MAP

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማልታ ኣብ ሓድሽ ስርዓታት ክንክን ንኣረጋውያን ምኽባር ህይወት ተጉልሕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማልታ ኣብ ሓድሽ ስርዓታት ክንክን ንኣረጋውያን ምኽባር ህይወት ተጉልሕ 

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማልታ ኣብ ሓድሽ ስርዓታት ክንክን ንኣረጋውያን ምኽባር ህይወት ተጉልሕ

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማልታ ኣብ ምሕብሓብ ኣረጋውያን ዝሃበቶ መምርሒ ብቐዳምነት እትጥቀስ ከም ዝገብራን፣ ኣብ ምክልኻል ህይወት ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ደረጃታት ሕይወት ንዝርከቡ ክብርን ሓልዮትን ምርኣይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ተዘኻኽር።

ስምዖን ተ, ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳት ማልታ ብዛዕባ ክንክን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዝምልከት ሓድሽ መምርሒታት ኣውጺኦም ኣለዉ፣ ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ዝተሓትመ ሰነድ፣ ‘ኣብ ማልታ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ቤተክርስትን ንዝርከቡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ክንክን፣ ስነ - ምግባራዊ መምርሒ’ ዝብል ኣርእስቲ ኣለዎ ክኸውን እንክሎ፣ እቲ ጻዕሪ ነቲ መሰል ህይወት ክሳብ እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃታት ህይወት “ንግቡእ ምክልኻልን ምዕባለን ህይወት” ብኸመይ ክፍጸም ከም ዘለዎ ዝሕብር ስነ-ምግባራዊ መምርሒታት ቤተክርስትያን ዘጉልሕ ብዛዕባ ክንክን ኣረጋውያን ዳግማይ ኣቓልቦ ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ሊቀ ጳጳሳት ማልታ ነቲ መምርሒ ዕለት 7 ሚይዝያ ብወግዒ ከም ዝዘርገሖን፣ ኣብ ምድላዋቱ ብጉጅለ ክኢላታትን ሊቃውንቲ ስነ - ምግባርን ዓሚቝ ዘተ ምክያዱ ኣመልኪቱ፣ ዜጋታት ክብሪ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንምዕባይን ቅድስና ህይወት ወዲ ሰብ ካብ ምጽናስን ክሳብ ባህርያዊ ሞት ናይ ምድንፋዕ ግዴታኦም ደጊሙ ዘረጋግጽ እዩ።

ህይወት ምኽባርን ምክንኻንን ምጽንባልን

ናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ቻርለስ ስክሉና ነቲ ሓድሽ መምርሒ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፣ "ጽፈት ናይቲ እንነብረሉ ዘሎና ሕብረተሰብን ስልጣነን ኣብ ተሃዋስነት ድሌታት ኣረጋውያንን ተቓላዕትን ይምርኮስ። ህይወቶም ክናዋሕ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ክኽበር ክሕሎን ክበዓልን፣ ኣብ ንህይወት ምንባር ዕድመ ዝውስኽ ጥራይ ዘይኮነስ ብዝያዳ ህይወት ኣብ ምንባር ዕድመ ኣብ ዝውስኸሉ እዋን ሓልዮት ዘለዎ ሃዋሁ ክህሉ ዝገብር እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ብተወሳኺ ድኻምን ተቓላዕነትን ከምቲ ናይ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ጓሓፋይ ባህሊ ዝበሃል ከእምነና ንዝደልዮ ኣረጋውያን ከም ጾር ሕብረተሰብ ክረኣዩ ንዝገብር ኣመለኻኽታ ከይንቕበሎ ንምግባርን፣ ግን ከም 'ልኡኻት ለውሃት . . . ህያው ጥበብ ተመክሮን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ መምርሒ ሰነድ፣ ስነ - ምግባራዊ ክብርታት፣ መትከላትን ስርዓታትን፣ መሰረታዊ መትከላት፣ ውጥን ምሕደራን ቅድመ ክንክንን፣ መሕወዪ ክንክን፡ ሕክምናዊ ገምጋም ኣብ ደረጃ መወዳእታ ህይወት፣ ከምኡ’ውን ደንብታት፣ መምርሕታትን ኣገባባትን ዝብሉ ሽዱሽተ ምዕራፋት ዝሓዘ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፣ ሓባራዊ ደራስን ናይ ስነ ህይወት ስነ ምግባር ሊቕ የኔታ ኤማኑኤል ኣግዩስ፡ "ኣረጋውያን ካብ ምዝመዛን ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ መጥቃዕትን ነጻ ክኾኑ ኣለዎም። ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ክግበረሎምን ካብ ቁጠባዊ ኣበርክቶኦም ነጻ ኮይኖም ዋጋ ክወሃቦምን ኣለዎ . . . እቲ ህዝባዊ ትኹረት፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ብሓኪም ዝተሓገዘ መወዳእታ ህይወት ምትኳር፡ ንኣረጋውያን ህዝቢ ድልዱል ውጥናት መሕወዪ ክንክን ንባህርያዊ ሞት እናተጸበዩ ኣብ ፍቕሪ ብኽብሪ ክነብሩ" ከምዝሕግዞም ርግጸይና ክኾኑ ኣለዎም። ከምኡ’ውን ክንክን ብምልእነት ምርኣይ እዩ፣ ዋላ’ውን መድሃኒት ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ክወሃብ ዝኽእል ኩለንተናዊ ክንክን ዝምልከት ምዃኑ ከም ዘብርሁ የመላኽት።

ቀጻልነት ህይወት

እቲ መምርሒታት፡ ንህይወት ንምዕቃብ ዝሕግዝ መዳይ ሕክምናዊ እደ ጥበብ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ህይወቱ ንምዕቃብ ተራ ወይ ተመጣጣኒ ኣገባብ ብኸመይ ኣብ ምጥቃ ግብረ ገባዊ ግዴታ ከም ዘለዎ ዘመልክትን፣ "ብኣረኣእያ ኣረጋውያን ርትዓዊ ዝዀነ ረብሓ ናይ ምርካብ ተስፋ ዝህብ ከምኡውን ዓቐን ዘይብሉ  ጾር ዘይስከም ወይ ኣብ ስድራቤት ወይ ማሕበረሰብ ዘይጽወር ወጻኢታት ዘይጽዕኑን፣ ብጀካዚ እቲ ሰነድ ኣቐዲምካ መደብ ክንክን ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ የጕልሕ ፣ ኣረጋውያን ከኣ ክርስትያናዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ኣእምሮኦም ብምሓዝን ንድሌትን ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን እቶም ዚከናኸንዎም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ክንዳኦም ውሳነ ዚገብር ተወካሊ ይሸሙ እዮም። ብፍላይ ክኢላታት ኣብ መወዳእታ ንህይወት ዝግበር ውሳነታት ኣብ ግምት ከእትዉ እንከለዉ ሕክምናዊ ገምጋም ዓቢ ግምት ክህብሉ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘነጽር ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

08 Apr 2025, 17:24