MAP

2020.02.29 celebrazione giubileo e festa annuale dell'archidiocesi di Asmara eritrea 2020.02.29 celebrazione giubileo e festa annuale dell'archidiocesi di Asmara eritrea 

ሓውጾተ ኖላዊ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብ መንበረ ሊካህናት ጊንዳዕ

ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም ዘመንበረ ኣሥመራ፣ ከምቲ በብግዜኡ ኣብ ቊምስናታት ሃለዋት ምእመናን ንምፍላጥ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖላዊ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንበረ ሊቀ ካህናት መንደፈራ ዝገበርዎ ቀኖናዊ ሓውጾተ ኖላዊ፡ ሎም ዘመን’ውን ካብ ዕለት 15-16 መጋቢት፣ ብቊምስና ኪዳነ ምሕረት ባጽዕ ጀሚሮም፣ ኣብ ዝቐጸለ ቀዳመ ሰንበት ድማ ኣብ ደብረ መድኃኔ ዓለም ጊንዳዕን ከባቢኡን፣ ከምኡ ድማ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት 29-30 መጋቢት 2025 ዓ.ም ኣብ ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘመላእኽት እምባትካላ፡ ደብረ መድኃኔዓለም ማይ ሓባርን ደብረ ቅዱስ ዮሴፍ እምባትካላን ዕዉትን ፍርያምን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፈጺሞም።

ተክለሃይማኖት ተስፋዝጊ - ካብ ኤጳርቅና ኣስመራ

ኣብዘን ኣብ ሰለስተ ቀዳመ ሰንበት ዝበጽሑወን ቊምስናታትን ኣብያተ ጸሎታትን፣ እዚ ሓደ ክፍሊ ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ዝኾነ፣ መንበረ ሊቀካህናት ጊንዳዕ ከኣ፣ ምስ ቆሞሳት፡ ኣብኡ ዘገልግሉ ዘለው ሰብ ውፉይ ሕይወትን፡ ከምኡ ከኣ ምስ መንእሰያትን ሕጻናትን፡ ምስ ሕዝቢ ብሓፈሻ ተራኺቦም፣ ሃለዋቶም ሓቲቶም፡ ንሕቶታቶም መሊሶም፡ ኣባታውን ጉስነታውን ሓልዮቶምን ኣርእዮምን ስብከት ቃል ወንጌል ውን ለጊሶም።

ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ዕላማ ሓዋርያዊ ዑደቶም፣ ናይ ጓሳ ምብጻሕ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ኮይኑ፣ ሃለዋት ቊምስናን ምእመናንን ንምፍላጥ እዩ ክብሉ ውን ኣመልኪቶም ። መበገሲ ዝኾኖም ካብ ቃለ-እግዚኣብሔር  መልእኽቲ ቅ. ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮማ ካብ ምዕራፍ ሓደ “ብክርስቶስ ምእማንኩም ኣብ ኩላ ዓለም ስለዝተሰምዐት ቅድሚ ኩሉ ብዛዕባኩም ንኣምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣመስግኖ ኣለኹ። ከየቋረጽኩ ዂሉ ግዜ ኣብ ጸሎተይ ከም ዝዝክረኩም፡ እቲ ወንጌል ወዱ እናሰበኽኩ ብምሉእ ልበይ ዘገልግሎ ኣምላኸይ ምስክረይ ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ እንተደኣ ኾይኑ ደጊም መንገደይ ከቕንዓለይ እሞ ኣብ መወዳእታኡ ናባኻትኩም ክመጽእ እደሊ ኣሎኹ። ምእንቲ ክትብርትዑ፡ መንፈሳዊ ውህበት ከማቕለኩም ስለዝደሊ ኸኣ ኽርእየኩም እናፍቕ እየ። እዚ ከኣ ኣነን ንስኻትኩምን በታ ዘላትና እምነት ንሓድሕድና ምእንቲ ክንጸናናዕ ማለት ኢየ።” ዚብሎ ወሲዶም ከኣ፣ ኣነ’ውን ምእንታኹም ጸሎት ምስጋና ከብጽሕ፣ ብእምነትኩምን በቲ እትነብርዎ ዘለኹም ሕይወትን ኣገልግሎት ቤተክርስቲያንኩምን ከመስግነኩምን፡ ከተበብዓኩምን እየ ናባኹም መጺአ። ሃለዋትኩም፣ ሃለዋት ሕዝበ እግዚኣብሔር ብምፍላጥ ሕዝቢ እምነቱ፡ ፍቅሩን ተስፋኡን ምእንቲ ኪዓቢ እዩ ኢሎም። 

