MAP

ዓቢይ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን፣ ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ናይ እግዚኣብሄር ሰብ' ዓቢይ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን፣ ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ናይ እግዚኣብሄር ሰብ'  (© Stefanie Stahlhofen (Radio Vatikan/Vatican News))

ዓቢይ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን፣ ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 'ናይ እግዚኣብሄር ሰብ'

ዓብይ ሓለቓ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ንህይወትን ሕድሪን ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምዝካር ኢየሱሳዊ ሓዎም ንጸሎትን ዘተን ዝነበሮም ተወፋይነት ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዓቢይ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ ሓሙስ ዕለት 24 ሚያዝያ ኣብ ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኩርያ ብዛዕባ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝኾኑ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተክለ ሰብነት ጽማሬ ኣቕሪቦም።

ኣርጀንቲናዊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ነፈሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይብሉ ኣባ ሶዛ፣ "ንህዝብን ንዅነታትን ነፍሲ ወከፍ ዚነብርሉ ዝነበረ ኸባቢ ብዕምቈት ናይ ምርዳእ ዝነበሮም ብቕዓትን መንፈሳዊ ተመክሮኦምን ኣፍልጦ ሂቦም . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዛ ዓለም እዚኣ ንዅሎም ደቅሰብ ብቑዕ መንበሪት ንምግባር ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዝግበር ለውጢ፣ ኣበርክቶ ምእንቲ ኽገብር ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ መታን ወትሩ ይጽዕሩ ከም ዝነበሩ ገሊጾም፣ . . . ዘሕለፍዎ ነዊሕ ዕድመን ዝለበስዎ ሓላፍነታትን ዘኪሮም 'ናይ ኣምላኽ ሰብ' እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍጻሜታቶም ብመዐቀኒ ካልኦት ሰባት ክምዘን ዘይኮነስ፡ ወንጌል ኢየሱስ ንምውሳጥን ንኹሉ ሰብ ናብ ቅድስና ከብል ንምዕዳምን ዝጽዕሩ ዝነበሩ፣ “እቲ ኣገዳሲ ነገር ንሓድሕድካ ምስማዕ፣ ምስ ዝተሓላለኸ ክውንነት ምዝታይ፣ ምልክታት ዘመን ብዕምቆት ምስትውዓልን ብጸሎትን ምስ ጎይታ ብምርኻብ ንእዋናዊ ኩንት ዝኸውን መገዲ ኣብ ምልላይን ዘተኮሩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ነፍሰሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ሰብ ክቡር ናብራ ኺነብር ዓለም ከኣ ብሓቂ "ኵላትና ኸም ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና እንነብረላ ተራ ቤት" ክትከውን ከም እትኽእል ከይተሓለሉ ብምዝኽካር ኩሉ እውን ኣብዚ ሓቂ እዚ ክኣምን ዘተባብዑ ከም ዝነበሩ እውን ኣዘኻኺሮም፣ "ኣምላኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ምስቲ ኩሉ ሕልኽልኻቱ ወትሩ መሓሪ ምዃኑ ከስተውዕልን ንሓብራዊ ህይወት ክፉት ክኸውን ዝሓገዙን ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ዝሃነጹን እንክብሉ ገሊጾም፣ ኣብ መደምደምታ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክትክእ ዝምረጽ መን ምዃኑን ካበይ ምዃኑን ብዘየገድስ፣ ነቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍጽምዎ ናይ ተኣዝዞ ራብዓይ መሓላ ብተኣማንነት ዝቕጽል ምዃኑ ኣረጋጊጾም። እቲ ልዕሊ 450 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ራብዓይ ማሕላ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘየቋርጽ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

26 Apr 2025, 17:30