ጉባኤ ማሕበረሰብ መለኮታዊ ቃል፥ ሓደ ተልእኾ፡ ብዙሕ ድምጽታት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 200 ምሁራንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ኣባላት ማሕበር ልኡካን መለኮታዊ ቃል ካብ ዕለት 27 - 29 መጋቢት 2025 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይቲ ማሕበር መበል 150 ዓመት ምስረታ ምኽንያት “ልኡካን ቃል ኣምላኽ ኣብ እዋናዊ ዓለም፥ ምፍዋስ ኣቑሳል ኣብ ድሕረ ዘመናውነት ዝተፈጥሩ ብድሆታት ካብ ባህልታት ምምሃር፣ ካብ ሃይማኖታት ዝመጹ ኣስተንፍሶታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ዓውደ ጉባኤ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብቑስሊ ክርስቶስ ምሕዋይ
ነቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ቃል ኣምላኽ ኣብ ቺካጎ ናይ ቲዮሎጊያ መምህር ነበር ኣባ ስቲቨን ቤቫንስ፡ ሕመረት ተልእኾ "እቲ ፈልፋሊ ፍቕሪ ዝኾነ ስሉስ ኣምላኽ” ምዃኑ ኣስሚሮም፣ . . . እዚ ፍቕሪ እዚ “ሓቂ ክንውንን ዘይኮነስ ንብርሃን ንኽንምስክር ካብ ኩሉ ዓለም ናብ ኩሉ ስፍራ ክንወጽእ” ዝተጸዋዕና ምዃንና ከም ዘብርሁን ከምኡ እውን ጉዳይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ፣ ዝተንስአ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቲ ዝተገልጸሉ ናይ ወንጌል ትርኢት ዘኪሮም፣ “ጎይታ ብሓይሊ ዘይኮነስ ሰላም ምሳካትኩም ይኹን እንክብል ብመገዲ ሰላም እዩ ዝተራኸቦም . . . ስለዚ ንዓኡ ብምስማዕን ብምስዓብን ዳግማይ ናብቲ ዝቖሰለ ቦታታት ዓለም ድማ ሰላሙ ንኸነብጽሕ” ዝልእኸና ምዃኑ ብሰፊሕ ዘብርህ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ድሕረ ዘመናዊ ዘይርጉጽነትን
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ብድሕረ ዘመናዊ ዘይርጉጽነትን ብስነ ኣሃዛዊ ዝተራቐ ምዕባለ ብዝፈጥሮ ምድንጋር ዝተቐረጸት ዓለም ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኮይኑ፣ ኣብዚ መድረኽ እዚ መደረ ዘስምዑ ኣካላት፥ “ኣብ መንጎ ምፍራስ ስነ ሓሳባዊ ሓቅታትን ምልዓል ኣኽራሪ ውልቃውነትን ወንጌል ብኸመይ ክእወጅ ኣለዎ” ኣብ ዝብል ሕቶ ኣተኮይሩ፡ “ተልእኾ ወንጌል ኣብ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዘይኮነስ ስነ ምግባራዊ ብዝኾነ ሕይወት ዕለት ብዕለት ብምምስካር እዩ ዝፍጸም . . . ብትሑት ህላወ፡ ትንቢታዊ ምስማዕን ምስቶም ዝተገለሉ ብምዃን” ዝብል ሓሳብ ከም ተሰመረሉ ኣፍሊጡ።
ዘተን ብዙሕነትን/ፍሉይነትን ሲኖዳውነትን
ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ድማ፣ “ኣብ መንጎ ባህልታት ዝግበር ጽምዶን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ኣብ ተልእኾ ወንጌልን ኣስፍሆተ ወንጌልን” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኮይሩ ዝተኻየደ ከም ዝነበረን፣ ክርስትያናዊ ተልእኾ ከም ናይ ሓባር ንግደት ምስ ካልእ እምነት ዘለዎም ሰባት ብምትሕብባር ዝሳለጥ - ኣብ ሓድሕዳዊ ለውጢ፡ ምህናጽ ሰላምን ቲዮሎጊያዊ ትሕትናን ኣብ ዝብል ኣመለኻኽታ ሱር ዝሰደን ክኸውን ከም ዘለዎን፣ እዚ ማለት ድማ፣ “ሓቀይና ተልእኾ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ውደራ ዘይኮነስ፣ ብዛዕባ ኣብ ዝተሰብረት ዓለም ንመለኮታዊ ሓቂ ብሓባር ምምስካር” ኣገዳሲ ምዃኑ ብሰፊሕ መብርሂ ከም እተወሃበሉን፣ ኣብ እስያ ዘጋጠመ ተመክሮታት መሰረት ብምግባር፣ ምስ ካልእ ሃይማኖታዊ ልምድታት ሓቀይና ርክብ ንክርስትያናዊ መንነት ኣብ ክንዲ ዘዳኽም ዘዕምቖ ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቤተ ክርስቲያን ናይ ኩሉ ፍሉይነት ድምጽታት እትሰምዕን ዝስምዓላም ከም ዝኾነትን፣ እዚ እውን ዝተፈላለየ ድምጺ ኣብ ውሽጣ ናብ ውሁድ ቅኒት ዝቕይር ምዃኑ ብምምልካት፣ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ እትሓቁፍ መቕደስ ሓቅን ፍትሕን ተስፋን ኣብ ምዃን ዘለዋ ተራ ብሰፊሕ ከም እተገልጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ትንቢታዊ ምስክርነት ተስፋ
ኣብዚ ዓለማዊ ዘይርጉጽነት ኣብ ዝነበረሉ ዘሎ እዋን፡ ብስነ መለኮትን ምስክርነትን ዘተን - ዓውደ መጽናዕትታትን መድርኽ ዘተን ውልቃዊ ምስክርነትን ሓዊሱ - እቲ ጉባኤ ሎሚ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዕብላል ወይ ምእዛዝ ዘይኮነስ፣ ምሕዋይን ምስናይን ምግልጋልን ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰበን፣ ኣብ ቁስሊ ዓለም ተስፋ ትንሳኤ ሱር ዝሰደደ ክኸውን ዝድርኽ እዩ፣ . . . ልኡከ ወንጌል፣ ወንጌል ብጸቕጢ ዘቕርብ ዘይኮነስ ዘሰንይ፣ ዝዕብልል ዘይኮነስ ዝፍውስ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ኣብዚ ብናይ ምፍልላይን ናፍቆትን ባህላዊ ምትሕልላኻትን ዝተለለየ ዘመን፡ ተልእኾ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን እትገብሮ ነገር ጥራይ ከምዘይኮነ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣዘኻኺሩ - ቤተ ክርስቲያን ካብ ኩሎም ኣህዛብ ናብ ኩሎም ኣህዛብ ዝተላእከ ምስጢረ ፈውሲ እግዚኣብሔር፡ ካብ ኩሎም ኣህዛብ ናብ ኩሎም ኣህዛብ ዝለኣኽ፡ ወትሩ ንብርሃን ክርስቶስ እትምስክር እያ - ቤተ ክርስቲያን ህዝበ እግዚኣብሔር እያ! ዝብል ሓሳብ ዘቃለሐ ምንባሩ የመላኽት።