ንትሕዝቶ እዚ ምብጻሕ ኣመልክቶም ድማ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት፣ ህልው መንፈሳዊ ኩነታት ምእመናን፡ ስብከት ወንጌልን ተሳትፎ ምእመናን ኣብ ምስጢራትን፡ ኩሉ መዳያዊ ሕይወት ቊምስናን፡ ጉዳይ ትምህርተ ክርስቶስን መማህራን ትምህርተ ክርስቶስን፡ ዝምድና ቆሞስን ቤት ምኽሪ ምእመናንን ሰብ ውፉይ ሕይወትን፡ ጉዳይ ቃልኪዳንን፣ ዕርቀ ሰላምን፡ ኩስኮሳ መንእሰያትን ሕጻናትን፡ መንፈሳውያን ማኅበራት ቊምስናን፡ ኣተሓሕዛ መዛግብቲ ቊምስና፡ ጸገማት ቊምስናን ኣፈታትሕኦምን፡ ኣገልግሎት ጽጉማትን ድኻታትን፡ ጽፉፍ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ናይ ምእመናን ቊጠባዊ ርእሰ-ምርኮሳ (መባእ፡ግበረ ታቦት፡ ኣሥራት) ንብረትን መሬትን ሕንጻን ቊምስና ንዝብሉ ኣርእስተ ጉዳያት ኣልዒሎም ዘትዮም፣ ጸብጻባት ቆሞሳትን ዝተፈላለየ ሓሳብት ምእመናንን ከኣ ሰሚዖም። ነቲ ዝካየድ ጽቡቕ ንጥፈታት ኣተባቢዖም ክመሓየሽ ንዝግባእ ከኣ ኣመልኪቶም። 

ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዘገልግሉ ዝለዉ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባታት፣ ናትኩም ጉባኤታት፡ ሓቢርካ ምጽላይ፡ ሓቢርካ ምውሳእ፡ ሓቢርካ ምዝንጋዕ፡ መዓልቲ ሕውነት፡ መዓልቲ ሱባኤ፡ መዓልቲ ንግደት ምስራዕ፣ ዘይተመገበ ንኻልኦት ክምግብ ኣይክእልን እዩ እሞ፣ ዝጀመርኩምዎ ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ቀጽልዎ። ንድኻታት ኣብ ምሕጋዝ’ውን ዝከኣለኩም ኩሉ ግበሩ፡ ኣይትረስዎም። ብዛዕባ ሲኖዶስን ኢዮቤልን’ውን ኣተሓሒዝና ንጎስጉሰሉ፣ ሲኖዶስ መንፈሳውነት እዩ፣ ሕብረት፡ ሱታፌ ተልእኮ ክንነብሮ ኣሎና። ኣብዚ ጾመ ኣርብዓ’ውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ “ጉዕዞ ተስፋ” ኢዩ ኢሎና ኣሎዉ፣ ንግደት ግበሩ። ብፍሕሽው ገጽ ምስክርነት ንሃብ፣ ምእንቲ ሰላም ጸሎት ንግበር። ቤተክርስትያን ዋላ ብዙሓት ደቂ ይሃልውዋ ሓንቲ ስድራ እያ። ሕብረትኩምን ተሰማሚዕኩም ምስራሕኩምን የሓጉሰኒ ኢዩ፣ ቀጽልዎ ክብሉ ኣተባብዕዎም።

ንምእመናን ብሓፈሻን ኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ምእመናን፣ ንቤተክርስትያንኩም እትገብርዎ ጽቡቕ ቀጽልዎ። ንዝዘተናሎም ጉዳያት ከኣ በብሐደ በብግዚኡ ክንከታተሎም ኢና፡ ዝዓቅምና’ውን ኩሉ ብኃይሊ ኣምላኽ ክንፍጽሞ ኢና። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ሲኖዶስን ናይ ኢዮቤልን እዋን ጾመ ኣርብዓን እዋን  ከኣ እምነትና ከነሓድስ፥ ኑዛዜ ልኡካን ምሕረት ጸዊዕና ክንገብር፥ ናብቲ ተመዲቡ ዘሎ ቦታታት ንግደት ንክንገብር፥ ልዕሊ ኩሉ ግን ካብ ገዛና ተንሢእና ቅዳሴ ክንሰምዕ ናብ ቤተክርስቲያን እንገብሮ ጉዕዞ’ውን ንግደት ኢየሩሳሌም እዩ፣ ጸሎት ንፍቶ ንትጋህ ከምቲ ጭርሖና “ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ከም ሓንቲ ስምርቲ ስድራ”  ኮይና ንጎዓዝ ኢሎም። 

