ቆሞስ ቓዛ፡ 'ኣብ ጋቢያ ኢና ንነብር ዘሎና'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ብመሰረቱ ‘ኣብ ጋቢያ እንነብረሉ’ ዘሕዝን ክውንነትና፣ ቅዱስ ኣቦና ምሳና ብስልኪ ዘካይድዎ ርክብ ንዓና ዓቢይ ትርጉም ኣለዎ . . . ነቶም ኣብታ ቁምስና ተዓቝይቦም ዘለዉ ክርስቲያንን ዘይክርስቲያንን ኩሎም ዓቢይ ምልክት ተስፋ እዩ እንክብሉ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ የስተብህሉ።
እቲ ውግእ ከብቕዕ
ኣባ ሮማነሊ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘሎ ኩነታት መነባብሮ፣ “ኣዚዩ ዘተሓሳስብ” ምዃኑ ኣረጋጊጾም፣ ልክዕ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ "ሰላም ዝክኣል ምዃኑ ኹሉ ሰብ፣ ኩሎም መራሕቲ ዓለም ክኣምኑ” ዘቅረብዎ ጻውዒት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። "እዚ ዕጥቃዊ ግጭት ክሳብ ዘሎ ብሓቂ ዝኾነ ይኹን ጸገም ክፍታሕ ኣይኮነን" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፣ "እዚ ውግእ እዚ ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ደው ክብል ኣለዎ . . . ምእንቲ’ዚ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ንሰላም ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ” ኢሎም።
ኣብ ጋቢያ ኢና ዘሎና
ሳላ ቀጻሊ ሓገዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ምስቲ ዘሎ ኩሉ ጸገም ኣምላኽ ይመስገን ደሓን ኣሎና፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ቓዛ መግብን ማይን ሓዊሱ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ኣይርከብን፣ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ቅድሚ ኲናት'ውን ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ዓመትን ፈረቓን ብዘቑጽር ዘሎ ኲናት ኣዚዩ ገዲዱን መግቢ ማይን መድሃኒትን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ምርካብ ከቢድ ኮይኑ ምህላዉ ገሊጾም እቲ ውግእ ደው ክሳብ ዘይበለ ኩነታት እናገደደ እዩ ዝኸይድ ኢሎም።
ከቢድ መስቃል ንህዝቢ ቓዛ
ቓዛ ኣብ ሜዳ ዝተዘርገሐ ክፉት ቤት ማሕቡስ እያ ኮይና ዘላ ክብሉ ነቒፎም፣ "ንኹሉ ሰብ፡ ንክርስትያንን ዘይክርስትያንን ብማዕረ ንሕግዝ። ብሓቂ መጋበርያ ሰላም ክንከውን ንጽዕር ኣሎና እንክብሉ ኣስተብሂሎም፣ ኩሉ ምሉእ ብምሉእ ንተስፋ ምቑራጽ ኢዱ ከይህብ ዝጽዕር ህዝቢ ቓዛ ብሓቂ ዓቢይ ጾም ብምልኣት ይነብር ኣሎ። ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪልና ሓገዝ ካብቶም ብሓቂ ሰላም ዝምነዩ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ንጽበ" እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።