ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰላመ ክርስቶስ፡ 'ንጡፍ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ መሰረት ሰላም እዩ'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዓመጽ ናይ ዘመንና ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ክንዲ ዝፈትሕ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንዓመጽ ከም ዘጽንዖን ከም ዘጋድዶን ኣስብሂቢሎም፣ ንሰብኣዊ ፍጥረት ካብቲ ዓመጽ መፍትሒ ግጭት እዩ ዝብል ዘሕዝን እምንቶ ክላቐቕ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምቅላሕ ከይተሓለሉ ጻውዒት ብምቕራብ፣ "ኲናት ኩሉ ግዜ ንደቂ ሰባት ስዕረት እዩ" እንክብሉ እውን ከም ዘተሓሳስቡን፣ ኣብ መደረታቶም ጽሑፋቶምን ቃለ መሕትታቶም፥ ግጭት ንምፍታሕ፡ ፍትሒ ንምዕባይ፡ ንምድሪ ንምፍዋስ፡ ስደተይናታት ንምሕላው፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኲናት ንምውጋድ ካብ ዓመጽ ወጻኢ ካልእ መንገዲ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ እዚ ኩሉ ብድሆታት ድማ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ከም ዘብርሁ ትዝክር።
እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሕመረት ተልእኾ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንፈረንሳውያንን ጀርመናውያንን ዘራኽበ ኣብ 1945 ዓ.ም. ኣብ ኤውሮጳ ዝተመስረተ Pax Christi International (PCI) - ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊት ትካል ሰላመ ክርስቶስ፣ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዝንቀሳቐሳ ልዕሊ 100 ኣባላት ትካላት ዝሓቁፍ ከም ዝኾነን፣ እቲ ምንቅስቓስ ነታ ብብዙሕ ዓይነት ዓመጽ - ኣካላዊ ይኹን መዋቕራዊ ወይ ከባብያዊ ጸገማት ኣትልለ ዓለም ናብ ሰላምን ፍትሕን እትሓቁፍ ዓለም ንምቕያር ዝዓዪ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ናይ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊት ትካል ሰላመ ክርስቶስ ዋና ጸሓፊት ማርታ ኢነስ ሮሜሮን ቅድሚ ሕጂ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣተሓባባሪት ትካል ሰላመ ክርስቶስ ንዞባ ንላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝነበረትን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስድቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፣ ብዛዕባ ስራሕ እቲ ውድብን ብፍላይ ኣብ ላቲን ኣመሪካ፣ ዓመጽን ዕጥቃዊ ቃልስን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንማሕበረ - ፖለቲካዊ ጭቡጥ ጽልዋኡን ብሰፊሕ ተብህር።
ዳግመ - ዕጥቅን ወተሃደራዊ ምግባርን መፍትሒ ግጭታት ኣይኮነን
ዓለም ኣብ ዙርያ ወተሃደራዊ ምግባርን ዳግመ - ዕጥቅን ከም መፍትሒ ጸጥታዊ ብድሆታት ዘተ ኣብ እትኾለሉ ዘሎ እዋን፣ ሮሜሮ ዓለም ሓቆፍ ትካል ሰላም ክርስቶስ ነዚ ትረኻ ብትሪ ከም ዝቃወም ኣብሪሃ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው፣ ናይ ኲናት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ስልጣነ ባዕሉ፣ ኣብ ልዕሊ ስደት፡ ውልቃውነትን ሃልክን ዘይምጽውዋርን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ስነ - ምግባራውን ባህላውን ክብርታት ዝሽርሽር ምዃኑ ትገልጾ።