ምስ መንእሰያት ኣብ ዝገበርዎ ርክብን ዝለገሱሎም ኣስተምህሮታትን ከኣ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ከመይ ኣሎኩም፡ እንቋዕ ገጽ ንገጽ ኣረኣእየና፥ ጳጳስ ብዙሕ ጊዜ ንሜሮን ንዓውደ ዓመት እዮም ዝመጹ፥ ሎሚ ግን ፍልይ ዝበለ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንምፍጻም’የ መጺአ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ጽቡቕ ኣይዞኩም ቀጽልዎ ክብል፥ ነቲ ድኽመት በርትዑ ክብል፣ ጌጋ’ውን እንተሎ’ውን ኣርምዎ ክብል’የ መጺአ። መንፈሳዊ ሃለዋትኩም ከመይ ኣሎ፣ ካብዚ ምብጻሕ እንታይ ትደልዩ፣ ትምህርቲ ክርስቶስ ከመይ ኣሎ፣ እምነትና ክዓቢ ክዂስኮስ ኣለዎ። ከመይ “እምነት ካብ ምስማዕ ቃል ኣምላኽ” እያ ትመጽእ (ሮሜ 10.17)።ተሳትፎ ምሥጢራት፦ ኩሉ ጊዜ መግቢ የድልየና እዩ። ተኽሊ ቀጻሊ ማይን ሙቐትን ከምዘድልዮ፥ መንፈሳዊ ሕይወትና ምሥጢረ ንስሓን ቅዱስ ቊርባን ብቀጻሊ የድልዮ። ኣብቶም 7 መንፈሳዊ 7 ሥጋዊ ናይ ምሕረት ስርሓት’ከ ከመይ ኣሎና። እምነትና ብግብሪ ዚትርጐም ኪኸውን ኣለዎ። ንዝሓዘነ ተጸናንዕ፡ ንዝተሸገረ ተወፊ፡ ንዝተበኣሰ ትዓርቕ’ዶ? እምነትና ክትዓቢ፡ ክትድልድል እዚ ሓሙሽተ ነገራት ክንገብር ኣሎና ኢሎም።

ኣብቲ ዕለተ ሰንበት ምእንቲ ሕዝቢ ብቆሞሳትን ምእመናንን ተሰንዮም ኣብ ዘዕረጉዎ መሥዋዕተ ቅዳሴታት ከኣ፥ ናይ ዕለቱ ሰንበት ብዛዕባ ዘመጻጒዕ ክንዲ ዝነበረ፣ ብዛዕባ’ቲ ን38ዓመት ዝተደነሰ ኢየሱስ ዘሕወዮ ሰብኣይ ዚዛረብ ክፍሊ ጠቂሶም፥ ቤተክርስቲያን ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ መዓልቲ ሕሙማን ፈልያ፣ ምእንቲ ሕሙማን ክንጽሊ ክንበጽሖም ትሓተና። ሕማም፡ ምስ መልዓሊኻ ከይተረፈ የባእስካ ኢዩ። ኣምላኽ ነቶም ኣለይቲ ትዕግስቲ፣ ነቶም ሕሙማት ከኣ መስተርሆት ይፍጠረሎም። ኢየሱስ ፈዋሲ ሕሙማት ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ እዩ። ኲልና ሕሙማት ኢና፣ ፈውሲ ካብኡ የድልየና እዩ። “እትፈርሕዎ ለሞት ፍርሕዎ ለሓጢኣት” ከም ዝተባህለ ንሓጢኣት ንፍራሕ ኢሎም። ቀጺሎም ነቶም ብቅድሚት ተሰሪዖም፥ ዝነብሩ ሕሙማትን ካልኦትን “ቅብኣ ሕሙማን” እናቐብኡ ጸልዮምሎም።

ኣብቲ ዝቐጸለ ሰንበት ደብረዘይት ከኣ ብጸገማት ኣይንሻቐል ኩሉ ዓርቢ ስቕለት ኮይኑ ኣይተርፍን ኢዩ ሰንበት ትንሣኤ ኣሎ። ንምጽኣት ጎይታ፡ ንጸዋዕታ ጎይታ ከኣ ኩሉ ግዜ ድሉዋት ንኹን፡ የርኽበሉ ኢየ ኣይንበል እንኪብሉ። ኣብ ሰንበት ዘገብርኄር ከኣ ከምቶም ንሓደ ሓሙሽተ፡ ንሐደ ክልተ፡ ንሓደ ከኣ ሐደ መኽሊት ዝሃቦም፣ ንኣናው’ ኣምላኽ ክነፍርየሉ ዝተፈላለየ ህያባት ሂቡና ኣሎ። ንህያባትና  ኣብነት እታ ሰማዒት፡ ኣማኒት፡ ተኣዛኢት፡ መስካሪትን ኣመስጋኒትን እግዚእትነ ማርያም ተኸቲልና ብትሕትና ነገልግለሉን ከነፍርየሉን ይግበኣና። እግዚኣብሔር ክምሕረና ከኣ ጸሎት ንፍቶ። “ነጋድያን ተስፋ ኮይና” ምህለላ፡ ንግደት ንግበር። ሰላም፡ ፍትሒ፡ ጠለ ዝናሙ ከውርደልና ጸሎት ንግበር ክብሉ’ውን ደጊሞም ኣተባቢዖም። በዚ ከኣ እቲ ኣዝዩ ጽዑቕ፣ ግን ከኣ ዕዉትን ፍርያምን ሓውጾተ ኖላዊ ናይዚ ዞባ ፈጺሞም።

02 Apr 2025, 14:35