ጳጳሳት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘሎ ቅልውላዋት ቅርበቶም ይገልጹ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓመጽ እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ጳጳስ ሰበኻ ቡተምቦ-በኒ ብፁዕ ኣቡነ መልቸቸኽ ሲኩሊ ፓሉኩ ምእመናን ተስፋ ኸይቈርጹ ጻውዒት ኣቕረቡ። ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት ዘሆሳዕና ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን "ዝዀነ ይኹን ነገር የጋጥመና ብዘየገድስ እምነትና ኸነጥፍእ የብልናን ። ኵሉ ነገር ጸልማት ዝመስል እኳ እንተዀነ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይክጥንጥነናን ኢዩ" ክብሉ ውን ኣጸናንዕዎም።
እቶም ጳጳስ ምስቶም ግዳያት ናይቲ ኣብ ሰሜን ኪቩ እተኻየደ ግጭት ዝዀኑ ሰባት ሓድነት ከም ዘለዎም ውን ገለጹ፣ መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዝሰፍሐ ዓለም ዝተረስዑ ኢዮም ። ንክርስትያን ምእመናን "እከይ ኣብ ታሪኽ ናይ መወዳእታ ቓል ኣይኪኸውንን እዩ" ብምባል ናይ ተስፋ መሰኻኽር ኪዀኑ ውን ኣተባብዕዎም።
እቲ ኸባቢ ኣብ ከቢድ ውጥረት እዩ ዘሎ ። ከተማ ቡተምቦን ከባቢ በኒን ገና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር መንግስቲ ኣብ ዘላትሉ እዋን እቶም ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ኤም23 ነታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ጎማ ተቘጻጺሮምዋ ኢዮም ዘለዉ። ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ምሸት ኣብ ምዕራባዊ ኣውራጃታት እታ ኸተማ ኣብ እተገብረ ግጭት እንተ ወሓደ 50 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ ። ሰራዊት ኮንጎን (ፋርዲሲ) ዓለወኛታት ኤም23ን በቲ ዓመጻ ንሓድሕዶም ተሓታቲ እዮም ።
ብመሰረት እቲ ናይቲ ዓዲ ምንጭታት ከም ዝሓበርዎ ነቲ ውግእ ዝጀመሩ ኣባላት ናይቲ ንመንግስቲ ዝድግፎ ሚሊሽያ ቫዛለንዶ ንእተወሰነ ኽፋል እታ ኸተማ ኽመልሱ ምስ ፈተኑ ኢዩ። ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ነዞም ዕጡቓት ጕጅለታት እዚኣቶም ብፍላይ ከኣ ንቫዛለንዶ ምቍጽጻር የሻቕሎም እዩ ዘሎ ።
ኣብታ ኤም23 ንቡካቩ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ዝሓዝዋ ክፍል ደቡብ ኪቩ፣ ኣብቲ ኸባቢ ዝነብሩ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ብዝያዳ ሃለዋቶም ኣሻቓሊ ኢዩ ዝሎ። ሲቪላዊ ማሕበር ACMEJ (ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣንጻር እከይን ደገፍ መንእሰያትን) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር መንግስቲ ኣብ ዝርከብ ቦታታት ዝነብሩ ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ ደብዳብ ስለ ዝወርዶም ዘሎ ሚሊሻታትን ወተሃደራት መንግስትን ይሳተፍዎ ከይህልዎ የስግኦም ኢዩ ዘሎ።
እቲ ግጭት እተሓላለኸ ብምዃኑን ዘምጽኦ ስቓይ ብዘየገድስ መልእኽቲ ብፁዕ ኣቡነ ሲኩሊ ነቶም ብዙሓት እተረስዑ ዀይኑ ዝስምዖም ዘሎ ከባቢታት፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጐድኒ ማሕበረሰባ ደው ኢላ ብቃላት ጥራይ ዘይኰነስ ብቐጻሊ ደገፍን ምትብባዕን ትህብ ከም ዘላ ዘዘኻኽሮም ኢዩ።