ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንሕጊ ሓለዋ ወጻእተይናታት ሰብ ውፉይ ህይወት ይድግፉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (USCCB) ንኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ሃገሮም፣ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ንዝርከቡ ማሕበረሰባት እምነት፣ ሃይማኖታዊ ተልእኾኦምን ኣገልግሎቶምን ንኽቕጽሉ ዝሕግዝ ሓድሽ ብኽልቲኡ ፖለቲካዊ ውድብ ዝድገፍ ሕጋዊ እማመ ክጸድቕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብኽልቲኡ ፖለቲካዊ ውድብ ዝድገፍ እማመ
እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ሰሙን እዚኣ እተኣታተወ። ዕቝባ ዕዮ ሃይማኖታዊ ሓይሊ (RWPA) ዘርእስቱ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ምትዕርራይ ኪግበረሉ ሓሳብ ዘቕርብ፣ እዚ ኸኣ ነቶም ቪዛ ዚሕዙ ወጻእተይናታት ሰብ ውፉይ ህይወትን ካህናትን ሃይማኖታውያንን ሰራሕተይናታት ቀዋሚ መንበሪ ኽሳዕ ዚረኽቡ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንኺጸንሑ ዘኽእሎም ኮይኑ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኣድላዪ ኣገልግሎቶም ክቕጽል ውሕስነት ንምሃብ ዝኣመተ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ብመሰረት እዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ፣ እቲ ኣብ ስራሕ ዝተመርኮሰ ራብዓይ ምርጫ (EB-4) ምድብ ቪዛ-ብዙሓት ሃይማኖታውያን ሰራሕተይናታት ቀዋሚ መንበሪ ዝደልዩ ዘቕርብዎ ሕቲ ምላሽ ንምሃብ ብዙሕ ግዜ ዝስድ ኮይኑ ክሳብ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ምጽባይ ከጋጥሞም እውን ዝከኣል ከም ዝኾነን፣ እዚ ምድንጓይ እዚ ኣብዞም ውልቀሰባት ዝምርኮሳ ሃይማኖታውያን ትካላት ርኡይ ምዝንባዕ ዘተኣታትውን፣ እቶም ብተለምዶ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝተሓጽረ R-1 ቪዛ ዘለዎም፣ ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ምጽባይ ዝርከቡ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ቪዛ ምስ ወደቐ ካብ ኣመሪካ ክወጹ ኣለዎም። ካብኡ ዝገደደ ድማ ብመሰረት ህሉው ሕጊ፣ እንተወሓደ ንሓደ ዓመት ካልእ ቪዛ ከይሓተቱ ክጸንሑ ዝብል ዓንቀጽ ዘለዎ ብምዃኑ ድሮ ኣብ ሎዕሊ ዘሎ ውሱን ሰብ ውፉይ ህይወትን ካህናትን ጸቕጢ ዝፈጥር ከም ዝኾነ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ኣብ ሕ. መ. ኣመሪካ ኣገዳስነት ናይ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌልን ኣገልግሎት
ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ብሮሊዮን ኣብቲ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ናይ ዝከታተል ሽማግለ ኣቦ መንበር ኣቡነ ማርክ ሰይትዝ፣ ናብ ሓገግቲ ኣካላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ ዝቐረበ ሕጊ ደጊፎም፣ ይኹን እምበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰብ ውፉይ ህይወትን ካህናትን ኣገዳሲ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ ንምፍቃድ ነቲ ስርዓት ምምሕያሽ ከምዘድሊ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብዘይ እቶም ከገልግሉ ዝመጹ ሰራሕተይናታት ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ነቶም ነቲ ሰፊሕ ዝኾነ መዋቕር ሕብረተሰብና ብሓፈሻ ዜንጸባርቑ እተፈላለዩ ጕጅለታትና ከነገልግል ኣይምኸኣልናን" ኢን እንክብሉ እቶም ክልተ ጳጳሳት ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ተሪር ስርዓት ዘለዎ ሰፊሕ ሳዕቤን ኣመልኪቶም፣ ንኣብነት ኣብ ብዙሓት ገጠራት ወይ ትሑት ኣገልግሎት ዝረኽቡ ማሕበረሰባት ስሩዕ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታትን ምሥጢራት ምርካብን ኣብ ህላወ እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ሰብ ውፉይ ህይወት እዩ ዝምርኮስ። ኣብ ሰበኻታት ብፍላይ ድማ ኣብተን ብብዝሒ ስደተይናታት ዝነብሩለን ሃገረ ስብከታት፣ ቋንቋውን ባህላውን ስሉጥነት ናይዞም ውልቀሰባት መተካእታ የብሉን።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰብ ውፉይ ህይወት ዘይምህላዎም፣ ብዙሕ ካህናት ዘይብለን ሰበኻታት፣ ካህናት ዘይብለን ኣባይቲ ሕክምናታት፣ መምህራን ዘይብለን ኣብያተ ትምህርቲ፣ መምህራን ዘይብለን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ንብዙሕ ጸገም ከስዕብ ይኽእል እዩ - እዚ ኩሉ ንመንፈሳውን ትምህርታውን ህይወት ኣመሪካውያን ስድራቤታት ብዕምቆት ዝጸውልው እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፣
ናይ ኣመሪካውያን ሃይማኖታዊ ተግባር ምስጓም
ጳጳሳት ነዚ ሃገር ሓቖፍ ብድሆ ኣብ ምፍታሕ ናይቲ እማመ ተሓባበርቲ ንዝገበርዎ ጽኑዕ መሪሕነት ብምንኣድ፣ ኩሎም ኣባላት ሕዝባዊ ቤት ምኽርን ሓጋጊ ሕግን ተሓባቢሮም ነቲ ሓድሽ ኣማመ ክድግፉ ጸዊዖም፡ እዚ ድማ ንረብሓ ኩሎም ዜጋታታ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ናጻ ኣተገባብራ ሃይማኖት ዘስፍሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።