ኣዋጅ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ርእሰ ምሕድርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዘበኤርትራ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኤርትራ ዝመሓላልፎ ውሳኔ ነቕርበልኩም።
ከም ዝዝከር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ተሓድሶ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን፣ እታ ሥርዓት ላቲን እትኽተል ቤተክርስቲያን ነቲ ብቋንቋ ላቲን ጥራይ እተካይዶ ዝነበረት ሥርዓተ ኣምልኾን ጸሎታትን ካልእ ሕዝባዊ ኣገልግሎታትን፣ ሕዝቢ ብዝሰምዖን ብዝርድኦን ቋንቋታት ንክትርጐም ኣብ ዝተገብረ ጒዕዞ ብዙሕ ውረድ ደይብ ሓሊፉ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ ኩነቱ ውን ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዝነበረ ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ካብ ቋንቋ ግዕዝ ናብ ቋንቋ ትግርኛን ካልኦት ቋንቋታት ሃገርናን ኣብ ምትርጓም ብዙሕ ጻዕርን ገድሊ ሓሊፉ ኢዩ። ኣብ ሰብዓታት ንመጀመርያ ግዜ ወንጌል ብቋንቋ ትግርኛን ካልእ ቋንቋታትን ክንበብ ምስ ተጀመረ፣ ከምቲ ግዕዛዊ ምስላ 'ሓዲገ ልማድ ጽኑዕ ውእቱ' ዝብሎ፣ ንሓደ ዝለመድካዮ ነገር ምሕዳጉ ጽኑዕ ክንዲ ዝኾነ፣ ብዙሓት ነቲ እተለምደ ግዕዛዊ ቋንቋ ክልውጡ ኣጸጊምዎም ነበረ።
ሎሚ እውን ምስ ምምስራት ሓደስቲ ኤጳርቅናታትን ስፍሓቶምን ብዝሒ ቋንቋታቶምን ብዝዛመድ፣ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ምጥቃም ውን ከጸግም ተረኺቡ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩም ብፁዓን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘበኤርትራ፣ ነቲ ሓድነት ኣብ ብዝሓውነት ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ ተኸቲልና ብመንፈስ ጴንጠቆስጤ ከሕብረና ብምልማን፣ ነፍስወከፍ በቲ እንሰምዖን እንርድኦን ቋንቋ ግእዛዊ ሥርዓተ ኣምልኾና ብውህደት ክነዘውትር ነዚ ውሳኔ እዚ ዘመሓላልፉ ዘለዉ።