MAP

ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ  (ANSA)

ብዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ

በቲ ኦሪት ዘጸኣት፣ “ንስደተይና ኣይትዓምጾን ኣይትጨቁኖን” እንክብል ብዘቕርቦ ምኽሪ ዝተደረኸ፣ “ዓለም ሓቆፍ ስደትን ልዕልና ሕግን፥ ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ዓውደ ኣኼባ ካብ ዕለት 11 – 12 ለካቲት ኣብ ሮማ ከም እተካየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ሎዮላ መንበረ ጥበብን ጳጳሳዊ ጎርጎርያና መንበረ ጥበብ ብሓባር ‘ዓለማዊ ስደትን ልዕልና ሕግን’ ብዝብል መርሕ ቃል ዘዳለውዎ ዓውደ ኣኼባ ከም እተኻየደን፣ “ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም 281 ብሚልዮን ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ መበቆል ሃገራቶም ወጻኢ ዝነብሩ ከም ዝኾኑ ክንገር እንከሎ፣ መበቆል ሃገራቶምን ኣአንገድቲ ሃገራትን ካብ ስደት ተጠቀምቲ ክነሰን፣ ስደት ኣብ ብዙሕ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ፍክሊ ዓለም ፖለቲካዊ ነጥበ - ረምጺ ኮይኑ” ከም ዘሎ እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣመልኪቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣመላኺቱ፣ “እዚ ዋዕላ’ዚ፡ ነቲ ታሪኻዊ ጠንቅታት ቅልውላው ስደት ዝዳህሰሰን ስደት ዘስዕብ እዋናዊ ወጥርን ብድሆታትን በቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም፥ ‘ንጓና ኣይትብድልዎ ወይ ኣይትግፍዕዎ’ ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሮም ተመሪሑ፣ መትከላት ሕጊ መቆጻጸሪ ጉዳይ ስደት በዚ ለበዋ እዚ ዝምራሕ ምስ ዝኸውን ድማ ውጽኢታዊ ከም ዝኸውን ዘመላኸተ ምንባሩ ይሕብር።

ኣብዚ ጉባኤ ካብተን ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝተመስረታን ዝመሓደራን ክልቲኤን መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡን ከምኡ እውን ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳያት ዝከታተል ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓላፊት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኤሚልሰ ኩዳ ዝርከብዎም ኣካላት መደረ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ እቲ ኣብ ቺካጎ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሎዮላ ኣብ 1870 ዓ.ም. ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል፣ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎርያና መንበረ ጥበብ ኣብ 1551 ዓ.ም. ብመስራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኦግናዚዮስ ሎዮላ ዝተመስረተ ምዃኑ የዘኻኽር።

12 Apr 2025, 17:00