MAP

ጳጳሳት ኡጋንዳ 'ሃገር ኣብ ወሰን እዩ ዘሎ' ኣጠንቂቖም ጳጳሳት ኡጋንዳ 'ሃገር ኣብ ወሰን እዩ ዘሎ' ኣጠንቂቖም 

ጳጳሳት ኡጋንዳ 'ሃገር ኣብ ወሰን እዩ ዘሎ' ኣጠንቂቖም

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡጋንዳ "ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ ህሉው ማሕበረ - ፖለቲካዊ ኣንፈት ሃገሮም መጠንቀቕታ ብምሃብ፣ ሃገራዊ ውድቀት ንምውጋድ ህጹጽ ጽገናታት ክግበር ጻውዒት የቕርቡ። መቓን ናይቲ መልእኽቶም ድማ ቅድሚ 2026 ዓ.ም. ዝካየድ ምርጫ መሰረት ዝገበረ ስግኣት ዓመጽን ናዕብን እናዓበየ ዝኸደሉ ኩነታ ዝፈጥሮ ዘሎ ስክፍታታት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡጋንዳ፣ ህዝቢ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ብጥበብ ክገጥሞ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እታ ሃገር “ኣብ ጫፍ” ከምዘላ ኣጠንቂቖም፣ ናብ ክብርታት ፍትሒ፣ ዘተን ግብረ ገባዊ ቅንዕናን ክምለስ ድማ ከም ተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ “ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ 15 ገጻት ዝሓዘ ጳጳሳት ኡጋንዳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያው መልእኽቲ፥ ብዛዕባ እቲ “ናይ ግዜና መሪር ክውንነት” ኢሎም ዝገልጽዎ ዓሚቝ ስክፍታ ይገልጹ፣ እዚ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስቅያት፣ ብልሽውና፣ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምዕሩይነትን ብሰፊሕ ይገልጹ።

ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ኡጋንዳ፣ ኣቡነ ጆሴፍ ኣንቶኒ ዝዚዋ፣ "ሃገር ኣብ ጫፍ እያ ዘላ። ብህጹጽ ኣንፈት ምቕያር የድሊ . . .  ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣብ ወሳኒ ህሞት ኢና ዘለና። ሕጂ ስጉምቲ እንተዘይወሲድና፣ ናብቲ ተሰጊሩ እዩ ቢልን ተስፋ ዝገበርናሉ ዓይነት ዕግርግር ክንምለስ ዝድርኽ ሓደጋ ከም ዘሎ ንርእይ ኣሎና" ከም ዝበሉን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንሃገራዊ ምርግጋእ ዘስግኡ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝገልጽ ኮይኑ፣ ቀቢላውነት፣ ምስፋሕ ድኽነት፣ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንግስታዊ ትካላት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይምህላው ዘመላኽቱ ነጥብታት ይርከብዎም። ፖለቲካዊ መራሕቲ ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ስልጣን ናይ ምድላይ ፈተና ክቃወሙን ኣብ ክንድኡ ኣብ ምግልጋል ሓባራዊ ረብሓ ከድህቡን ዝላቦ ኮይኑ፣ ጳጳሳት ኡጋንዳ ንቓላት ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምጥቃስ፣ “ኣብ ዝኾነ ቦታ ዝፍጸም በደል ኣብ ኩሉ ቦታ ንፍትሒ ስግኣት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምኹናን ዓመጽን ስቅያትን

ብፍላይ ብምኽንያት ሃገራዊ ምርጫ 2026 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ውደራ፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ናዕብን ስክፍታታት ዝገለጹ ናይ ካምፓሊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሴሞገረረ ነቲ ድሮ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝቕልቀል ዘሎ ኩነታት ከም ዝኾነኑን፣ ኣብ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ሃገረ ስብከት ካሳና - ሉዌሮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ ቅድሚ ስቅያትን ምፍርራሕን ግህሰትን ዓይንና ክንዕምት ኣይንኽእልን ኢና - ቢሎም - ንመራሕትን ዜጋታትን ብዛዕባ ሕሉፍ ሽግር ኡጋንዳ ብፍላይ ድማ ኣብ ከም በዓል ዓባይ ሉዌሮ ዝኣመሰላ ዞባታት ዝረአ ዘሎ ስቓይ ኣዘኻኺሮም፣ ነበርቲ እታ ሃገር ብዝኾነ ይኹን መልክዕ ፖለቲካዊ ዓመጽ ክነጽጉ ጸዊዖም፣ "ኣብዛ መሬት ዝፈሰሰ ደም ኣይንረስዕ፣ በደል ድማ መሊሱ ሱር ክሰድድ ከነፍቅድ የብልናን" ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጻውዒት ንጋዜጠይናታትን ሓገግቲ ኣካላትን

ጳጳሳት ኡጋንዳ ንምራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ጋዜጠይናታት ናይ ሰላምን ተሓታትነትን መልእኽቲ ከስፍሑ ኣተሓሳሲቦም። ሊቀ ጳጳሳት ሰሞገረረ ኣገዳስነት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ምቕራጽ ህዝባዊ ክትዕን ኣረኣእያን ዘለዎም ዓቢ ግደ ኣስሚሮም፣ “መራኸቢ ብዙሃን ውጥረት ንምጉህሃር ዘይኮነስ፣ ምርድዳእን ሓላፍነታዊ ዜግነታዊ ጽምዶን ንምዕባይ ክውዕል ይግባእ - ቢሎም - ቤተ ክርስቲያን ብተወሳኺ ሓጋጊ ባይቶ ፍትሓዊ ሕጊ ከውጽእ ትጽውዕ፣ ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ ዝቐርቡ ዘለዉ ተራ ዜጋታት ዝፈጥረሎም ስግኣት ኣመልኪቶም፣ ሓገግቲ ኣካላት ናይ ሓባር ረብሓን ፍትሕን ናጽነትን ንኹሉ ዝድግፍ ሕግታት ከውጽኡ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ኡጋንዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ተራን ግብረ ገባዊ ሓላፍነትን ቤተ ክርስቲያን

ኣቡነ ዝዚዋ፥ ቤተ ክርስቲያን ኢወገንተይና እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ቅድሚ በደል ስቕ ክትብል ከምዘይትኽእል ኣስሚሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ናይ ሓባር ረብሓ ዝደሊ ፖለቲካ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምጥቃስ፣ “ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ደቂ ሰባት ግብረ ገባዊ ፍርዲ ምሕላፍ ኣካል ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ናይ ኡጋንዳ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ወንጌል ዮሓንስ ኣስተንፍሶ ገይሩ፣“ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ” &Բ;እንክብል፣ ጳጳሳት ኡጋንዳ፣ ኩሎም ኡጋንዳውያን - ፖለቲካዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ - ሓቅን ቅንዕናን ሃገራዊ ዘተን ክማእክሉ ጽውዒት ኣቕሪቦም፣ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ “ካብ ፖለቲካዊ ፍርሕን ምትላልን ክንርሕቕ ኣለና . . . ኡጋንዳ ናይ ኩላትና እያ። መጻኢ ናይዚ ህዝቢ ኣብዚ ሎሚ እንገብሮ ምርጫታት እዩ ዝምርኮስ" እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

09 Apr 2025, 16:37