ኣብ ዒራቕ ኩርዲስታን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስትያም ኣብ ኤቁሜኒካዊ በዓለ ሆሳዕና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዞባ ኩርዲስታን ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ኤርቢል ናይ ዓንካዋ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዕለት 12 ሚያዝያ ኣብ ድሮ ሰንበት ዘሆሳዕና ዓመታዊ ኤቁመናዊ ዕደት ሆሳእና ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሰበኻታት ኤርቢል ሽማግለ ጉዳያት ትምህርተ ክርስቶስ፣ “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ሆሳእና ኣብ ኣርያም” ብዝብል ወንጌላዊ መርሕ ቃል ዝተዳለወ እውን ምንባሩ ኣመላኺቱ፣ እቲ መደብ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተሳተፍቲ ኣብ ሓባራዊ እምነትን ሓባራዊ ምስክርነትን ዝተሰረተ ጽምብል ዘሳተፈ ኮይኑ፣ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝመጹ መራሕትን ምእመናንን ኣብ ናይ ሓባር ኣምልኾን ሓድነትን ዝጠርነፈ መደብ ጸሎት ኣብ መካነ ንግደት ማር ኤልያ ከም ኣተፈጸመ ኣፍሊጡ።
እቲ መንፈሳዊ መደብ ዑደት ኣብ ፓትርያርካዊ ኣሶርያዊ ካቴድራል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ተጀሚሩ ናብቲ ንከለዳውያን ካቶሊካውያን ምእመናን ቅዱስ ቦታ ዝኾነ ታሪኻዊ መካነ ንግደት ማር ኤልያ ገጹ ዝተጓዕዘ ኮይኑ፣ ነቲ መደብ ዝመርሕዎ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን፣ ናይ ኣሶርያዊት ምብራቓዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ማር ዓዋ ሳልሳይ፣ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዔርቢል ሊቀ ጳጳሳት በሻር ዋርዳ፣ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ኒቆዲሞስ ዳውድ ሻራፍ፣ ከምኡ እውን ከምኡውን ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ናትናኤል ኒዛር ዓጋም ዝርከብዎ ምዃኑን፣ ኣብዚ መንፍሳዊ መደብ ካህናትን ዲያቆናትን መምህራን ትምህርተ ክርስቶስን ምእመናንን ካብ መንግስቲ ዞባ ኩርዲስታን ዝመጹ ወከልትን ተመሃሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኩሎም ብጸሎትን መዝሙርን ከም እተጸምበሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
እቲ ዓመታዊ ህሞት ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ምትሕብባርን ዘተባብዕ ከም ዝኾነን፣ ኣብዚ ኩለንተናዊ ፍጻመ ዝተዓዘብናዮ ሓድነት ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት ናይቲ ዞባ ንምትሕብባር ዝግበር ዓቢይ ተወፋይነት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ናይቲ መደብ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ጉዳያት ትምህርተ ክርስቶስ ሓቢሩ፣ ብመንግስቲ ክልል ኩርዲስታን ዝተደገፈ ኣብ ከተማ ኤርቢል ንዘሎ ናጽነትን ህያውነትን ህይወት ክርስትና ከምኡ’ውን ኣገዳስነት መግለጺ ሃይማኖት ኣብ ህዝባዊ ጽላት ዘጉልሕ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።