ምስ ስነ - ሞጎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስምማዕ፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ሰላም ክርስቶስ፣ ዕጥቂ ምጥቃም፣ ነቲ ሱር ጠንቂ ግጭት ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፣ ዑደት ዓመጽ ከም ዘቐጽል ይኣምን።
"ዳግመ-ዕጥቂ ነቲ ዓንኬል ዓመጽ ዘጎሃህር ጥራይ እዩ፣ ዓመጽ ብዘላቒ ወይ ብኹለመዳያዊ መገዲ ግርጭታት ክፈትሕ ከምዘይክእል እዩ። ብኣንጻሩ ብዘይጎነጻዊ መገዲ ዓመጽ ዝመልኦ ግጭታት ንምክልኻል ርግጸይናነትን ሓላፍነትን ከምዘለና ንኣምን። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ 'ኲናት ኩሉ ግዜ ንሰብኣውነት ስዕረት እዩ' እንክብሉ ምስ ዝገልጽዎ ሓሳብ ንሰማማዕ"
ትምህርቲ ካብ ላቲን ኣመሪካ
ሓደ ካብቲ ዝጭበጥ መርኣያታት ጽልዋ ናይቲ ትካል ሰላመ ክርስቶስ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ፣ ኣብታ ብዕጥቃዊ ግጭታት፣ ዓመጽን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እትሳቐ ዞባ ላቲን ኣመሪካ ክርአ ይከኣል።
ኣብ ዞባ ቻፓስ ሜክሲኮ፡ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊት ትካል ሰላመ ክርስቶስ ምስ ከም ማእከል ሓው ባርቶሎሜ ደ ላስ ካሳስ (Frayba) ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ኣገልግሎት ሰላም (SIPAZ) ዝኣመሰሉ ናይቲ ከባቢ ትካላት ብቐረባ ሰሪሑ እዩ ይሰርሕ እውን ኣሎ። ቀንዲ ትኹረት ናይዞም ጻዕርታ፣ ብዕደና፣ መጓዓዝያን ሕርሻዊ ንግድን ሓዊሱ ማዕድን ብዘውጽኣ ዓበይቲ ትካላት ዝተሃስዩ ደቀባትን ሓረስቶትን ኣብ ምድጋፍ ምንባሩ ገሊጻ፣
እዞም ዓበይቲ ኢንዳስትሪታት መብዛሕቲኡ ግዜ ንዕንወት ከባቢ፣ ምምዝባልን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ዓመጽ ዝመልኦ ዓፈናን ዘስዕብ ኮይኑ፣ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊት ትካል ሰላመ ክርስቶስ ኣብ መላእ ሸውዓተ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ዝትግበር ስነ ሜላዊ ኣገባብ ኣዳልዩ፣ እዚ ድማ ማሕበረሰባት ግርጭታት ንምትንታን፣ ውጥናት ንምጉስጓስን ንምሕንጻጽን ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ንምህናጽን ሓጊዙ እዩ።
ሓደ ካብቲ ፍሉጥ ዓወታት ናይዚ ጻዕርታት እዚ፣ ዘከ ንእተሰምየ ምንቅስቓስ ደቀባት ንመከላኸሊ ህይወትን መሬትን፣ እዚ ኣብ ቻፓስ ዝርከቡ 40 ማሕበረሰባት ዝሓቍፍ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝድገፍ ንሃይድሮካርቦንን ምውጻእ ዕደናን ዝዓለመ ንንግዲ ዘቕረቦ 84,500 ሄክታር ብዓወት ደው ኣቢልዎ እዩ።
ጻዕርታቶም - ካብ ዘይጎነጻዊ ተቓውሞ፣ ምልዕዓል ሕብረተሰብን ሕጋዊ ምጉስጓስን ዝተሰረተ ኣገባብ - ሰበስልጣን ህዝባዊ ምይይጥ ከካይዱ ኣገዲድዎምን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ውጥን ደው ክብል ገይርዎ እዩ። ንጻዕሮም ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ምንቅስቓስ ደቀባት ንመከላኸሊ ህይወትን መሬትን ኣብ 2017 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊት ትካል ሰላመ ክርስቶስ ንዝህቦ ዓመታዊ ስልማት ብቑዕ ከም ዝበሎ ዘኪራ፣ እዚ ቃልሲ ብዘይ ሓደጋ ከም ዘይነበረ፣ ነዊሕ ዝጸንሕ ቃልሲ እውን ምዃኑ ኣስተብሂላ፣ ከምቲ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘጋጥም ሰማእትነት፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ከም በዓል ዘከ ንእተሰምየ ምንቅስቓስ ደቀባት ንመከላኸሊ ህይወትን መሬትን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት፣ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ጸቕጢ ትካላትን መንግስታውን ምቅዋም ዘሎ ሓይሊ ዘርኢ ምዃኑ ተብርህ።
ናይ ኣእምሮን ቃላትን ሕብረተሰባት ዕጥቂ ምርጋፍ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዘተሓሳስብዎ ኣብ ሰላም ንምብጻሕ ኣጽዋር ምርጋፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣጽዋር ኣእምሮን ቃላትን እውን ምፍታሕ የድሊ። እዚ ለውጢ እዚ “ንዝተፈላለዩ እምነታትን ባህልታትን ዋጋ ብምሃብ፡ ኣብ ምክልኻል ህይወት፡ ልምድታት ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ካልእነትን ኣብ መንጎ ባህልታት ብምምዕባል” ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል።
ሓደ ካብቲ ቐንዲ ረቛሒታት ናይዚ መስርሕ እዚ ንጥበብን ምህዳራዊ - መንፈሳውነትን ደቀባት ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ። ከም በዓል "ሰናይ ምንባር" (ሱማክ ካውሴ) ዝብል ናይ ኢንዲዮስ (ደቀባት መላእ ኣመሪካ) ኣምር ዝኣመሰለ ናይ ደቀባት ዓለም ኣረኣእያ ኣብ ምጥቃም ተፈጥሮን ማሕበረሰብን ስኒት ክህሉ ዝገብር ኢዩ። ዓለም ሓቆፍ ትካል ሰላመ ክርስቶስ ነዞም ክብርታት እዚኣቶም፣ ነቲ ቁጠባዊ መኽሰብ ልዕሊ ምክልኻል ሰባትን መሬትን ቀዳምነት ዝህብ ዓለማዊ ስርዓት ንምምካት ዘተባብዑ ምዃኖም ኣነጺሩ የቕርቦምን ይጣበቐሎምን።
ናብ ዘይጎነጻዊ ሕብረተሰብ ዝወስድ መንገዲ
ይኹን እምበር እቲ ብድሆ ነቲ ኽልሰ - ሓሳብ ሰላምን ዓመጻን ብፍላይ ኣብ ውግእ ናብ ግብራዊ ስጕምቲ ምትርጓም ዝብል እዩ፣ ዓመጽ ዘይምፍጻም ዘይምንቅስቓስ ወይ ኣብ ደውታ ምዃን ማለት ከም ዘይኰነ ኣጕልሐ፣ ኣብ ክንድኡስ ውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ንዘይፍትሓዊ ተግባራት ብንጥፈት ክቃወምዎ መዋቕራዊ ዓመጻ ከቃልዑ ከምኡውን ስርዓታዊ ለውጢ ንኺገብሩ ኺንቀሳቐሱ ኣለዎም።
"ዓመጽ ዘይምፍጻም ነዚ ሕልኽልኽ ዝበለ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ርህራሄ ዝገብርን ሓባራዊ ለውጢ ዘምጽእን ስጕምቲ ንምውሳድ እዩ ዝድርኽ"
እዚ ለውጢ ብብዙሕ ደረጃታት ክኽሰት ኣለዎ፣ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ርህራሄ፣ ነቐፌታዊ ንቕሓት፣ ከምኡ እውን ንበደል ንምብዳህ ትብዓት ምዅስኳስ ዘጠቓልል እዩ፤ ብሓባራዊ ደረጃ ድማ በርገስዊ ማሕበራት ምውዳብ፣ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ምዕባይ፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዘስፍሑ ፖለቲካዊ ውሳነታት ምጽላውን ይሓትት፤ ብመዋቕራዊ ደረጃ፣ ንሰብኣዊ መሰላት፣ ከባብያዊ ዘላቕነትን ሰላም ዝቐንዐ መምርሕታትን ሕግታትን ዝድግፍ ትካላዊ ጽገናታት ይሓትት። ሕብረተሰባት ንጡፍ ዘይጎነጻውነት ብምሕቋፍ፡ ኪኖ እቲ ኣዕናዊ ዑደታት ኲናትን ጭቆናን ክሰጋገሩ ይኽእሉ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ክብሪ፣ ፍትሕን ተስፋን ዝተሃንጹ ማሕበረሰባት ከዕብዩ ይኽእሉ። ከምቲ ሮሜሮ ዘጉልሓቶ ሰላም ግርጭት ዘይምህላው ጥራይ ኣይኮነን - ቀጻሊ ተወፋይነትን ጽምዶን ዝሓትት ኣነባብራ እዩ።