንስርዓት ኣከባብን ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ኽትከናኸኖን ከተኽብሮን ከም እትኽእል ብዙሕ ርእይቶታት የቕርብ። እንተዀነ ግን "ኣፍሪካ ግብረ- ሰናይ ኣየድልያን ኢዩ" ኣብ ክንድኡስ ፍትሕን "ኣብ ሓባራዊ ኣኽብሮት ኣከባብያዊ ምምሕዳር ከምኡውን ኣብ ማእከል ሰብኣዊ ኽብሪ መሰረት ዝገብረ ሽርክነትን" ከም ዝሓትት የጕልሑ።
ነዚ ንምግባር ከኣ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ከምኡ ውን ኣገልገልቲ ማሕበራት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን "ናብዚ ህሞት እዚ ኽትንስኡ" ከምኡውን ንሲቪላዊ ማሕበረሰብ ኣፍሪቃን ደቀባትን ከምኡውን ንማሕበረሰብን ጽን ኢሎም ክሰምዑ ጻውዒት የቕርቡሎም።